• እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

    መንፈሳዊ ኣፍልጦኹም ንምዕባይን ብዛዕባ ቤተክርስቲያና ሓበሬታ ንምርካብን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀሙ ንዕድም

  • ኣቦታት ዘቖምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተፍርስ (ምሳሌ 22፤28)

  • ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ ነቲ ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ ምሕጓስ እዩ። 1ይ ተሰ. 2:4

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ሃገረ ስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን

ምስጢረ ክህነት

I. ትርጉም “ምስጢረ ክህነት” ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ቤተክርስቲያን ንኽፍጸሙ ምእንቲ፡ ነቲ ምስጢር እቲ ናይ ምፍጻም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ማዕርግ ዘውህብ ምስጢር እዩ። ”ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ኸአ ኩሎም እቶም ኣባላ ማዕረ እዮም’ሞ፡ ”ኣገልገልቲ” ኢልካ ሰባት ምፍላይ ኣድላይነት የብሉን” ዝብሉ ገለ ፕሮተስታንታውያን ኣለው። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ግጉይ ምዃኑ መብርሂ ክወሃቦ […]

ምስጢረ ተክሊል

I. ትርጉም ምስጢረ ተክሊሉ፡ መርዓትን መርዓውን ሓደ ናይ ምግባር ጸጋ ዘውህብን ሓድነቶም ዝባርኽን ቅዱስ ምስጢር እዩ። መውስቦ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን ዝኾነ ፍጹምን ቅዱስን ሓድነት ንኽህልዎ ዝቕድስ ምስጢር ድማ እዩ።    እዚ ምስጢር እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስጢር እዩ። ኪንዮ እቶም ክልተ ተጻመድቲ፡ ስድራቤት፡ መንግስትን ቤተክርስቲያንን ዝሳተፍዎ ምስጢር ድማ እዩ። ስለዚ ድማ ኣቃሊልካ ዝርአን […]

ምስጢረ ቍርባን

ቁርባን ማለት ቃል ብቓሉ መንፈሳዊ ህያብ፥ ንኣምላኽ ዝወሃብ ውህብቶ፥ ሞባእ፥ ዝውፈ ገንዘብ  ማለት እዩ። ምስጢረ ቁርባን ማለት ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሕሊ ነቲ ወይኒ እውን ኣብ ጽዋእ ኣንቢሩ ጸሎት ቁርባን ኣብ ዝገብረሉ ግዜ እቲ ሕብስቲ ስጋ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እቲ ወይኒ እውን ደም  ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ይኸውን እሞ ንሕና እውን ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ […]

ምስጢረ ንስሓ

I.ትርጉም ምእመናን ብምስጢረ ጥምቀት እኳ ዳግም ዝተወልዱ እንተኾኑ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣይዕንቀፉን ወይ ሓጢኣት ኣይገብሩን ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ወዘተ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኩሎም ሓጢኣት ጌሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝበደለ ሰብ ምስ ኣምላኹ ዝዕረቐሉ፡- ምስጢረ ንስሓ ተኣታተወ። […]

ምስጢረ ሜሮን

I. ትርጉም ምስጢረ ሜሮን፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከምዝቕበል ዝገብር ምስጢር እዩ። እዚ መንፈስ እዚ፡ ሓደ ዝተጠመቐ ኣማኒ፡ ነቲ ብጥምቀት ዝረኸቦ ሓድሽ ህይወት፡ ብቑዕ ኮይኑ ምእንቲ ክመላለስ ይሕግዞ። ምስጢረ ሜሮን፡ ከም ምስጢረ ጥምቀት ሓንሳእ ምስተዋህበ ዘይድገም ምስጢር እዩ።   II. ምጅማር እዚ ምስጢር እዚ እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣብቲ እግዚአብሄር ንህዝቡ መንፈስቅዱስ ከምዝህቦ ዝሓበረሉ ቃል፡ ኣብኡ እተመስረተ […]

ቃለመጠይቅ ምስ ሊቀ ካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ 1ይ ክፋል

መተሓሳሰቢ

ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።

ሓገዝኩም አይፈለየና

ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።

Swedish bank No: Bankgiro:  374-2806

International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036

Swift code: SWEDSESS

123 614 48 85

ብፌስቡክ

ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቭያን ፊንላንድን

  • ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት

    Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden

  • ኣድራሻ ቦስጣ

    Eritreanska Ortodoxa Tewahedo Kyrkan I Skandinavien (koptiska patriarkatet)
    Syntesvägen 4
    854 67 Sundsvall
    Sweden

  • ቁጽሪ ሕሳብ ሃገረ ስብከት (Diocese)

    Swish: 123 614 48 85

  • ቁጽሪ ሕሳብ ግብረ ሰናይ (Charity)

    ERITREANSKAORTODOXA KYRKAN EOTKS KP
    IBAN: SE348000 0842 0296 4863 6646
    BIC: SWEDSESS
    BANK GIRO: 677 4830
    Swish: 123 614 67 65

ተወከሱና