ኢየሱስ መርዓ ተዓዲሙ ከምዝኸደ

ዕላማ᎓

ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምእንታና ናብ ኢየሱስ ከምትልምን ምፍላጥ

 

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ” ዮሃ. 02᎓05

 

መወከሲ᎓

ዮሃንስ 2᎓1-11

 

መእተዊ᎓

መርዓ ኬድኩም ዶ ትፈልጡ? መርዓዊ ወይ ድማ መርዓት ርኢኹም ዶ ትፈልጡ? እንበኣር ሎሚ መዓልቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡን ደቀ መዛምርቱን ተዓዲሙ ኣብ ዝኸደሉ መርዓ እንታይ ከምዝገበረ ክንመሃር ኢና።

 

ትምህርቲ᎓

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኢየሱስን ኣዲኡ ቅድስቲ ማሪያምን ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲሞም ከዱ። ኣብቲ መርዓ ድማ ብዙሕ ዓይነት መግቢ፥ ዶልሺ፥ ድስተ ነገራት እውን ነበረ። እቶም መርዓውትን ኣብቲ መርዓ ዝነበሩን ኩላቶም ሰባት ድማ ሕጉሳት ነበሩ። ኣብ ሞንጎ ግን ሓደ ሽግር ኣጋጢሙ። ትፈልጡ እንታይ ኢዩ ኔሩ እቲ ሽግር? በሉ ክነግረኩም እየ ሰዓቡኒ።

 

ነቲ መርዓ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኩሉ ዝስተ ወይኒ ተወዲኡ። እቶም ኣሰሰይቲ ብጣዕሚ ተጨነቑ። ምኽንያቱ እቲ ወይኒ ስለዝተወደአ ካበይ ኣምጺኦም ነቶም ኩሎም ዕዱማት ካልእ ዝስተ ወይኒ ከቕርቡሎም ይኽእሉ? ኣብ ሞንጎ እዚ ግን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ወይኒ ከምዝተወደአ ፈለጠት እሞ ናብ ኢየሱስ ከይዳ ከምዚ በለቶ፦ እቲ ወይኒ ተወዲኢዎም ካልእ ዝቕርብዎ ወይኒ የብሎምን እሞ በጃኻ ሓግዞም በለቶ። ምኽንያቱ ኢየሱስ ኩሉ ነገር ክገብር ከምዝኽእል ትፈልጥ ስለዝነበረት ክሕግዞም ነገረቶ። ሽዑ ናብቶም ኣሰሰይቲ ከይዳ ኩሉ እቲ ኢየሱስስ ዝብለኩም ግበሩ በለቶም።

 

ኢየሱስ ድማ ነቶም ኣሰሰይቲ ነቲ ኩሉ ኣብኡ ዝነበረ ኣጋንእ/ዕትሮታት/ ማይ ምልእዎ በሎም። ንሳቶም ድማ ከምቲ መድሓኒና ኢየሱስ ዝበሎም ማይ መልእዎ። ኢየሱስ ድማ ሕጂ ቀዲሕኩም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ በሎም። ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎም ምስ ገበሩ ብጣዕሚ ተደነቑ። ምኽንያቱ እቲ ማይ ናብ ወይኒ ቀይርዎ ነበረ። እቶም ሰባት ነቲ ወይኒ ምስ ጠዓምዎ ካብቲ ናይ መጀመርታ ዝሰተይዎ ወይኒ ንላዕሊ ኣዚዩ ጥዑም ነበረ።

 

መደምደምታ᎓

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ናትና ሽግር ክፈትሓልና ይኽእል እዩ። ንዑኡ ወላሓደ ዝሰኣኖ ነገር የሎን። ኣዴና ቅድስቲ ማሪያም ድማ ምእንታና ኩሉ ግዜ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ትጽልን ትልምን እያ። ንሳ ኩሉ ግዜ ንደቂ ኣምላኽ ትሓልን ክትሕግዞም ትደልን እያ: ከምቲ ኣብቲ መርዓ ዝሓገዘቶም። ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኮለና እንተላይ ንማሪያም ሓግዝና ምእንታና ጸሊይ (ኣማልድና) ኢልና ንለምና። ማሪያም ኩሉ እቲ ኢየሱስ ግበርዎ ኢሉ ዘኣዘዘና ትእዛዛት ክንገብሮ ትደሊ።ከምቲ እቶም ኣብቲ መርዓ ዝነበሩ ኣሰሰይቲ ዝገበርዎ። ከምቲ ነቲ ዓታሩ ማይ ምልእዎ ምስ በሎም ዝመልእዎ።