ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት
Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden
ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።
ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Swedish bank No: Bankgiro: 374-2806
International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036
Swift code: SWEDSESS
ልደትን ጥምቀትን ኣብ ሮብዕን ዓርቢን እንተወዓለ`ኸ?
ቅንያቱ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱን ጥምቀቱን እነኽብረሉ ዘለና ግዜ ኣዩ። ናይ ሎምዘበን በዓል ናይ ልደት ኣብ ሮብዕ ስለዝወዓለ፣ ብዙሓት ናይ ስዕረት መግቢ ይብላዕ ድዩ ኣይብላዕን ዝብል ሕቶ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ዝኸበርኩም ሓተቲ፣ ካብ መጽሓፍቲን ቀኖና ቤተክርስቲያን ዝረኸብክዎ መልሲ እነሀለ። በዓል ልደትን ጥምቀትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ዝወዓሎ ይዉዓል፣ ዋላ ሮብዕን ዓርቢን ይኹን፣ […]
ኣብ ቃል ኪዳን ንምጽናዕ ዝሕግዙ ምኽርታት
እቲ ህያብ ፈጣሪ ዝኮነ መውስቦ ትርጉሙ ከም ዝቐየረን ጠገለ ስኢኑ ከም ዘሎን ንኩልና ብሩህ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ፍትሕ እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ። እኹል ናይ ወለዲ ፍቕሪ ዝተነፍጎም ህጻናት’ውን ቁጽሮም እና ዛየደ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣባና ኣብቶም ክርስትያን ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ እንተ ኢልና ዝተፈላለዩ ነጥብታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብጥቕሉሉ ግን ፍልጠት ካብ ምስኣን ካብ […]
ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???
2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ዮሴፍ ናብ ዘይፈልጦ ዓዲ ጓና ብዘይጠቅም ገንዘብ እኳ እንተተሸጠ እቲ ሓያል ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ግና ኣይተሰናበደን፣ ኣብቲ ዓዲ ስደቱ ከይተረፈ ኣምላኽ ባሪኽዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ከይተረፈ ግና ፈተናን ብድሆን ኣሰር ኣሰሩ ካብ ምስዓብ ኣየቛረጸን፣ ከምቲ ንኹሉ መንእሰይ ዝገጥሞ ናይ ስጋ ፈተና ካብ ሰይቲ ጶጢፋር ገጥምዎ፣ በዚ ብድሆ እዚ ውን ኣይተሳዕረን፣ […]
ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???
መልስኻ / እወ እንተድኣ ኮይኑ ፣ ኣብነት ንክኾነካ ሓደ ብዓወት ኣፍደገ ሞት ዛዚሙ ኣፍደገ ሕይወት ዝኸፈተ ኣቦ ከምጽኣልካ፡ ምንባብንን፣ ምስትውዓልን ግና ናትካ /ኪ ግደ እዩ። መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና፣ ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ፣ እዚ ካብ ንእስነቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት […]
ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???
መልስኻ / እወ እንተድኣ ኮይኑ ፣ ኣብነት ንክኾነካ ሓደ ብዓወት ኣፍደገ ሞት ዛዚሙ ኣፍደገ ሕይወት ዝኸፈተ ኣቦ ከምጽኣልካ፡ ምንባብንን፣ ምስትውዓልን ግና ናትካ /ኪ ግደ እዩ። መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና፣ ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ፣ እዚ ካብ ንእስነቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት […]