ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት
Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden
ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።
ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Swedish bank No: Bankgiro: 374-2806
International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036
Swift code: SWEDSESS
ገለ ካብቲ ብቅዱስ ኣውግስጢኖስ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ዕርገት ጎይታ።
ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ኣብ 5ይ ክዘ ዝነበረ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦ እዩ፣ ጽሑፋቱ ብግእዝ የለን፣ ኣብ ስንክሳር ኰነ፣ ኣብ መጽሓፈ ሃይማኖተ ኣበው ዉን የለን። ዝያዳ ኣብቲ ምዕራባዊ ክፋል ጥራይ እዩ ዝፍለጥ። ኮይኑ ግና፣ ትምህርቱን መንፈሳዊ መልዕክቱን ኣዝዩ ደስ ዘብልን፣ ተስፋ ዘስንቕን እዩ። ብዛዕባ ዕርገት ካብ ዝጸሓፈ፣ ገለ ክፋሉ፣ እዚ ይመስል። ሎሚ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ […]
ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም
ከም ፍቃድ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ሺወደን ከተማ ኦቪስታን ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ዘገልግል ብስም ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ዝተሰምየ ታቦት ኣብ ዝሓልፈ ቀዳም ዕለት 2015/05 /16 ብክብ ዝበለ ጽንብል ኣብ ስፍርኡ ኣትዩ። እቲ ንመጀምርታ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ዝኣተወ ቅዱስን ክቡርን ታቦት ኣቡነ ሊባኖስ ንልቢ እቶም ምእመናን ነበርቲ ኦቨስታን ከባቢኣን ብሓጎስ መሊእዎ። እታ እግዚኣብሄር […]
ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ
ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን ኢትዮጲያን ሶርያን ግብጽን ብሓባር ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ኣብ ሊብያን ሶርያን ግዳያት ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ተኻይዱ ። እቲ ንግዳያት ኣረሚናዊ ጉጅለ ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ንምዝካር ትማሊ ሓሙስ 2015 05 17 ኣብ ከተማ ስቶክልም ዝተኻየደ ፍሉይ መደብ ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ […]
ጸግ ኣበሎ!!
ድሕሪ ኣዝዩ ዘፍርህ ግዕዞ ኣብ መሊጠ ትበሃል ደሴት በጽሑ። ጉዕዝኦም ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ ዝነበረ። ማዕበል እናገፍዖም፣ ተስፋ ምንባሮም ክሳዕ ዝቀብጹ ኣዝዩ ጸቢብዎም ነበረ። ማዕበል ስለ ዝበርትዖም ጉዕዛኦም ኩሉ ብስድነት ነበረ። እቲ ንፋስ ናብ ዝደለዮ ክወስዳ፣ ነታ መርከብ ንሓይሊ እቲ ንፋስ መጠውዋ። መርከቦም ብስዃን ትቃነ ኣይነበረትን። ንሓይሊ እቲ ንፋስ ንኽትቃወሞ ምንም ሓይሊ ኣይነበራን። ክበጽሕዎ ናብ ዝደለይዎ […]
ፍጥረት
ዕላማ᎓ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ምዃኑ ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” (ዘፍ.1᎓1) መወከሲ᎓ ዘፍጥረት 1 መእተዊ᎓ ሰላም እዞም ደቀይ ከመይ ቀኒኹም? እግዚኣብሔር ይመስገን እስከ በሉ። እወ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ስለቲ ዝገብረልና ሰናይ ነገር ኩሉ ግዜ ከነመስግኖ ይግባእ። እበኣር ከስ ናይ ሎሚ ትምህርትና ከምዚ ይኸውን፦ እስኪ […]