ስለ ግዳያት ላምፓዱዛ ጸሎተ-ፍትሓት ተኻይዱ

ኩላተን እተን ኣብ ሃገር ሽወደን ዝርከባ ቀኖናዊ ስርዓት ተኸቲለን ዝኽዳ ዘለዋ ኣብያተክርስቲያን ስለ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትማሊ ሰንበት 05-10-2014 ቀዳማይ ዓመቶም ምኽንያት ብምግባር ጸሎተ ፍትሓት ኣካይደን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማለት ዕለት 3 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ሓደጋ ባሕሪ ንዓለም ዘደንጸወን ውርደት ኤርትራውያን ካኣ ብጋህዲ ዘንጸባረቐን ፍጻሜ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ አዩ። ህልቂት ንእስነቶም ዘይመነዉ መንእሰያትን ኣፎም ዘየጽረዩ ነኣሽቱ  ህጻናትን ብፍላይ ካኣ እታ እናሞተት ዝወለደት  ኣደን ንኹሉ ሰብ ዘስደመመን ሓቀኛ ምስልና ዘርእየን ኩነት እዩ። እምበእርከስ በዚ ኣጋጣሚ ምርኩስ ብምግባር ጓይላን ዕንደራን ገዲፍና ኣምላኽ ንመከራና መወዳእታ ክገብረሉ ኣብ ጸሎትን ምህልላን ክንጽመድ መንፈሳዊ መልእኽትና ከነመሓላልፍ ንፈቱ።

ስብሓት ሎቱ።