ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት
Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden
ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።
ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Swedish bank No: Bankgiro: 374-2806
International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036
Swift code: SWEDSESS
ሳሙኤል ኣብ ድቃሱ ከሎ ኣምላኽ ጸውዖ
ዕላማ᎓ ቅድሚ ምድቃስና ናይ ግድን ክንጽልን ንኣምላኽ ክንስምዖን ከምዝግበኣናን ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ ጎይታይ ባሪያኻ ይሰምዓካ ኣሎ’ሞ ተዛረብ” 1ይ ሳሙኤል 03᎓09 መወከሲ᎓ 1ይ ሳሙኤል 3᎓1-10 መእተዊ᎓ ቅድሚ ኣብ ዓራት ክትድቅሱ ምኻድኩም እንታይ እንታይ ትገብሩ? ስንኹም ተሓጺብኩም ፒጃማ ትኽደኑ ዶ? መጽሓፍ ተንብቡ ዶ? እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ተንብቡ? ናይ ጽንጽዋይ መጽሓፍ ድዩ ወላስ መጽሓፍ ቅዱስ? ትጽልዩ ዶ? […]
ናይ ሃና ጸሎት
ዕላማ᎓ እግዚኣብሔር ጸሎት ከምዝሰምዕ ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ ኦ ጎይታይ ጸሎተይ ስማዕ (መዝ. 143᎓1) መወከሲ᎓ 1ይ ሳሙኤል 1᎓1-27 መእተዊ᎓ ሕጻን ቆለዓ ርኢኹም ትፈልጡ ዶ? ቆለዓ ውልድ ምስበለ ከመይ ኢሉ ይርእይ? ማማን ባባን ኣምላኽ ቆልዓ ምስ ሃቦም ናይ በሓቂ እዮም ዝሕጎሱ። ትምህርቲ᎓ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና እንበኣር ብዛዕባ ሓንቲ ሃና ዝተባህለት ሰበይቲ ክኸውን እዩ። ሃና ውላድ ወይ […]
ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሃገረስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ስርዓትን እምነትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብምኽታል ነቶም ኣብ ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ዝነብሩ ምእመናን ዘገልግል ሃገረስብከት እዩ። ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ካህናት ኣቦታት ካብ 2012 ኣትሒዞም ነቶም ድሮ ተጠርኒፎም ዝነበሩ ምእመናን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ኮይኖም ኣገልግሎት ክህቡ ጸኒሖም እዮም። እቲ ኣገልግሎት እናሰፍሐን እናዓበየን ስለ ዝኸደ ዝሓሸ ኣገልግሎት […]
ብኹሉ ነገር ኣመስገንቲ ንኹን
ኣብ ናይ ምስጋና ህይወት ዝነብር ሰብ ዝተገብረሉ ነገርን ንዝተፈጸመሉ ኩሉ ጽቡቕ ተግባርን ዘይርስዕ ነዚ ኹሉ ድማ ብምስጋና ዝገልጽ መስተውዓልን በሊሕን ሰብ እዩ። ንእግዚኣብሔርን ንሰባትን ዘቕርቦ ምስጋና ኣብ ናይ ልቡ ጽላት ተጻሒፉ ዝተቐመጠ ስለዝኾነ ምስጋና ካብ ኣፉ ጠፉኡ ኣይፈልጥን እዩ።