ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???

መልስኻ /  እወ  እንተድኣ ኮይኑ ፣ ኣብነት ንክኾነካ ሓደ  ብዓወት ኣፍደገ ሞት ዛዚሙ ኣፍደገ ሕይወት ዝኸፈተ ኣቦ  ከምጽኣልካ፡ ምንባብንን
፣ ምስትውዓልን ግና  ናትካ /ኪ ግደ እዩ።

መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና፣ ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ፣ እዚ ካብ ንእስነቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝርዳእ መንሰይ፣ ብድሆ ህይወት ኣብ ውሽጢ ቤቱ እዩ ጀሚርዎ።

ዮሴፍ ኣብ ቤቱ ብጽፈትን ብስነ ስርዓትን ይመላለስ ስለ ዝነበረ ነዚ ዘይፈተዉ ኣሕዋቱ ግና በይናውነትን ተንጸሎን መታን ከጥቅዖ ብምባል ነጺሎሞ እዮም፣ ብርግጽ ተንጽሎ ቀሊል ኣይኰነን፣ ብፍላይ ድማ እቶም ቀረባኻ ናትካ ትብሎም ካብ እኩይ መንፈስ ተላዒሎም ክፈልዩኻ ከለዉ ዝወርደካ መንፈሳውን ስነ ኣእምራውን ጭንቀት ዓቢ እዩ፣

እንሓንሳብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈተና ንኽትጸሮ እምብዛ ከቢድ እዩ፣ ዮሴፍ ግና ካብ ኣሕዋቱ ብዝወርዶ ዝነበረ ተንጽሎ ተስናቢዱ ምስኦም ብፍጹም ክደናገጽ ኣይተራእየን፣ ብኣንጻሩ ነዚ ብዲሁ ጉዕዞ እምነቱ ክቕጽል ከሎ እዩ ተራእዩ፣ ንሕና መንእሰያት ብዙሕ ጊዜ ብሰንኪ እንኽተሎ መንገዲ እምነት ካብ ቤትናን ጎረባብትናን መቕርብና ዝወርደና ተንጽሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ገለ ነዚ ሰጊሮም ደው ክብሉ ከለዉ ገለ ግና ካብ ተንጽሎ ንምህዳም ንእምነቶም ንድሕሪት ዝጐቱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

ሰባት ክገድፉኻ ምስኻ ድማ ምድንጋጽ ከቋሩጹ ይኽእሉ እዮም፣ ከምዚ ስለ ዝዀነ ግና ንስኻ ክትሰናበድ የብልካን። ከመይሲ እቲ ዘይንጽልን ዘይርሕርሕን ኣምላኽ ምሳኻ ስለ ዘሎ። ዮሴፍ ገና ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ከምዚ ዝዓይነቱ ተነጽሎ ክገጥሞ እንከሎ መዕረ ኽንደይ ከቢድዎ ከምዝነበረ ርድኡ እዩ። ወትሩ ኣብ ገዛ መጺኡ ዝተጸወጋ ገጻት ኣሕዋቱ ክርኢ ጽቡቕ ይስምዖ ኣኣይነበረን። ንሱ እውን ሰብ ስለ ዝዀነስ ፍቕሪ የድልዮ እዩ። ዮሴፍ ግና ብሰንኪ ኣንጻር ሓጥያት ዝነበሮ ንጹር መርገጺ ነዚ ሕውነታዊ ቤተሰባዊ ፍቕሪ ከም ዝግባእ ኣየሰተማቖሮን። ዮሴፍ ግና ውሕስነት ህይወቱ ኣብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣብ ጉዑዞ ህይወቱ ኣይደኸመን።

ንሕና ኣብዛ ጸልማት ዝኸብባ ዓለም ንነብር ስለ ዘሎና። ብቕድስናን ንጽህናን ክንመላለስ እንከሎና ካብዛ ፍትሓዊት ዘይኰነት ዓለም ኣድልዎን ግፍዕን ክበጽሓና ናይ ግድን እዩ ። እንሓንሳብ ይግባኣና እኳ ክነሱ ብሰንኪ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት መሰልና ዝግፈፈሉ እዋን ብዙሕ አዩ፣ ብርግጽ እዚ ከቢድ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር በዚ ተሰናቢድና ስፍራና ክንሓድግ የብልናን።

ዮሴፍ ኣብ ቤቱ እቲ ዝግብኦ ኩሉ እናገበር እንከሎ እዩ ዝገብኦ ዘይረኸበ፣ ይኹን እምበር በዚ ሰንቢዱ ዕርፉ ኣይደርበየን። ሎሚ ንሕና ንገብሮ ዘበል ኩሉ ካብ ሰባት ናእዳን ክብርን ክንረክብ ዘይኰነስ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዓስቢ ንምርካብ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ቅዱስ ጹሑፍ እውን ክነግረና ከሎ እትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ግበርዎ እዩ ዝብል።

ኩቡራት መንእሰያት እዚ ሕጂ ብሰንኪ ኣብ ጐይታ ዘሎና ፍቕሪ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ክሳብ ካልኦት ዝበጽሓና ተነጽሎን ዘይፍትሓውነትን ውን ነቲ ኣብ ዝመጽእ እንረኽቦ ዓቢ ክብሪ ብፍጹም ከምዘይማዓራረዮ ፈሊጥና ወትሩ የዒንትና ናብቲ ከኣሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ንጠመት። ናይ ዮሴፍ ፈተና ተነጽሎ ጥራይ ኣይነበረን። ካብቶም ፈተውተይ ዝብሎም ኣሕወቱ ዓቢ ኽሕደት እዩ ገጢምዎ። ኣምላኽ ኢዱ እንተ ዘየኣቱ ኔሩ ድማ ንሞት እዮም ፈርዶሞ ኔሮም።

2ይ ክፋል ይቕጽል…..

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ።