ጸግ ኣበሎ!!

ድሕሪ ኣዝዩ ዘፍርህ ግዕዞ ኣብ መሊጠ ትበሃል ደሴት በጽሑ። ጉዕዝኦም ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ ዝነበረ። ማዕበል እናገፍዖም፣ ተስፋ ምንባሮም ክሳዕ ዝቀብጹ ኣዝዩ ጸቢብዎም ነበረ። ማዕበል ስለ ዝበርትዖም ጉዕዛኦም ኩሉ ብስድነት ነበረ። እቲ ንፋስ ናብ ዝደለዮ ክወስዳ፣ ነታ መርከብ ንሓይሊ እቲ ንፋስ መጠውዋ። መርከቦም ብስዃን ትቃነ ኣይነበረትን። ንሓይሊ እቲ ንፋስ ንኽትቃወሞ ምንም ሓይሊ ኣይነበራን። ክበጽሕዎ ናብ ዝደለይዎ ኣንፈት ተምርሕ ኣይነበረትን። ጉዕዞ እዛ መርከብ፣ ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ ዝብል የዘክረካ። እቲ ማዕበል ኣብቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ይናወጽ ስለ ዝነበረ፣ ነታ መርከብ ናብዝን ናብትን ይደፍአ ነበረ። ሓንሳብ ከምዚ መሊሳ ድማ ከምቲ ትበል ነበረት። ከም ሰፍኢ ይብቁጻ ነበረ። ላዕሊ ጸኒሓውን ታሕቲ ትወርድ ነብረት። ዝቀደወ ኣካይዳ ኣይነበሮምን። ብቀትሪ ኰነ ብጸልማት ዕረፍቲ ኣይነበሮም።

ዝናብውን ይዘንብ ስለ ዝነበረ፣ ጸሓይ ከይረኣዩ መዓልታት ሓለፈ። ምንባር ትርጉም ክሳብ ዝስእኑ ኰኑ። ሎሚዶ ወይስ ጽባሕ እናበሉ መዓልቲ ሞቶም ተጸበዩ። ተስፋ ስለ ዝቀበጹ’ውን፣ መፈጸምታኦም ከቀላጥፉ ዝፈተኑ ኣይተሳእኑን ይዀኑ። ምድሓን ተስፋኦም ስለ ዝቀበጹ እንጌራ ንምብላዕ ሸውሃት ኣይነበሮምን። ብኸምዚ ህይወት ግዕዙኦም ኣዝዩ ዘጨንቅ ነበረ። ጳውሎስ ዝበሎም ሰሚዖም እንተዝዀኑ፣ እዚ ኹሉ ኣይምበጽሖም።ኣብዚ ውሽጢ እዚ ኩሉ ዕግርር ግና፣ ብኣምላኹ ተኣሚኑ ልቡ ዝጸንዐ ኣብ መንጉኦም ነበረ።

ብኣምላኹ ተኣሚኑ ስለ ዝነበረ፣ ልቡ ሃዲኡ ነበረ። ኩሉ እኳ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ እንተነበረ ጳውሎስ ግና ንጹር ዝዀነ መሪሕነት ነበሮ። ዝጠፍእ የለን፣ ናብ ሓደ ደሴት ግና ክንግፋዕ ኢና በሎም። ኩሉ ብምኽንያት ማዕበል ተናዊጹ እንጌራ ተሓሲሙ ከሎ፣ ጳውሎስ ግና እንጌራ ኣልዒሉ፣ ኣመስጊኑ በልዐ። ሓይሉ ኣብ ህድኣትን ምውካልን ዝገበረ ብሩኽን ቅዱስን  ናይ ኣምላኽ ሃዋርያን ኣገልጋልን  ልቡ ብኣምላኹ ጽኑዕ እዩ። ብውሽጡ ሰላም ስለ ዝነበሮ፣ ብወጻኢ ዝኸውን ዝነበረ ንናይ ውሽጡ ሰላም ክዝርጎ ኣይከኣለን።

ነቲ ኣብ ህድኣት ዝግለጽ ሓሳብ ኣምላኽ ክርድኦ ኣይተሸገረን። ኣምላኸይ ከምቲ ዝበለኒ ከምኡ ከም ዝገብሮ ይኣምኖ እየ ምስ በሎም፣ ገሊኣቶም ክሃድኡ ጀመሩ። ከምቲ ህጻን ኣብ ሑቅፊ ኣዲኡ ስቅ ዝብል፣ ከምኡ ነፍሲ ጳውሎስ ኣብ ውሽጡ ስቅ ኢላ ነበረት። ኣብ ኣምላኽ ስለ ዝተማሕጸነ፣ ብሰላም ተሓልዩ ይኸይድ ነበረ ። እቲ ሓለቃ ሚእቲ ድማ፣ ዋላ እኳ ብኣፉ ኣየውጽኣዮ፣ ብውሽጡ ግና፣ ብጽንዓትን ትብዓትን ጳውሎስ ተመሰጠ። ብሓቂ ኣምላኹ ፍሉይ እዩ በለ ብውሽጡ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዓቢ ምንዋጽ፣ ኣንፈት ዝፈልጥ ስለ ዝተረኽበ ዝተሓጎሱ ነይሮም እዮም። ሃዲኡ ዘህድእ፣ ንዝተደናገሩ ኣንፈት ዘፍልጥ። ብተስፋ ዝሃብተመ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ከባቢኡ ምዃን ዕርፍ የብለካ። ኣብ ከምዚ ኣንፈት ዝጠፍኦ ጉዕዞ፣ ካብ ኣምላኹ ኣንፍት ዝፈልጥ ክህሉ ትዕድልቲ እዩ። እዚ ድማ ናይዚ ዘለናዮ ዘመን የዘክረካ። ኣብዚ ኣንፈቱ ዝሰኣነ ወለዶ ኣንፈት ዝፈልጡ ኣቦታት ክህናትን ድያቆናትን  ክትረክብ ምኽኣል።

ኸምዚ ኰይኑ ብዙሕ ምስ ሓለፈ፣ ዝነበሮም ክቡር ኣቅሓ ድሕሪ ምጥፋእ፣ ናብ ዝድሕንሉ ደሴት በጽሑ። ብሓቂ ጥራስ ዘይጠፍኡ ከምቲ ነቢይ እግዚኣብሄር ኢሳይያስ ዝበሎ እግዚኣብሄር ገለ ዘርኢ እንተዘይሓድገልናስ ከ ም ሰዶም ምኾና ንጎሞራ ምመሰልና ዝበሎ ምሕረቱ ስለ ዝበዝሓሎም እዩ ነይሩ። ናብ ዝድሕንሉ ደሴት እኳ እንተበጽሑ፣ ህይወቶም ግና ዕረፍቲ ኣይነበሮምን። እቶም ደቂ ዓዲ ምስ ረኣይዎም፣ ደንገጽሎም። ስለቲ ዝበጽሖም መከራ፣ ነፍሶም ቓሕቲዋ ነበረት። ከይበልዑ ብዙሕ ግዜ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፣ ስጋኦም ማህሚኑን ሓሲኡን ይርአ ነበረ። ፍሽኽ ዝብል ኣይነበሮምን። ደመት ትርኢቶም ተደዊኑ፣ ውቃበ’ውን ካብኦም ሃዲሙ ነበረ። ወቅቱ ድማ ክረምቲ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ቆራሪ ነበረ። ማይ’ውን ብዘይምቁራጽ ይሃርም ነበረ። ኩሉ ተደማሚሩ ዳርጋ ኣልሚስዎም፣ ገለ ከም ዘይገብሩ ገበሮም። ክሳብ ዘደንግጹ ኰኑ። ስለዚ እቶም ደቂ ዓዲ ተቀላጢፎም ሓዊ ኣጎድሎም። ከምዚ ኰይኑ ዝረኣየ ጳውሎስ፣ ዝተወጽዑ ምሕጋዝ ልማዱ ስለ ዝዀነ፣ ቀሸም  ክእክብ ንግዳም ወጸ። ቀምሽ ክእክብ ከሎ ድማ ብምክንያት እቲ ረስኒ፣ ተመን ወጺኡ ኣብ ኢዱ ጠልጠል በለ። ነፍሲ ወከፍ ኣፉ ዝሃቦ ተዛረበ። ጳውሎስ ግና ነቲ ተመን “ጸግ” ኣቢሉ ዝጀመሮ ዕይኡ ቀጸለ። ከም ዮ ኣቦታትና ካህናት ኣብ ኣገልግሎቶም ፈተና ከጋጥሞም  እንከሎ ጸግ ኣቢሎም  ስርሖም ዝቅጽሎ ገበሮ።  ጳውሎስ ከም ኩሉ ሰብ ድኻም ነይርዎ እዩ። ንኽሉ ዝበጽሖ ድማ በጺሕዎ እዩ። ከም ኩሉ ሰብ ዝበልዖ መግቢ ሒደት እዩ ነይሩ። ብውሽጢ ኰነ ብወጻኢ ዝገጥሞ መከራ ነይሩ እዩ። የግዳስ ዕይኡ ዝተዋህቦ ሕድሪ ክፍጽምን እንተዘይ ኰይኑ ገዛእ ርእሱ ከም ክብርቲ ጌሩ ይቆጽራ ኣይነበረን።

