Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

እቲ ሕያዋይ ጓሳ

 

               

 

ዕላማ᎓

ከምቲ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረንን ዝሕልወንን ኢየሱስ ድማ ንዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና።

 

መዘካከሪ ጥቕሲ᎓

“ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ” ዮሃ. 10᎓11

 

መወከሲ᎓

ሉቃስ 15᎓3-7

 

መእተዊ᎓

ካባኻትኩም መን ኣሎ ድሚጺ ኣባጊዕ ሰሚዑ ዝፈልጥ? ሓደ ጓሳ ወይ ድማ ሓላው ኣባጊዕ እንታይ ከምዝገብር መን ኣሎ ዝነግረኒ? ሓደ ጓሳ ኣባጊዑ መታን ክበልዓ ሒዝወን ናብ ልሙዕ ሳዕሪ ይወስደን፥ ማይ ከይጸምኣ ድማ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ ወሲዱ የስቲየን። እንስሳ ከይበልዐን ኮነ ኣብ ጸድፊ ጸዲፈን ከይሞታ እውን ይሕልወን። ስለዚ እዚ ከምዚ ጌሩ ንኣባጊዑ ዝንከባኸበን ጓሳ ነባጊዑ ዘፍቅረን ዶ ወላስ ዘየፍቅረን ይመስለኩም? እወ! ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረን። እንበኣር ሎሚ ምዓልቲ ብዛዕባ ሓደ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረን ጓሳ ክንመሃር ኢና።

 

ትምህርቲ᎓

ሓደ እዋን 100 ኣባጊዕ ዝነበረኦ ጓሳ ነበረ። ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ምሸት ምሸት ነባጊዑ ኩለን ምህላወን ከረጋግጽ ኢሉ ይቖጽረን ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ ምሸት ከምቲ ኣመሉ ክቖጽረን እንኮሎ ሓንቲ በጊዕ ኣይነበረትን። ተጋጊዩ ከይከውን ከም ብሓድሽ ደጋጊሙ ቆጸረን። እንተኾነ ግን ሓንቲ ካብተን ኣባጊዕ ኣይነበረትን። እቲ ካብ ኩሎም ዝነኣሰ በጊዕ ሽሙ ቶቶ ኣቡኡ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ጓሳ ኣዚዩ ሓዘነ እቲ ጠፊኡ ዘሎ በጊዕ ሽግር ከይረኽቦ ኣዚዩ ድማ ሰግኣ /ተጨነቐ/ ከምዚ ድማ ገበረ፦ ነተን 99 ኣባጊዕ ገዲፉ ነቲ ጠፊኡ ዘሎ ንእሽተይ በጊዕ ክደሊ ከደ። ኣብ ፈቆዶ ጎቦታትን ሽንጪሮታትን᎓ ብድሕሪ ኣግራብን ኣጻድፍን ድማ ክደሊዮ ጀመረ። ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ብሽሙ ዓው ኢሉ ይጽውዖ ነበረ። ቶቶ….ቶቶ…..ቶቶ…..ትሰምዓኒ ኣለኻ ዶ? እንዳበለ ተጻውዐ ብሩሑቕ ሓደ ድምጺ በዕዕዕዕዕ…. በዕዕዕዕ…. ዝብል ዝሰምዕ። እወ! እዚ ናቱ ናይ ቶቶ ድምጺ እዩ። ሽዑ እቲ ጓሳ እንዳጎየየ ናብቲ በጊዕ ከይዱ ብፍቕሪ ሓቖፎ። ቶቶ ድማ ኣዚዩ ተሓጊሱ ንሓላዊኡ ብምርካቡ። ምኽንያቱ ስለ ዝጠፍኣ ኣዚዩ ሰንቢዱን ፈሪሑን ነበረ። ሽዑ እቲ ጓሳ ንቶቶ ኣብ ክሳዱ ሓንጊሩ ናብተን ዝገደፈንን 99 ኣባጊዕ ሒዝዎ ከደ። እቲ ጓሳ ኩለን 100 ኣባጊዑ ብሓንሳብ ስለዝረኸበን ኣዚዩ ተሓጎሰ።

 

መደምደምታ᎓

ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ናትና ሕያዋይ ጓሳና እዩ። ንሕና ድማ ናቱ ነኣሽቱ ኣባጊዕ ኢና። ኢየሱስ (ነተን ናቱ ኣባጊዕ) ነዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና። ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቑኡ ክንከውን ይደሊ። ኣብ ጥቓ ናትና ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ክንከውን እንድሕሪ ደሊና᎓ ኩሉ ግዜ ከየቋረጽና ንጸሊ ምስኡ ንዘራረብ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ክንሰምዕን ክንእዘዝን ይግበኣና። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ነቲ ዝጠፍአ ሰብ ናብኡ መሊሱ ከምጽኦ ይደሊዮ እዩ። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ነዓና ነቂሑ እዩ ዝሕልወና።

 

ክብሪ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ይኹን ኣሜን።

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/gissseee.jpg 720 960 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2015-10-08 11:15:262015-10-08 11:15:26እቲ ሕያዋይ ጓሳ
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ን ኤልሳዕ ገዛ ሰሪሓትሉ Link to: ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ን ኤልሳዕ ገዛ ሰሪሓትሉ ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ን ኤልሳዕ ገዛ ሰሪሓትሉ Link to: ኢየሱስ ምስ ዘኪዎስ Link to: ኢየሱስ ምስ ዘኪዎስ ኢየሱስ ምስ ዘኪዎስ
Scroll to top Scroll to top Scroll to top