Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???

መልስኻ /  እወ  እንተድኣ ኮይኑ ፣ ኣብነት ንክኾነካ ሓደ  ብዓወት ኣፍደገ ሞት ዛዚሙ ኣፍደገ ሕይወት ዝኸፈተ ኣቦ  ከምጽኣልካ፡ ምንባብንን
፣ ምስትውዓልን ግና  ናትካ /ኪ ግደ እዩ።

መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና፣ ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ፣ እዚ ካብ ንእስነቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝርዳእ መንሰይ፣ ብድሆ ህይወት ኣብ ውሽጢ ቤቱ እዩ ጀሚርዎ።

ዮሴፍ ኣብ ቤቱ ብጽፈትን ብስነ ስርዓትን ይመላለስ ስለ ዝነበረ ነዚ ዘይፈተዉ ኣሕዋቱ ግና በይናውነትን ተንጸሎን መታን ከጥቅዖ ብምባል ነጺሎሞ እዮም፣ ብርግጽ ተንጽሎ ቀሊል ኣይኰነን፣ ብፍላይ ድማ እቶም ቀረባኻ ናትካ ትብሎም ካብ እኩይ መንፈስ ተላዒሎም ክፈልዩኻ ከለዉ ዝወርደካ መንፈሳውን ስነ ኣእምራውን ጭንቀት ዓቢ እዩ፣

እንሓንሳብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈተና ንኽትጸሮ እምብዛ ከቢድ እዩ፣ ዮሴፍ ግና ካብ ኣሕዋቱ ብዝወርዶ ዝነበረ ተንጽሎ ተስናቢዱ ምስኦም ብፍጹም ክደናገጽ ኣይተራእየን፣ ብኣንጻሩ ነዚ ብዲሁ ጉዕዞ እምነቱ ክቕጽል ከሎ እዩ ተራእዩ፣ ንሕና መንእሰያት ብዙሕ ጊዜ ብሰንኪ እንኽተሎ መንገዲ እምነት ካብ ቤትናን ጎረባብትናን መቕርብና ዝወርደና ተንጽሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ገለ ነዚ ሰጊሮም ደው ክብሉ ከለዉ ገለ ግና ካብ ተንጽሎ ንምህዳም ንእምነቶም ንድሕሪት ዝጐቱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

ሰባት ክገድፉኻ ምስኻ ድማ ምድንጋጽ ከቋሩጹ ይኽእሉ እዮም፣ ከምዚ ስለ ዝዀነ ግና ንስኻ ክትሰናበድ የብልካን። ከመይሲ እቲ ዘይንጽልን ዘይርሕርሕን ኣምላኽ ምሳኻ ስለ ዘሎ። ዮሴፍ ገና ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ከምዚ ዝዓይነቱ ተነጽሎ ክገጥሞ እንከሎ መዕረ ኽንደይ ከቢድዎ ከምዝነበረ ርድኡ እዩ። ወትሩ ኣብ ገዛ መጺኡ ዝተጸወጋ ገጻት ኣሕዋቱ ክርኢ ጽቡቕ ይስምዖ ኣኣይነበረን። ንሱ እውን ሰብ ስለ ዝዀነስ ፍቕሪ የድልዮ እዩ። ዮሴፍ ግና ብሰንኪ ኣንጻር ሓጥያት ዝነበሮ ንጹር መርገጺ ነዚ ሕውነታዊ ቤተሰባዊ ፍቕሪ ከም ዝግባእ ኣየሰተማቖሮን። ዮሴፍ ግና ውሕስነት ህይወቱ ኣብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣብ ጉዑዞ ህይወቱ ኣይደኸመን።

ንሕና ኣብዛ ጸልማት ዝኸብባ ዓለም ንነብር ስለ ዘሎና። ብቕድስናን ንጽህናን ክንመላለስ እንከሎና ካብዛ ፍትሓዊት ዘይኰነት ዓለም ኣድልዎን ግፍዕን ክበጽሓና ናይ ግድን እዩ ። እንሓንሳብ ይግባኣና እኳ ክነሱ ብሰንኪ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት መሰልና ዝግፈፈሉ እዋን ብዙሕ አዩ፣ ብርግጽ እዚ ከቢድ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር በዚ ተሰናቢድና ስፍራና ክንሓድግ የብልናን።

ዮሴፍ ኣብ ቤቱ እቲ ዝግብኦ ኩሉ እናገበር እንከሎ እዩ ዝገብኦ ዘይረኸበ፣ ይኹን እምበር በዚ ሰንቢዱ ዕርፉ ኣይደርበየን። ሎሚ ንሕና ንገብሮ ዘበል ኩሉ ካብ ሰባት ናእዳን ክብርን ክንረክብ ዘይኰነስ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዓስቢ ንምርካብ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ቅዱስ ጹሑፍ እውን ክነግረና ከሎ እትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ግበርዎ እዩ ዝብል።

ኩቡራት መንእሰያት እዚ ሕጂ ብሰንኪ ኣብ ጐይታ ዘሎና ፍቕሪ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ክሳብ ካልኦት ዝበጽሓና ተነጽሎን ዘይፍትሓውነትን ውን ነቲ ኣብ ዝመጽእ እንረኽቦ ዓቢ ክብሪ ብፍጹም ከምዘይማዓራረዮ ፈሊጥና ወትሩ የዒንትና ናብቲ ከኣሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ንጠመት። ናይ ዮሴፍ ፈተና ተነጽሎ ጥራይ ኣይነበረን። ካብቶም ፈተውተይ ዝብሎም ኣሕወቱ ዓቢ ኽሕደት እዩ ገጢምዎ። ኣምላኽ ኢዱ እንተ ዘየኣቱ ኔሩ ድማ ንሞት እዮም ፈርዶሞ ኔሮም።

2ይ ክፋል ይቕጽል…..

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ።

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png 0 0 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2014-10-31 22:50:242014-10-31 22:50:24ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ??? Link to: ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ??? ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ??? Link to: ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ??? Link to: ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ??? ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???
Scroll to top Scroll to top Scroll to top