ክፉእ ወረ (2ይ ክፋል)

2.  ኣብ ግፍዕን ማእሰርትን ዘብጽሕ ኩፉእ ወረ

ወረኛ ሰብ ዘይተገብረ ተጌሩ ንዝተገብረ ወሳሲኹ ብምውራይ፣ክዕቀብ ዝግበኦ ምስጢር ብምብታን፣ሓቂ ምስ ሓሶት ብምትሕውዋስ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ግፍዕን ማእሰርትን የውርድ።ሰባት ብጽቡቕ ስራሕ ከቢሮም ብጽቡቕ ጠባዮም ተፈታውነት ረኺቦም ክርኢ ዓይኑ ስለ ዘይክእለሉ ኣጣቒሱ የጻልእ፣የእስር፣ካብ ስራሕ የባርር፣ክሳብ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ክፉእ ወሬ ይነዝሕ።ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ስራሕ ትካላት ገኒኑ ዝርኣ ዘይክርስቲያናዊ ስነ ምግብር እዩ።ጽባሕ ተመዚኖም ዝፈኹሱ ዘይእሙናት መንሽሮ ሕብረተሰብን ሕማም ሃገርን ኮይኖም ከምዝርከቡ ዘንጊዖም ንጊዜኡ ብሰንኮም ሰብ ካብ ስራሕ ስለ ዝተባረረ፣ስለ ዝተኣሰረ፣ስለ ዝተጸልኣ ባህ ይብሎም።እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ዘይቅላዕ ክዱን ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን ማቴ 10: 26 ዝብል ቃል ወንጌል ኣብ ልቦም ቦታ ስለ ዘይህብዎ ብግዜኦም ዝቕልዑ ምዃኖም ይዝንግዑ፣ ጊዜ’ኳ እንተወሰዱ ናብ ርእሶም ከምዝግልበጦም ነቢዩ ዳዊት ተዛሪብሎም አዩ “ጉድጓድ ዀዒቱስ ኣዕመቛ ናብታ ዝዀዓታ ጉድጓድ’ውን ወደቐ ”። መዝ (7፣15-16)

ሓቀኛ ክርስቲያን ግና ናይ ብጻዩ ሽግር ሽግሩ ናይ ብጻዩ ሓዘን ሓዘኑ ስለ ዝኾነ ክፉእ ወሬ ኣመላሊሱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ገበን ኣየውርድን እዩ።ንእሱራት ከም መተኣሰርቶም ኴንኩም፣ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩም’ውን ኣብቲ ስጋ ከም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም ዝብል ቃል መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ ስለ ዝፈልጥ ምስቶም እሱራት ኮይኑ መከራ ይጸግቡ ምስቶም ዝሓዝኑ ይሓዝን ምስቶም ዝሕጐሱ ከኣ ይሕጐስ። ካብዚ ሐሊፉ’ውን  ሽግሮም ንምፍኳስ ዝከኣሎ ይግብር (ዕብ 13፣3 10፣34 ሮሜ 12፣15 )ንሰባት ኣብ ሓዘን ኣውዲቑ ንከምስል ኣይሓዝንን እቶም ከምዚ ዝበለ ክፉእ ባህርይ ዘለዎም ግና ከም ወዮ ቅዱስ ዳዊት ከም ግብሮም ከም ክፍኣት ስራሖም ሃቦም ዝበሎ ዋጋ ኢዶም ዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ ካብ እግዚኣብሔር ክቕበሉ እዮም (መዝ 28: 4)

3. ፍቕሪ ዘጥፍእ ክፉእ ወረ 

ፍቕሪ ካብ እግዚአሔር ንደቂ ሰባት እትውሃብ ጸጋ እያ።ብጀካ እዛ ፍቅሪ እዚኣ ሕብረተ ሰብ ሓቢሩ ክነብር ኮነ ክሰርሕ ኣይክእልን።ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ላዕሊ ውጻእ ታሕቲ ውረድ፣ለፈዕካ ርእስኻ ኣዋሪድካ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ብፍቕሪ ክኸውን ከምዝግባእ ቅዱስ ጳውሎስ “ንቕሑ ኣብ እምነትኩም  ጽንዑ በርትዑ ሰብኡት ኩኑ ኩሉ እትገብርዎ ብፍቕሪ ይኹን” እንዳበለ ኣረዲኡና እዩ።(1ይ ቆሮ16፣13፣15)እዚ ስለ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ፍቕሪ ካብ ሰባት ኣብ እትጠፍእሉ ንዝጠፍአ ፍቕሪ ንምምላስ ዝጽዕርን ንዝተጻልኡ ዘሰማምዕን እዩ።ጐይታና ኣብ ወንጌል “ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክብሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም”።ዝበለ ወዲ ኣምላኽ ዝብሃል ጽልኢ አርሒቑ ሰላም ዝተክል ምኻኑ ንምርዳእ እዩ።(ማቴ 5፣9 )ብኣንጻሩ ፍቕሪ ዘይፈቱ ሰይጣን እዩ።

