ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት
Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden
ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።
ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Swedish bank No: Bankgiro: 374-2806
International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036
Swift code: SWEDSESS
ምስጢረ ክህነት
I. ትርጉም “ምስጢረ ክህነት” ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ቤተክርስቲያን ንኽፍጸሙ ምእንቲ፡ ነቲ ምስጢር እቲ ናይ ምፍጻም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ማዕርግ ዘውህብ ምስጢር እዩ። ”ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ኸአ ኩሎም እቶም ኣባላ ማዕረ እዮም’ሞ፡ ”ኣገልገልቲ” ኢልካ ሰባት ምፍላይ ኣድላይነት የብሉን” ዝብሉ ገለ ፕሮተስታንታውያን ኣለው። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ግጉይ ምዃኑ መብርሂ ክወሃቦ […]
ምስጢረ ተክሊል
I. ትርጉም ምስጢረ ተክሊሉ፡ መርዓትን መርዓውን ሓደ ናይ ምግባር ጸጋ ዘውህብን ሓድነቶም ዝባርኽን ቅዱስ ምስጢር እዩ። መውስቦ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን ዝኾነ ፍጹምን ቅዱስን ሓድነት ንኽህልዎ ዝቕድስ ምስጢር ድማ እዩ። እዚ ምስጢር እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስጢር እዩ። ኪንዮ እቶም ክልተ ተጻመድቲ፡ ስድራቤት፡ መንግስትን ቤተክርስቲያንን ዝሳተፍዎ ምስጢር ድማ እዩ። ስለዚ ድማ ኣቃሊልካ ዝርአን […]
ምስጢረ ቍርባን
ቁርባን ማለት ቃል ብቓሉ መንፈሳዊ ህያብ፥ ንኣምላኽ ዝወሃብ ውህብቶ፥ ሞባእ፥ ዝውፈ ገንዘብ ማለት እዩ። ምስጢረ ቁርባን ማለት ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሕሊ ነቲ ወይኒ እውን ኣብ ጽዋእ ኣንቢሩ ጸሎት ቁርባን ኣብ ዝገብረሉ ግዜ እቲ ሕብስቲ ስጋ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እቲ ወይኒ እውን ደም ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ይኸውን እሞ ንሕና እውን ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ […]
ምስጢረ ንስሓ
I.ትርጉም ምእመናን ብምስጢረ ጥምቀት እኳ ዳግም ዝተወልዱ እንተኾኑ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣይዕንቀፉን ወይ ሓጢኣት ኣይገብሩን ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ወዘተ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኩሎም ሓጢኣት ጌሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝበደለ ሰብ ምስ ኣምላኹ ዝዕረቐሉ፡- ምስጢረ ንስሓ ተኣታተወ። […]
ምስጢረ ሜሮን
I. ትርጉም ምስጢረ ሜሮን፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከምዝቕበል ዝገብር ምስጢር እዩ። እዚ መንፈስ እዚ፡ ሓደ ዝተጠመቐ ኣማኒ፡ ነቲ ብጥምቀት ዝረኸቦ ሓድሽ ህይወት፡ ብቑዕ ኮይኑ ምእንቲ ክመላለስ ይሕግዞ። ምስጢረ ሜሮን፡ ከም ምስጢረ ጥምቀት ሓንሳእ ምስተዋህበ ዘይድገም ምስጢር እዩ። II. ምጅማር እዚ ምስጢር እዚ እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣብቲ እግዚአብሄር ንህዝቡ መንፈስቅዱስ ከምዝህቦ ዝሓበረሉ ቃል፡ ኣብኡ እተመስረተ […]