ነቶም ሰባት ምስ ረኣዮም ከኣ፣ ኣብ ጉዕዞ ዝገጥሞም መከራን ግፍዕን ርእዩ ስለ ዝነበረ ውሽጡ ኣይገበረሉን። ንርእሰይ ይጥዓመኒ ኣይበለን። ነቲ ብማይን ብቁርን በሳሒታን ዝቀምሰለ ኣካላቶም ሓዊ ከም ዘድልዮም ርዱእ እዩ ነይሩ። እቶም ደቂ ዓዲውን እዚ ስለ ዝረኣዩ፣ ተቀላጢፎም ሓዊ ኣጎድሎም። ኩሎም ድማ ክበልዑ ዝተቀረቡ ክመስሉ፣ ነቲ ሓዊ ውትፍ ኢለምዎ ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ሓደ ነገር ኣስተውዓለ። እቲ ዝነድድ ዝነበረ ሓዊ ዕንጨይቲ እንተዘይተወሲኽዎ ክጠፍእ ምኻኑ፣ እቶም ብምቆት እቲ ሓዊ ህይወት ክዘርኡ ጀሚሮም ዘለው ጽጉማት ድማ ናብ ዝነበርዎ ሕሰም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ተረድአ።

ስለዚ ገና ማይ እናወቅዐ ከሎ ቀሸም ክእክብ ናብ ግዳም ወጸ። ንጳውሎስ ዝሓሸ ከም ኩሉ ሰብ ኰፍ ኢሉ ብረስኒ እቲ ሓዊ ክማሙቅን ክጥዕሞን እዩ። ግና ኣገልጋሊ ምኻን ዝሓቶ ዋጋ ተረዲኡ ስለ ዝነበረ፣ ኩሉ ንኽጥዕሞ ንሱ ዋጋ እንተኸፈለ ከም ክብረት ጌሩ ይወስዶ ነበረ። ብፍላይ ግና ብተስፋ ኣምላኽን እምነት መንፈስ ቅዱስን ውሽጡ ረሲኑ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ሒደት ይመስሎ ነበረ። ቀሸም ከም ዝወሰኸሉ መጠን ድማ እቲ ሓዊ ይነድድ ስለ ዝነበረ፣ ዳርጋ ኩሉ መከራኡ ክርስዕ ጀሚሩ ነበረ። ኣብዚ መንጎ እዚ ኹነት ግና ንኣቃልቦ ኩሉ ዝሰሓበ ትርኢት ኣጋጠመ። ተመን ኣብ ኢድ ጳውሎስ ጠልጠል በለ። ኣዝዩ ዘገርም ፍጻሜ እዩ። ምኽንያቱ ብግዜ ክረምቲ፣ ኣብ ግዜ ዝናምን ቁርን ኣትማን ኣብ ጎዳጉዶም ምስ ድቀሱ ብዙሕ ኣይነጥፉን እዮም። ደቂሶም እዮም ዘሕልፍዎ። እዚ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ በሉ። እዚ ዝተረግመ እዩ ድማ በልዎ። ዝደንገጸሉ ወይውን ነቲ ተመን ካብኡ ከልግስዎ ኣይተጓየዩን። ዝመስሎም ትንታነ ሃብዎ። ገሊኦም ቀታል ነፍሲ በልዎ። ብሓቂ ብኣምላኽ ዝተረግመ እዩ በሉ ከይፈርሁ። ብውሽጦም ሓመይዎ። ኣስማት ጠቅዕሉ። ከም ዚ ሎሚ ኣቦ ልዕሊ ኣቦታት ዝወርድ ዘሎ  ፈተና ኾኖ።

እዚ ኹሉ ዝዀነ ንዓታቶም መታን ክማሙቁ ውሽጦም ፍኒሕኒሕ መታን ክብል ዝረኸቦ ምኻኑ ረስዕዎ። ዘይተረድእዎ ነገር እንተነይሩ፣ እቲ ተመን፣ ብምኽንያት እቲ “ዋዒ፣ ሓዊ ዝፈጠሮ ሙቀት” ከም ዝወጸ እሞ ንጳውሎስ ከም ዝነኸሶ እዩ። ዋዒ ጥራይ እዩ ንተመን ንጡፍ ከም ዝኸውን ዝገብሮን፣ ነቶም ዝነጥፉ ድማ ከጥቅዕ ዘበራብሮን ዘተስኦን። ቁሪ ካሳብ ዝዀነ፣ ዝናብ ክሳዕ ዝዘነበ፣ ተመን ኣብ ስፍራኡ እዩ ዝድቅስ። ክነድድ፣ ሙቀት ክኸውን ምስ ጀመረ፣ ሽዑ ግዳይ ክረክብ ከም ዝኽእል ይፈልጥ’ዩ። ሙቀት ጥዑም እዩ። ሓደ ሓቂ ግና ኣሎ። ዕንጨይቲ እንተተወዲኡ ሓዊ ይጠፍእ እዩ። ስለዚ እቲ ሓንሳብ ምንዳድ ዝጀመረ ሓዊ፣ ምንዳዱ ክቅጽል ቀሸም ክውሰዀ ኣለዎ። እቲ ሓዊ ኩሉ ግዜ ክነድድ ኣለዎ። ኩሉ ግዜ ክነድድ ግና ዝሓቶ ዋጋ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ዝናብ ዝጠፍአ ሓዊ እንደገና መሊስካ ክትኣጉዶ ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ ብዘየገድስ ኩነታት ደገ፣ ቀሸም ዝውስኽ ክህሉ ኣለዎ። ፈጣሪውን’እንተዀነ፣ እቲ ሓዊ ኩሉ ግዜ ይንደድ ኣይጥፋእ ኢሉ አዩ።