እቶም ናይ ግብሪ ደቁ ዝኾኑ ከኣ ግብሩ ይፍጽሙ።ኣቦና ኣብርሃም መፍቀሪ ሰባት ብምንባሩ ዝቀንአ ሰይጣን ምስ ሰባት ንኽፈላልዮን ንከረሓሕቖን ዝወሰዶ ስጉምቲ ክፉእ ወረ ናብ ህዝቢ ምብታን እዩ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ርእሱ ባዕሉ ፈጊኡ ኣብ መንገዲ ሓሊፉ ነቶም ናብ ኣብርሃም ዝመጽኡ ህዝቢ ኣብርሃም ተጸሊሉ ሰባት ጸሊኡ እዩ ኣነ እኳ ከምቀደሙ መሲሉኒ ከይደዮስ እንሆ ፈጊኡ ሰዲዱኒ እንዳበለ ብምውራይ ሰባት ካብ ቤት ኣብርሃም ከምዝርሕቁ ገበረ። ኩላቶም እቶም እከለ ከምዚ ይብለካ ነይሩ: ትብለኪ ኔራ: ከምዚ እንድዩ ጠባዩ ወዘተ እንዳበሉ ንሰባት ዘጻልኡ ናይ ግብሪ ደቁ ይብሃሉ።ኣብ መንጎ ቅዱስ ጳውሎስን ሰብ ገላትያን ዝነበረ ፍቕሪ ክጠፍእን ክሳዕ ንትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ነጺጎም ናብ ትምህርቲ መናፍቓን ክኣትውን ዝገበሮም ናይ መናፍቓን  ክፉእ ወረ እዩ ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኣስተምሂሩ ወንጌል ናብዘይበጽሐን ሃገራት ምስ ከደ መናፍቓን ኣትዮም ጳውሎስ ድኣ መዓስ ሓዋርያ ኮይኑ፣ትምህርቱ ካብ ጐይታኡ ኣይኮነን ምእንቲ ንሰባት ከሐጉስ እዩ ዝሰብኽ ዘሎ፣ድሐር ከኣ ንባዕሉ ተገዚሩ ክነሱ ንዓኻትኩም ዓያሹ ረኺብኩም ኣይትገዘሩ ይብለኩም ኣሎ ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ሓዋርያት ምስ ኣይሁድ ሓቢሮም ብፍቕሪ ኣብ ኢየሩሳሌም እንዳነበሩ ንዓኻትኩም ግና ምስ ኣይሁድ ኣይትሕበሩ ይብለኩም ኣሎ እንዳበሉ ስሙ ኣጸሊሞም  ብህዝቢ ከምዝጽላእ  ገበርዎ።

በዚ ክፉእ ወረ ቅድሚ ምቕያሮም ከመይ ጌሮም የኽብርዎን የፍቅርዎን ከምዝነበሩ ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ክምስክርሎም ከሎ ከም መልአኽ  አምላኽ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ ዝከኣል እንተዝኸውንስ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም እኳ ምሃብኩምኒ ኔርኩም ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ።ይብል ገላ 4፣14-16 ብክፉእ ወረ ክምዝጸልእዎ ክገልጽ ከሎ ድማ ቅጽል ኣቢሉ “እሞ’ኸ ሓቂ ስለዝነገርኩኹም’ዶ ጸላኢ ኮይነኩም እየ ይብል”። መመላለስቲ ክፉእ ወሬ ኣርኣእያ ሰባት እንዳቐየሩ ፍቑራት ዘጻልኡ: ቅሩባት ዘረሓሕቑ ብምዃኖም እግዚአብሔር ኣዝዩ እዩ ዝጽየፎም። ጠቢብ ሰሎሞን ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ አሎ “እግዚአብሔር ዝጸልአን ፦አረ እምብዛ ዝፍንፍነን ሾብዓተ ነገራት ኣለዋ፦ ትዕቢተኛ ዓይኒ: ሓሳዊት መልሓስ: ንጹህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው: እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ: እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፍ ኣእጋር: ሓሶት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር: ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ ሰብ እየን።( ምሳ 6: 16-19)                          

ንክፉእ ወረ ዘተባብዑ

ሀ.  ተቐባሊ ክፉእ ወሬ

ንመመላለሲ ወረ ጽባሕ እውን ንዓይ እዩ ኢልካ ገጽ ከሊእካ እንተዘይመኺርካዮ፣እንተዘይገሲጽካዮ፣እንተዘይነጺግካዮ ናብቲ ዝተገልጸ ዘይክርስቲያናዊ ምግባራት ከምዝድርብየካ ዘየጠራጥር እዩ።ሰማዒ “ህ” “ሓቅኻ” “ወስኽ ድኣ” ዝብል እንተኾይኑ መመላለሲ ወረ ኢድ እግዚአብሔር ክሳዕ እትረኽቦ ኣመሉ ክሓድግ ኣይክእልን እዩ። ርግጽ’ዩ መብዛሕትኡ ጊዜ ክፉእ ወረ ብሓቂ ዝተገነዘ ሓሶት ስለ ዝኾነ ንሰማዒ ሓቂ ክመስሎ ይኽእል እዩ።እንተኾነ ግና ናይ ሰላም  መልእኽቲ ዘይብሉ ወሬ ክምዘን ስለ ዝግባእ ስለምንታይ ይዛረብ ኣሎ ዕላማኡ እንታይ እዩ፧ ክምከር ስለ ዝደለዮ ድዩ ወይስ ስሙ ንምጥፋእ ኣብኡ ዘለኒ ኣርኣእያ ቀይረ ክጸልኦ ስለ ዝደለየኒ  እዩ ኢልካ ንሕሊናኻ ክትሓትት ይግባእ።

