ኣብ ስቶክሆልም ኩነታት ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ዝርኢ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

stockholm-rallyበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን ።

ትማሊ ሰንበት ዕለት 09/08/2014 ካብ 6000 ክሳብ 10000 ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ። እቲ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን  ሶርያን ዝተፈላለያ ስቪካውያን ማሕበራትን ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብIsis ዝተባህሉ እስላማውያን  ኣብ ኢራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለትን ስደትን ዝቐንዐ እዩ ኔሩ። እቶም ሰልፈኛታት እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ  ዘይንቡር ተርእዮ ብህጹጽ ደው ክብል ማህበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ሽወደናውያንን ሕብረት ኤውሮጳን ካኣ ብፍላይ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ተማሕጺኖም።

ዝተፍላለያ ማዕከናት ዜና ሽወደን ከምዝሓበራኦ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሓት ናይ ሽወደን መራሕቲ ፓርትታትን  ናይ ሕብረት ኤውሮጳ  ምኒስተርን ተረኺቦም ኔሮም።
ከም ዝፍለጥ Isis ዝተባህለ እስላማዊ ጥርኑፍ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ኢራቓውያንን ሶርያውያንን ክርስቲያን  ክልተ ምርጫ ማለት ወይ ናብ ምስልምና ቀይሩ ወይ ቀረጽ እንዳከፈልኩም ንበሩ ብምባል ከዘዋጠርዎምን  ህጻናት ዝርከብዎም  ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉን ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ክዛረባሉ ጸኒሓ ኣለዋ።

ካብዚ ብምብጋስ ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ነቲ ሓደገኛ ኩነት ብትሪ እናኾነና ከም መግለጺ ደገፍ እቶም ውጹዓት እመንቲ ክርስትና ንሰንበት ዕለት 11 ነሓሴ 2006 ብግእዝ ወይ ድማ 17 augusti 2014 ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከካይዳ እየን።
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን።

{flike}