መንገድኻ ብልቦና መርምሮ!!!

“እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፦ እስከ ብልብኹም መንገድኹም  ሕሰቡ” (ሓጌ 1᎓5) ቃል እግዚኣብሔር ልብና ኣብ መንገድና ክንገብር ይእዝዘና። በየናይ መንገዲ ንጓዓዝ ከምዘለና ክንሓስብ ይግባእ። እቲ ክንጓዓዘሉ መሪጽናዮ ዘለና መንገዲ ናበይ ከምዘብጽሓና ፈሊና እንተዘይፈሊጥናዮ ጉዕዞና ንኸንቱ እዩ ዝኸውን። ኣብ ምድሪ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለዉ፤ እንተኾነ ግን ኩላቶም ናብቲ ዝሓሰብናዮ ቦታ የብጽሑና እዮም ማለት ኣይኮነን ። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ መንገዲ መሪጽና ምጉዓዝን  መንገድና ብልቢ ምምርማርን   ፈጺሙ ኣገዳሲ እዩ። 

ሰባት ብምድራዊ መጓዓዝያ ማለት ብኣውቶቡስ᎓ ብመኪና᎓ ብባቡር ከምኡ እውን ኣብ ነፋሪት ተሰቂሎም ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ይጓዓዙ፤ ናበይን መኣስን ከምዝበጽሑ ድማ ብልክዕ ይፈልጡ እዮም። ካብኡ ሓሊፎም’ውን   ብዙሕ መንገድታት ይሕንጽጹን ፕላን የውጹን። እቲ ዝገርም ግን  መብዛሕትኦም ናይ ህይወት ጉዕዞኦም ናበይ ምኻኑ ኣይፈልጡን እዮም። እታ ተሰቒሎም ዝጎዓዙላ ግእዝቲ ነገር ንስግኦም ተሰኪማ ካብዚ ናብቲ ተመላልሶም  ናብቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘውህብ መንገዲ፤ ናብቲ ሰማያዊ ዝኾነ ጉዕዞ ግን ከተብጽሖም ኣይትኽእልን  እያ።

እሞ’ኸ ድኣ ንስኻ’ኸ ናበይ ኢኻ ትጓዓዝ ዘለኻ᎒ ናብራኻ ከመይ ይመስል᎒ ንስኻ’ኸ ንመን ትመስል᎒ ነዚ ኹሉ ንኻልኢት’ውን ትኹን  ደው ኢልካ ዶ ብልብኻ መርሚርካዮ ትፈልጥ᎒! ትጓዓዘሉ ዘለኻ መንገዲ ፈሊኻ ዘይትፈልጦ እንተኾይንካ ሎሚ መርምሮ። ኣብ ግዜና  ብዙሓት ሰባት እቲ ቁኑዕ ዝኾነ መንገዲ ፈሊጥናዮ ኣለና እናበሉ ብዝተፈላለየ መንገድታት ይጓዓዙ ኣለዉ። ይኹን እምበር እታ ዝጓዓዙላ ዘለዉ መንገዲ ኣንፈታ ከምዝሰሓተት መርከብ ብብርቱዕ ማዕበል እንዳተጸፍዐት ዕንክሊል ክትብል ትርኣ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ዋይ ዋይታን ጫው ጫውን ኣሎ።

ልብኻ ኣብ መንገድኻ ግበሮ!

ጠባራይን መሻረውን ኣይትኹን። ትዕቢትን ቁጠዐን ንነፍስኻ ክቆጻጸሮ ንገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ንሓጢኣት ኣይትሃቦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ወዱ ንዝኾነ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈሉ  መልእኽቲ “ ኣብተን  ዳሕሮት መዓልትታት ግና ኽፉእ ግዜ  ከምዝመጽእ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ሃይማኖት ዘይብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ከዳዓት: ህዉኻት ኪኾኑ እዮም….…“2ይጢሞ. 3᎓1” እንዳበለ ድሕሪ ምግላጹ ንሱ ግና ካብኡ ክርሕቕ ከምዘለዎ የዘኻኽሮ። ክቡር ንባቢ ንስኻ ‘ውን  ካብቶም  ዝዘርዘሮም ኩሎም ናይ ጥፈኣት መንገድታት ረሓቕ። በዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ናይ ጥፈኣት መንገድታት ትጎዓዝ እንተሃሊኻ ንልቦናኻ ፈትሾ እሞ በቲ ቅኑዕ ዝኾነ ክርስትያናዊ መንገዲ ተጎዓዝ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኹሉ ኢሉ ምስ ኣብቀዐ ኣብ ቁጽሪ 10 ድማ ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ግና ትምህርተይ: ኣነባብራይ: ዕላማይ: እምነተይ: ትዕግስተይ: ፍቕረይ: ጽንዓተይ: ስደተይ: መከራይ…. ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ። “በቲ ዝተመሃርካዮ ነገር ጽናዕ” እንዳበለ ነቲ ናቱ ክርስቲያናዊ መንገዲ ኣብነት ጌሩ ንኽጓዓዝ ክዛረቦ እንኮሎ ንዕዘብ። ሕጂ ድማ ነዓኻ ቃል ኣምላኽ ልብኻ ኣብ መንገድኻ ግበሮ ይብለካ ኣሎ።

ንመንገድኻ ብጥበብ መርምሮ!

ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ወደየ ጥበብን ፍልጠትን ተጠንቂቕካ ሓዘን። ነዚአን ካባኻ ኣይትፍለየን። ንሳተን ሕይወት ክህባኻ እየን፤ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ክኾናኻ እየን። ሽዑ ሃዲእካ መንገድኻ ኽትከይድ፥ እግርኻ እውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ” (ምሳ. 3᎓21-23)። ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርካ ሰብ ስለ ዝኾንካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነቲ ጽቡቕ ካብቲ ሕማቕ ፈሊኻ ትፈልጠሉ ኣእምሮ ሂቡካ ኣሎ።

ምስ እግዚኣብሔር ዘመሳስለካ እምበኣር እዚ ናይ ምስትውዓል ኣእምሮኻ እዩ። ምስ እግዚኣብሄር የመሳስለካ ክበሃል እንከሎ ግን ብኸመይ መገዲ እዩ᎒ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣነ ንኽርስቶስ ከምዝመስል ንስኻትኩም ድማ ነዓይ ምሰሉ” ኢዩ ዝበለ። ስለዚ ንእግዚኣብሔር መሲልካ ምፍጣር ወይ ድማ ውሉድ እግዚኣብሔር ምኳን ማለት በቲ እግዚኣብሔር ዝደልዮ መንገዲ ምኻድ ማለት እዩ። ኣታ ፈላጥ እየ በሃሊ  መንገድታትካ ግን ምስ መንገዲ እግዚኣብሔር ሓቢረን ዘይጓዓዛ እንተኾይነን  እቲ እግዚኣብሔር ዝሃበካ ምስሊ ኣጥፊእካዮ ኢኻ እሞ ንመንገድኻ ብጥበብ መርምሮ።

ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕርፍ ሓሙሽተ ጥቕልል ብዝበለ መንገዲ “ንዝጸልኡና ክንፈቱ፥ ንዝረግሙና ክንምርቕ፥ ስለቶም ዘሳጉጉናን ዝጸርፉናን ክንጽሊ፥ ንዘቐየሙና ይቕረ ክንብል ፈቃራት ክንከውን” ይምዕደናን የስተምህረናን። ኣብ (ገላ. 5᎓13) “ኣሕዋተየ ንስኻትኩም ሓራ ክትኮኑ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፤ እንተኾነ ንሓድሕድኩም ደኣ ብፍቕሪ ተገዝኡ እንበር እዚ ሓርነትኩምሲ ንምኽንያት ሓጢኣት ኣይትግበርዎ። ከመይ ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ንሓድሕድኩም እንተተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ”።

ስለዚ ንስኻ ድማ መንገድታትካ ኩሉ ብጥበብን ብምስትውዓልን ዝተመልአ ግበሮ። ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞኻ ሓጋዚ ክኾነካ ድማ ኣሰር እቶም ብቃል ኣምላኽን ብመንፈስ ኣምላኽን ዝተጓዕዙ ሓርበኛታት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ሰዓብ፤ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣንብብ፤ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገርኹም መራሕትኹም ዘክርዎም መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም ኣስር እምነቶም ሰዓቡ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎምን ትማልን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ። በቲ ነቶም ዝሰዓብዎ ሓንቲ ዘይጠቐሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ: ልብኹም ብጸጋ እንተጸንዐ ሰናይ እዩ” (ዕብ. 13᎓7-9)።መንገድኻ ካብ ዕብዳን: ስኽራን: ትዕቢት: ጭካነ: ሓሜት: ፍታው ገንዘብ: መን ከማይ ምባል: ጃህራ ዝኣመሰሉ ነገራት ዝረሓቐ ይኹን። ከምቲ ኣብ ገላትያ ተጻሒፉ ንረኽቦ ብመንፈስ እንተተመሪሕካ ትምኒት ሥጋ ኣይትፍጽምን ኢካ እሞ ምምልላስካ ብመንፈስን ብምስትውዓልን ይኹን (ገላ.5᎓16)።

እግዚኣብሔር መንገድና ክንምርምር ጥበቡ ይለኣኸልና።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር!!!

{flike}