ጋሻ ሓዊ ኣምላኽ ኣይፈቅድን’ዩ። እቲ ዝነድድ ዘሎ መሊሱ ከነድድ እምበር መታን ከይጠፍእ፣ ቀሸም የድልዮ። የውሃንስ መጥመቅ፣ እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ከጥምቀኩም እዩ በለ። እዚ ኣብ ብዓለ ሓምሳ ዝወረደ ናይ መንፈስ ሓዊ መሊሱ ከንድድን ክቀጻጸል ኣለዎ። ብምኽንያት እቲ ሓዊ፣ ዝሓስአት፣ ዝማህመነት፣ ዝቃሕተወት ነፍሲ መሊሳ ህይወት ስለ ትዘርእን’ ዩ። ስለዚ ዋጋ ዝኸፍል ክህሉ ኣለዎ። ፈጣሪ’ውን እንተዀነ እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፣ ኣይጥፋእ። እቲ ካህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕንጨይቲ የንድድ በለ። ግን ከኣ ሙቀት ህይወት ጥራይ ዘይኰነ ዝዘርእ፣ ተመን እውን ይስሕብ እዩ። ተመን ሕሱምን ብተንኰል ዝተመልአን እዩ። ምስ ሰብ ንዘልኣለም ዝቆመ ጽልኢ ኣለዎ። ናይ ሰብ ጽቡቅ ኣይደልን እዩ። ንሓሳብ ኣምላኽ ዝነብር እሞ ኸኣ ደቂስሉ ኣይሓድርን እዩ። ንእከዩ ኩሉ ግዜ ውዲት ይኣልም። ሕንዙ ኩሉ ግዜ ዝተዋደደ እዩ። ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበሮ ድማ እዚ እዩ ነይሩ።

ንሓሶት ኣቡኣ ስለ ዝዀነን ብዘይካ ክሓርድን ክቀትልን ከጥፍእ እምበር ንኻልእ ስለ ዘይመጽእ፣ ናይ ሓሶት መርዙ ጌሩ ንሓሳባቶም ኣበላሸወ። ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ግና ከምዚ ክብል ነቶም ናቱ ተስፋ ሃቦም፣ “ዝቀትል ሕንዚ እኳ እንተሰተኹም ኣይክጎድኣኩን እዩ”። ኣብ ካልእ’ውን “ልዕሊ ተመንን ዕንቅርብዒትን፣ ልዕሊ ሓይሊ ጸላእን ክትከዱ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ” በለ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ ተስፋ ናቱ ስለ ዝነበረ፣ መርዚ እቲ ተመን ምንም ኣይጎድኦን። ኣብቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ግና ሰሪሑ እዩ። ዝፈለጥዎ ነገር ዘየለ ክነሶም፣ ብዛዕባ ጳውሎስ ብዙሕ ተዛሪቦም። ፈረድዎ፣ ብኩርማጅ ቃላት ከናፍሮም ገረፍዎ። ኣስሉኽ ኣቢሉ መርዚ ሓሶት ብምእታው ንሓሳቦም ስለ ዘበላሸዎ፣ ነቲ ከገልግሎም ኢሉ ብዙሕ ዝጽዕር ዝነበረ ኣሳጢሖም ንውርደት ሃብዎ። መጋብሮ ጸላኢ ኰኑ። ካብ ምኽሪ ጸላኢ መታን ክሕሎ ኢሎምሲ ንሓሳባቶም ቁራዕ ርእሲ ኣይገበሩን። ካልእ ተተረፈ ነቲ ምእንትኦም ኢሉ ብዙሕ ዝጽዓረ፣ ክሕግዝዎ፣ ኣብ ግዜ ጸገሙ ክረድእዎ ምተገብአ። ንሳቶም ግና ክንደይ ከም ዝጸዓረን ኣምላኽ ብእኡ ከም ዝተጠቀመን ረስዕዎ።

እንተ ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ምንም ኣይመሰሎን። ኣይተሰናበደን። ኣይጃጀወን። ኣብ ክንዲ ጽቡቅ ዝገበርኩ ኢዚ’ዶ ምስ ተፈደኹ ኣይበለን። ክንዲ ዝደንገጽኩ እሞ ዝተጋህኩ እዚ ክወርደኒ ኢሉ ኣየጉረምረመን። ኣይተመረረን። ዝቀትል ሕንዚ እኳ እንተነኸሰኹም ኣይኩጎድኣኩምን እዩ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል ብደምቢ ይርድኦ ነበረ። እቲ ዝዀነ ካብ ስራሕ ከታርፎ፣ ኣቃልቦ ክሰርቅ ዝመጸ ተግባር ምኻኑ ኣይሰሓቶን ኣይተዓዘመን።

