እቲ ሕያዋይ ጓሳ

 

               

 

ዕላማ᎓

ከምቲ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረንን ዝሕልወንን ኢየሱስ ድማ ንዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና።

 

መዘካከሪ ጥቕሲ᎓

“ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ” ዮሃ. 10᎓11

 

መወከሲ᎓

ሉቃስ 15᎓3-7

 

መእተዊ᎓

ካባኻትኩም መን ኣሎ ድሚጺ ኣባጊዕ ሰሚዑ ዝፈልጥ? ሓደ ጓሳ ወይ ድማ ሓላው ኣባጊዕ እንታይ ከምዝገብር መን ኣሎ ዝነግረኒ? ሓደ ጓሳ ኣባጊዑ መታን ክበልዓ ሒዝወን ናብ ልሙዕ ሳዕሪ ይወስደን፥ ማይ ከይጸምኣ ድማ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ ወሲዱ የስቲየን። እንስሳ ከይበልዐን ኮነ ኣብ ጸድፊ ጸዲፈን ከይሞታ እውን ይሕልወን። ስለዚ እዚ ከምዚ ጌሩ ንኣባጊዑ ዝንከባኸበን ጓሳ ነባጊዑ ዘፍቅረን ዶ ወላስ ዘየፍቅረን ይመስለኩም? እወ! ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረን። እንበኣር ሎሚ ምዓልቲ ብዛዕባ ሓደ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረን ጓሳ ክንመሃር ኢና።

 

ትምህርቲ᎓

ሓደ እዋን 100 ኣባጊዕ ዝነበረኦ ጓሳ ነበረ። ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ምሸት ምሸት ነባጊዑ ኩለን ምህላወን ከረጋግጽ ኢሉ ይቖጽረን ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ ምሸት ከምቲ ኣመሉ ክቖጽረን እንኮሎ ሓንቲ በጊዕ ኣይነበረትን። ተጋጊዩ ከይከውን ከም ብሓድሽ ደጋጊሙ ቆጸረን። እንተኾነ ግን ሓንቲ ካብተን ኣባጊዕ ኣይነበረትን። እቲ ካብ ኩሎም ዝነኣሰ በጊዕ ሽሙ ቶቶ ኣቡኡ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ጓሳ ኣዚዩ ሓዘነ እቲ ጠፊኡ ዘሎ በጊዕ ሽግር ከይረኽቦ ኣዚዩ ድማ ሰግኣ /ተጨነቐ/ ከምዚ ድማ ገበረ፦ ነተን 99 ኣባጊዕ ገዲፉ ነቲ ጠፊኡ ዘሎ ንእሽተይ በጊዕ ክደሊ ከደ። ኣብ ፈቆዶ ጎቦታትን ሽንጪሮታትን᎓ ብድሕሪ ኣግራብን ኣጻድፍን ድማ ክደሊዮ ጀመረ። ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ብሽሙ ዓው ኢሉ ይጽውዖ ነበረ። ቶቶ….ቶቶ…..ቶቶ…..ትሰምዓኒ ኣለኻ ዶ? እንዳበለ ተጻውዐ ብሩሑቕ ሓደ ድምጺ በዕዕዕዕዕ…. በዕዕዕዕ…. ዝብል ዝሰምዕ። እወ! እዚ ናቱ ናይ ቶቶ ድምጺ እዩ። ሽዑ እቲ ጓሳ እንዳጎየየ ናብቲ በጊዕ ከይዱ ብፍቕሪ ሓቖፎ። ቶቶ ድማ ኣዚዩ ተሓጊሱ ንሓላዊኡ ብምርካቡ። ምኽንያቱ ስለ ዝጠፍኣ ኣዚዩ ሰንቢዱን ፈሪሑን ነበረ። ሽዑ እቲ ጓሳ ንቶቶ ኣብ ክሳዱ ሓንጊ ናብተን ዝገደፈንን 99 ኣባጊዕ ሒዝዎ ከደ። እቲ ጓሳ ኩለን 100 ኣባጊዑ ብሓንሳብ ስለዝረኸበን ኣዚዩ ተሓጎሰ።

 

መደምደምታ᎓

ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ናትና ሕያዋይ ጓሳና እዩ። ንሕና ድማ ናቱ ነኣሽቱ ኣባጊዕ ኢና። ኢየሱስ (ነተን ናቱ ኣባጊዕ) ነዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና። ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቑኡ ክንከውን ይደሊ። ኣብ ጥቓ ናትና ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ክንከውን እንድሕሪ ደሊና᎓ ኩሉ ግዜ ከየቋረጽና ንጸሊ ምስኡ ንዘራረብ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ክንሰምዕን ክንእዘዝን ይግበኣና። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ነቲ ዝጠፍአ ሰብ ናብኡ መሊሱ ከምጽኦ ይደሊዮ እዩ። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ነዓና ነቂሑ እዩ ዝሕልወና።

 

ክብሪ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ይኹን ኣሜን።