ክፉእ ወሬ (1ይ ክፋል)

ክርስትያን ዘረባኡ ብጸጋ ዝመልአ ብጨው ዝተቋመመ ንሰማዕቱ ባህ ዘብልን ንበረኸት ዝኸውን አዩ ክኸውን ዝግብኦ።
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን ንምህናጽውን ዘድሊ ሠናይ ዘበለ ዘረባ ድአ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ
ኣፍኩም ኣይውጻእ ከምዝበለ (ኤፌ. 4:29)።
ክፉእ ወሬ ናይዚ ኣንጻር ኮይኑ ሽም ሰብ ዘጥፍእ፣ኣእምሮ ዘጨንቕ፣ ተባህለ ተገብረ  አንዳበልካ ዝውረ ኣብ ክርስቲያናት ክፍጸም ዘይግበኦ ነውሪ እዩ። ክፉእ ወሬ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ዘስዕብ ሓደገኛ ስነ ምግባር እዩ። ገለ ካብኣቶም ንክፉእ ወሬ ዘተባብዑ ነገራት  ሒዝና ቀሪብና ኣሎና።

1.ተስፋ ዘቑርጽ ክፉእ ወሬ

ተስፋ ኣብ ልዕሊ እምነት ዝቖመ ናይ ፍቕሪ ዓንዲ እዩ። ብተስፋ ዘይትጽበዮ ዘመናትን ዘይትጓዓዞ መንገድን የሎን።ሰይጣን ብተስፋ ከምዝሰዓር ከረድእ ከሎ ነቢዩ ሚክያስ “ኣቲ ጸላኢተይ (ሰይጣን) እንተወደቕኩ ክትንስእ እየ፣ኣብ ጸልማት እንተተቐመጥኩ’ውን እግዚኣብሔር ብርሃነይ እዩ’ሞ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ” ይብል (ሚክ 7:8)።ብኣንጻሩ ሰይጣን ንሰብ ዝስዕሮ ብቀቢጸ ተስፋ ምዃኑ ኣበው ክገልጹ ከለዉ ሰብ ኣብ ትሕተይ ከምዝወድቕ ዝተኣማመን ተስፋ ምቑራጽ ክጅምር ከሎ እየ ይብል ሰይጣን ይብሉ።

 ክፉእ ወሬ ዘይከውን ክኸውንዩ ዘይመጽእ ክመጽእ እዩ፣ዘይተባህለ ተባሂሉ፣ንዝተባህለ ኣጋኒንካ ብምውራይ ንሰባት ኣብ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ምብጻሕ ማለት እዩ።ነዚ ትምህርቲ ዝኾነና ታሪኽ እስራኤላውያን እዩ። ኣብ ግብጺ ብመሪርን ኣስካሕካሕን መግዛእቲ ክግዝኡ ድሕሪ ምጽናሕ እግዚኣብሔር ብኢድ ነቢይ ሙሴ ገይሩ ኣውጽኦም ፣ካብ ግብጺ ዝወጹ ምድሪ ከንኣን ንምእታው እዩ ነይሩ፣ ስለ ናይ ከንኣን እንታይነት ብወሬ ስለ ዝፈልጥዎ ንምእታዋ ዓቢይ ህንጡይነት እዩ ነይርዎም።

ይኹን እምበር ስግኣት ናይ ጸላእቶም ስለ ዝነበሮም ነቢይ ሙሴ ሰልዮም ዝመጽኡ 12 ሰባት መሪጹ ሰደደ። እስራኤላውያን ጽብቕቲ እያ ፣ክንኣትዋ ኢና ፣ንጸላትና ብሓይሊ እቲ ካብ ግብጺ ዘውጽኣና ክንስዕሮም ኢና ክብልዎም እንዳተጸበዩ፣ ንኣእምሮ ኣዘንቢሉ ልቢ ደፊኑ ነብራኽ ወለል ዘብል ክፉእ ወሬ ኣውረዩሎም ፣ብጀካ ኢያሱን ካሌብን እቶም 10 ሰልዮም ዝመጹ ሓንቲ ቃል ኮይኖም እታ ምድሪ ጽብቕቲ ምዃና እንተኾነ ግና እቶም ጸላእቶም ሓያላት ምዃኖም ብጭራሽ ክኣትውዋ ከምዘይክእሉ ገይሮም ኣውረይሎም ነዚ ብምስምዖም ተስፋኦም ዝበነነ እስራኤላውያን “መራሕቲ መሪጽና ናብ ግብጺ ንመለስ”ናብ ዝብል ውሳኔ በጽሑ።ተመልከቱ እሞ እዚ ውሳኔ እዚ ካብ ልቦም ዝወሰንዎ’ዶ  ይመስለኩም !!!

ንፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ባሕሪ ኣስጢምም ግብጺ እንተኣተውስ ግብጻውያን ተቐቢሎም ስቕ’ዶ ምበልዎም ፣ነዚ ኣብ ግምት ኣየእተውዎን ፣ስለምንታይ ፣ብሓቂ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ሕይወት ይመርሑ ስለ ዝነበሩ ድዮም ነዚ ውሳኔ እዚ ዝወሰኑ᎒ ኣይፋሉን እቲ ሓቂ ተስፉ ምቑራጽ ክሳብ ክንደይ ሓደኛ ምዃኑን፣ ንትወስዶ ስጉምቲ እኳ ክሳብ ዘይትፈልጥ ዝገብር ምዃኑ እዩ ዘገንዝበና (ዘሁ. 12:14) ነዚ ኩሉ ዘምጸኦ ኩፉእ ወረ እዩ።

ብዛዕባ  ጭንቂ፣ ክፉእ ኩነታት ጥራሕ ከውርዩ ሕሊናኦም ዘይስከፉ ብዙሓት እዮም። ተራእዩኒ ኣሕሊሙኒ እንዳበሉ ልቢ ምእመናን ዘደናግጹ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ክርስቲያን ግና ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ተስፋ  ዝህብ ፣ሽሕ እኳ ክፉእ እንተተሰምዐ መዓልቲ ትወልዶ ስለ ዘይፍለጥ ኣጆኻ/ኺ ጽናዕ ተስፋ ግበር ዝብል እዩ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ነቶም ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣርኪቦምና ኢሎም ዓለም ብገፉሓ ዝጸበበቶም እስራኤላውያን ኣይትፍርሁ ደው በሉ እቲ ምድሓን እግዚኣብሔር ሎሚ ርኣዩ ። ኢሉ ድኣ ኣጸናንዖም እምበር ምስኦም ኮይኑ ንተስፋኦም ኣየጸልመተሎምን  (ዘሁ. 14:13)።

ሓደ ሓቀኛ  ክርስቲያን ኣይኮነን’ዶ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ወሬ ንምውራይ ክህወኽስ ክፍጸም’ዩ ተባሂሉ ንዝተረጋገጸ እውን ኣፉ ዝሃቦ ንምውራይ ኣይህወኽን እዩ።”ንምዝራብ ደንጐይቲ ኩኑ” ከም ዝበለ (ያዕ 1:20) እግዚኣብሔር ንነቢዪ ሳሙኤል ብዛዕባ ኣብ ኤሊን ደቁን እስራኤላውያንን ዝወርድ መቕዘፍቲ ሕሹኽ ኢሉ ምስ ነገሮ ነቢዩ ሳሙኤል ንኤሊ ንኸውርየሉ ኣይተሃወኽን፣ ሽሕ እኳ ምፍጻሙ ዘይተርፎ እንተነበረ ንኤሊ ክሳብ ክንደይ ከምዘሰንብዶ ስለ ዝፈለጠ ስቕድኣ በለ “ሳሙኤል እቲ ራእይ ንኤሊ ከይነግሮ ፈርሐ”ከምዝበለ (1ይ ሳሙ 3:15 ) እንተኾነ ግና ኤሊ ኣገዲዱ ፣ክረገመካ እየ ስለ ዝበሎ ቀስ ኢሉ ተረጋጊኡ ሓደ ብሓደ ነገሮ። ክርስቲያን ናይዚ ባህርይ ክለብስ ይግበኦ። ምናልባት ክንገር ዝገበኦ’ውን እንተኾነ ኩነታት ናይቲ እትነግሮ ኣጽኒዕካ  ቀስ ኢልካ ተዳሊኻ ክኽውን ይግባእ። እምበኣር ክፉእ ወረ ክሳዕ ክንድዚ ሓደኛ ምዃኑ ተገንዚብና ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

ይቕጽል……….

ምንጪ መጺሔት ቤተልሔም  ሕታም  1998

{flike}