ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ

ዕላማ᎓

ኢየሱስ ሕሙማት ከምዝፍውስን ስለ ዝሓመሙ ክንጽሊ ከምዝግበኣናን ንምምሃር

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ማርቆስ 02᎓9

መወከሲ᎓

ማርቆስ 2᎓1-12

መእተዊ᎓

ኣዕሩኽ ኣለውኹም ዶ? እስኪ ካብቶም ኣዕርኽትኹም ናይ ገሊኣቶም ስም ንገሩኒ። ምስ ኣዕርኽትኹም እንታይ ትገብሩ? ካብ ምጽዋት ሓሊፍኩም ካልእ ነገር እንታይ እንታይ ትገብሩ? ነኣብነት ፦ ቤተ ክርስቲያን ብሓንሳብ ትኸዱ ዶ? ነንሕድሕድኩም ትተሓጋገዙ ዶ? እንበኣር ናይ ሎሚ ትምህርትና ብዛዕባ ንዝሓመመ ብጻዮም ዝተሓጋገዙ የዕሩኽ ክኸውን እዩ።

ትምህርቲ᎓

ሓደ እዋን ሓደ ክንቀሳቐስ ዘይክእል ሕሙም( ፓራላይዝ) ሰብ ነበረ።  ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክንቀሳቐስ ናይ ሰባት ሓገዝ የድልዮ ኔሩ ። ስለዚ ድማ ተሰኪሞም ናብ ዝደልዮ ቦታ ዘብጽሕዎ ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ነበርዎ። ካብ ዕለታት ሓደ ማዓልቲ ኣዕርኽቱ መጺኦም ክሓዊ ከምዝኽእል ነገርዎ ኣዚዮም ድማ ተሃንጢዮም ነበሩ። ንሱ ድማ እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን በሎም። ንሳቶ ድማ ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ንሳቶም ዘለዉዎ ከተማ ከም ዝመጸን ብዙሓት ሕሙማት ይፍውስ ከምዘሎን ናብኡ ዝኸደ  ዘበለ ኩሉ ድማ ካብ ሕማሙ ከም ዝተፈወሰን  ነገርዎ። ንሱ ድማ ኣዕርኽቱ ከምዚ ምስ በልዎ ኣዚዩ ተሓጎሰ᎓ “ንዓናይ ንኢየሱስ ንርከቦ” በልዎ’ሞ ኣብ ልዕሊ ዓራቱ ከሎ ምስ ዓራቱ ተሰኪሞሞ ከዱ።

ንኢየሱስ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ ኮይኑ ከስተምህር ከሎ ረኸብዎ። ኣብቲ ገዛን ኣብቲ ኣፍደገ ማዕጾን ድማ ብዙሕ ህዝቢ መሊኡ ስለ ዝነበረ ነቲ ዓርኮም ናብ ውሽጢ ገዛ ሒዞሞ ክኣትዉ ጸገም ኮኖም። እቶም ኣዕርኽቱ ብጀካ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ክፍውሶ ዝኽእል ከምዘየለ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ንኢየሱስ ንኽረኽቡ ኣዚዮም ተሃንጠዩ። ስለዚ ሓደ ሓሳብ ሓሰቡ እሞ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ / ልዕሊ ዚንጎ/ ናይቲ ገዛ ብምድያብ ነቲ ናሕሲ ቀዲዶም  ነቲ ዓርኮም ምስ ዓራቱ ኮሎ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ። ኢየሱስ ድማ ናይቶም ኣዕርኽቱ  እምነትን ጻዕርን ርእዩ   ነቲ ዝሓመመ ዓርኮም ከምዚ በሎ᎓ “ወደየ! ኃጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ’ሞ ተንስእ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኢድ” በሎ። ሽዑ እቲ ሕሙም  ሓዊዩ ተንሲኡ ብእግሩ ደው በለ። ኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘሕወዮ ድማ ብእግሩ  ክኸይድ ጀመረ። እቲ ኣብቲ ውሽጢ ገዛ ዝነበረ ሰብ ኩሉ ነዚ ምስ ረኣየ ኣዚዩ ተገረመ። እቲ ዝሓወየን እቶም  ኣዕርኽቱን ድማ ኣዚዮም ተሓጎሱ።

መደምደምታ᎓

ኢየሱስ ንሕሙማት ከምዘሕውዮም /ከምዝፍውሶም/ ንኣምን ኢና። ንሕና’ኸ ከመይ ጌርና ኢና ንዝሓመሙ ሰባት እንሕግዞም? ናብ ኣማኽና ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክፍውሶም ብጸሎት ክንልምነሎም ይግባእ። ስለ ሕሙማት ኩሉ ግዜ ጸሎት ክንገብር ከምዘለና ክንርስዕ የብልናን።  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣምላኽ ስለዝኾነ ንዝሓመሙ ይፍውሶም ኢዩ ። ንዑኡ ዝሰኣኖ  ነገር የሎን።

ክብሪ  ንእግዚኣብሔር  ይኹን ።

ኣምላኽ ይባርኽኩም !!!!

{flike}