ጠባይ ናይ መመላለስቲ ወረ ብዝግባእ ከተጽንዕ ይግብኣካ። ጠቢብ ሰሎሞን መወዳእታ ዕላማ ናይ መመላለስቲ ወረ እንታይ ምኻኑ ክገልጽ ከሎ ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፣ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም ይብል (ምሳ16: 28) በዚ መሰረት ናብ ጽልእን ቈየቛን ዘብጽሕ ወሬ ኣትሪርካ ክትቃወሞ ይግባእ። ዝሓለፉ ኣበው ኣረኣእያኻ ቀይሩ ናብ ጽልኢ ንዘብጽሓካ ወሬ ከመይ ገይሮም ናብ ሰላም ይቕይርዎ ምንባሮም እዛ ቀጺላ ዘላ ታሪኽ ንመልከታ።

ኣብ ሓደ ገዳም ኣባ መቃርስ ኣበምኔት ኣብ ዝነበርሉ ሓደ መነኮስ ሰበይቲ ስለ ዝለመደ ካብቶም መነኮሳት ብተደጋጋሚ ጸብጻብ ይበጽሖም ነበረ፣ ኣባ መቃርስ ግን ወደይ ከምዚ ኣይገብርን እዩ ንስኻትኩም ግና ናይ ሐሶት ወረ ብምምልላስ ኣብ ብጻይኩም ኣይትበድሉ  እንዳበሉ መኺሮም ይሰድዎም  ድሕሪ ጊዜ እቲ መነኮስ ካብኡ ኣይሕለፉ ኢሉ ነታ ሰበይቲ ናብ ገዳም ከም እትመጽእ ገበረ ናብ ገዝኡ ክትኣቱ ዝርአዩ መነኮሳት ናብ ኣባ መቃርስ ብምኻድ ገዳምና ከይተርክሰልና ነዛ ሰበይቲ ኣውጽኡልና እንዳበሉ ኣጫነቕሎም፣ኣባ መቃርስ ድማ ብሓቂ እዚ ዝብልዎ ዘለዉ ሓቂ እንተኾይኑስ ዝሙት ይፍቀድ እዩ ከይብሉኒ ኢሎም ናብቲ ገዛ ተተሓሒዞም ኣምርሑ፣ልክዕ ኣብ ጥቓ እቲ ገዛ ምስ በጽሑ ኣባ መቃርስ ነታ ሰበይቲ ብመንፈስ ስለዝረአይዋ ምስቶም መነኮሳት ዓው ኢሎም ክቛየቑ ጀመሩ፣ እዚ ከኣ እቲ መነኮስ ድምጾም ሰሚዑ መታን ክሓብኣ እዩ፣ከምቲ ሓሳቦም እውን ይመጽእዎ ከምዘለው ፈሊጡ ዓቢ ሞሰብ ዓበጣ፣መነኮሳት ኣተው ኣባ መቃርስ ኣብታ ሞሰብ ከም ዝሓበኣ ብመንፈስ ስለ ዝራይዎ ኣብአ ኮፍ ኢሎም በሉ ፈትሹ ኣበይ ኣላ እታ ሰበይቲ ኢሎም ኣዋጠርሎም መነኮሳት ተጋጊና ኢና እንዳበሉ ብዝገበርዎ እንዳሓፈሩ ካብቲ ገዛ ወጹ።ብድሕሪዚ ኣባ መቃርስ ነታ ሰበይቲ መኺሮም ገሲጾም ናብ ቤታ ሰደድዋ ነቲ መነኮስ ድማ መኺሮም ቀኖና ሂቦሞ ወጹ። 

ኣእማን ደድሕሬኦም እንዳሰዓቡ መቃርስ ንኣምላኹ መሰሎ እንዳበሉ ኣመስገንዎም ንኣምላኹ መሰለ ዝበልዎም ምኽንያት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጠፍአ ኣዳም ምስ እግዚአብሔርን ምስ መላእኽትን ከምዝዓረቖ ኣባ መቃርስ  ድማ ነቲ ዝጠፍኣ መነኮስ ምስቶም ኣሕዋቱ መነኮሳትን ምስ እግዚአብሔርን ስለ ዝዓርቕዎ እዮም፣ነዞም ከምዚአቶም ዝአመሰሉ እዩ ኸኣ ጐይታና ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም  ዝበለ ። (ማቴ 5: 9 ) ስለዚ ተቐባሊ ወረ ዋላ እውን እቲ ወረ ሓቂ እንተኾነ ነቲ በዳሊ ቀስ ኢሉ መኺሩ ናብ ሰላም ዝቕይር ክኸውን ይግባእ። 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር !!!

{flike}