ሓበሬታ

ሓደ ኣካል እንተተሳቐየ ኩሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ!!! (1ቆሮ 12: 27)

ብስም ኣብን ወልድን መፈስቅዱስን  ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።

ቀጺልና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተበገሱ  ኤርትራውያ ዝሓዘት መርከብ ብምጥሓላ ልዕሊ 155 ዝበጽሑ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክብርቲ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን  ካልኦት ካብኣቶም ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ዝሓዘት መርከብ እውን ደሃይ ከምዘይብላን ኩልና ንሰምዖ ዘለና ሓቂ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ጸሓይ ሰረቐ ዘጋጥም ዘሎ ህልቂት ክንደይ ስድራቤታት ይዝኽትማን  ብዙሓት ወለዲ ኣላዪ ዘይብሎም ብሓዘን ተኾርምዮም ይተርፉ ከምዘለዉን ንኹልና ብሩህ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ ንመከራና ገደብ ክገብረሉ: ነቶም ዝሞቱ  ዕረፍቲ ነብሲ ክህቦም ንቤተሰቦም ድማ መጸናንዒ መንፈስ ምእንቲ ክሰደሎም ኩልና ሓቢርና ንኣምላኽ ክንልምኖ መንፈሳውን ሞራላውን ግዴታ ኣሎና::

በዚ መሰረት ኣብ ኩለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ  ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ስለ እቶም ዝሞቱ ጸሎተ ፍትሓት: ከምኡ  ካኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ ዒራቅ ኣብ ልዕሊ ብእምነት ኣሕዋትናን ኣብታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና ተስፋ መኻፍልትናን  ዝኾኑ ክርስቲያን ዘጋጥም ዘሎ መከራን ሞትን ኣምላኽ ካብቲ ወሪድዎም ዘሎ ጸበባ ከናግፎምን ክረድኦምን ንዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 17/08/2014  ጸሎት ክካየድ ስለ ዝኾነ ተሳተፍቲ ክትኮኑ ነተሓሳስብ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምድዋል ተወከሱ።

ብደሓን ምጹ

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

11 ነሓሰ 2014።

{flike}