ኢየሱስ ምስ ዘኪዎስ

ዕላማ᎓

 

ኣምላኽና ኣበይ ከምዘለናን ምሳና ክኸውን ከምዝደልን ምፍላጥ

 

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

”….. ሎሚ መዓልቲ ኣብ ገዛኻ ክውዕል ይግበኣኒ እዩ” ሉቃስ 19᎓5

 

መወከሲ᎓

 

ሉቃስ 19᎓1-10

 

መእተዊ᎓

ኣብ መደቀሲኹም ወላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ንበይንኹም እንተትህልዉ እንታይ ትገብሩ ከም ዘለኹም መን ክሪኤኩም ዝኽእል ይመስለኩም? ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይርእየና እዩ። ንሱ ብዛዕባና ኹሉ እዩ ዝፈልጥ። ንሱ ማንም ዘይነገሮ ኾሎ ሽምና ይፈልጦ እዩ። ንሱ ቅድሚ ንሕና ምዝራብና እንታይ ከምዝሓሰብና ኣቐዲሙ ይፈልጥ እዩ።

 

ትምህርቲ᎓

 

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ዘኪዎስ ዝበሃል ሰበኣይ: ኢየሱስ ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ከተማ ከም ዝመጸ ሰምዐ። ኮነ ድማ ኢየሱስ ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ቦታ ከምዝመጸ ምስ ፈለጠ ንኢየሱስ ክሪኦ ብዙሕ ፈተነ። እንተኾነ ግን ክርእዮ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ዘኬዎስ ብቑመቱ ኣዚዩ ሓጺር ሰበኣይ ብምንባሩ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ብዙሕ ህዝቢ ተኣኪቦም ስለዝነበሩ ንኢየሱስ ንኸይርእዮ ከወልዎ። ሽዑ ሓደ ነገር ክገብር ሓሰበ። እንዳጎየየ ኸይዱ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኦም ደየበ። ብኸምዚ ኢየሱስ ክሓልፍ ኮሎ ክርእዮ ከኣለ። ሽዑ ኢየሱስ ኣብታ ዘኬዎስ ተሰቒሉላ ዝነበረ ገረብ ምስ በጽሐ ደው በለ እሞ ንላዕሊ ገጹ ጠሚቱ ከምዚ በሎ፦ “ዘኬዎስ ውረድ ካብቲ ኦም ኣነ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ገዛኻ ከኣቱ እየ”። ሽዑ ዘኬዎስ ብጣዕሚ ተሓጉሱ ቀልጡፉ ካብቲ ተሰቒልዎ ዝነበረ ኦም ወሪደ። ኢየሱስ ድማ ሽም ናይ ዘኬዎስ ሰብ ከይነገሮ ኮሎ ይፈልጦ ኔሩ። ዘኬዎስ ኢየሱስ ናብ ገዝኡ ምስ ወሰዶ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ድሕሪ ሕጂ እቲ ቅኑዕ ዘበለ ነገር ጥራይ ክገብር እየ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወሰድክዎ ናይ ሰብ ገንዘብ ክመልሰሎም እየ። ፍርቁ ካብቲ ገንዘበይ ድማ ንድኻታት ክህቦም እየ”። ኢየሱስ ድማ ዘኬዎስ ከምኡ ስለ ዝበለ ኣዚዩ ተሓጎሰ። ብድሕሪኡ ዘኬዎ ንፉዕ ሰበኣይ ኮነ።

 

መደምደምታ᎓

 

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘኬዎስ ንዑኡ ክሪእዮ ይደሊ ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ ኔሩ። ብኸሙኡ እዩ ድማ ካብቲ ደይብሉ ዝነበረ ኦም ውረድ ዝበሎ። ኢየሱስ ኩሉ እቲ ንደሊዮ ዘበለ ነገር ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ድማ እቲ ንዓና ሰናይ ዝኾነ ነገር ይህበና። ኩሉ ኣብ ልብና ዘሎ ነገር ድማ ይፈልጦ እዩ።

 

ክብሪ ንኣምላኽና ይኹኖ ኣሜን።