ነቲ ኣብ ኢዱ ጠልጠል ዝበለ ደኣ “ጸግ” ኣበሎ። ካብ ዕዮ ድማ ኣይተባዀረን። ንሰባት ከእምን ምሳታቶም ክታረኽ ግዜ ኣየሕለፈን። ሰባት ብዛዕብኡ ዘለዎም ርእይቶን ኣመለኻኽታን፣ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መንፈሳዊ ዕዮ ኣየባዀሮን። ኣብ ክንዲ ዘዀለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ኣይበለን። ልቡ ብዘረባ እቶም ሰባት ኣይተዘብሐን። ሰላሙን ጻዓቱን ኣይተዘረገን። ሰባት ዝዀነ ኢሎም እንተጠቀንዎ፣ ንሽሙ ብኽፉእ እንተ ኣልዓልዎ፣ ፋዕራኦም ኣይገበረን። ኹሉ ምስ ግዜ ከም ዝርድኦ ኣይተጠራጠረን። ኣምላኽ ምስኡ ምኻኑ ኣጸቢቁ ተሰዊጥዎ ነበረ። ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ከም ዝዓቢ ተገልጽሉ እዩ። ስለዚ ከኣ  እምነት ኣየጎደለን። ዋላ እኳ እቶም ሰባት እንታይ ከም ዝኸውን ንኽርእዩ ይጽበዩ እንተነበሩ፣ ንሱ ግና ግዶም ኣይገበረን። ንዕኡ እንተ ብጽቡቅ ወረ ወይስ ሕማቅ ወረ፣ ነቲ ዝተዋህቦ ሕድሪ ኣብ መጨረሽታ ከብጽሕ፣ ንብዙሓት ድማ ኣብ ግዜ ጸገማ ክበጽሕ እዩ። ኣገልጋሊ ምኻን ዝሓቶ ዋጋ ተረዲኡ ነበረ። ሰይጣን ደቂስሉ ከም ዘይሓድር ኣይዘንግዖን። ስለዚ ቅልሱ ምስ ደምን ስጋን ኣይገበረን። ዋላ እኳ ብስጋ እንተዀነ፣ ከም ስጋ ኣይተዋግአን። ኣጽዋር ውግኡ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብርቱዕ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከይናወጽ ኣብ ርእሱ ቁራዕ ርእሲ ማለት ምርዳእ ሓሳብ ኣምላኽ ነበሮ።

ሕንዚ እቲ ተመን ክጎድኦ ኣየፍቀደን። ነቲ ካብ ዕዮ ከታርፎ ኢሉ ዝመጸ ተግባር፣ ኣብ ሓሳቡ ኣየቋጸሮን። “ጸግ” ደኣ ኣበሎ። በቲ ዘፍቅሮ ካብ ሰዓርቲ ኣጸቢቁ ከም ዝበልጽ ይፈልጥ ሰለ ዝነበረ፣ ስዒሩ ሓሊፉ። እዚ ድማ ጸጋ እዩ። ስለዚ እምበኣር ነቲ ከም ተመን ዝጥምጠመና  ፈተና ፡ ጸግ ነብሎ ። ኣብ ናይ ሂወትና ወደብ ንክጥምጠም ኣይንፍቀደሉ ፡ ኣብቲ ጽዋዕ ድሕነትና ከም ሓረግ ክጥምጠመና ድል ኣይነሃቦ ከምቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ደኣ ጸግ ነብሎ ። ነዚ ንኽንገብር ጸጋ ናይ ኣምላኽ  ሕብረት ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍቅሪ ናይ ወልድ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ኣይፈለየና ።

ስብሃት ለእግዚኣብሄር  ቺያነ ዘፈጠረ  ።

ዲ፣ ፋኑኤል