ምስጢረ ክህነት
I. ትርጉም “ምስጢረ ክህነት” ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ቤተክርስቲያን ንኽፍጸሙ ምእንቲ፡ ነቲ ምስጢር እቲ ናይ ምፍጻም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ማዕርግ ዘውህብ ምስጢር እዩ። ”ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ኸአ ኩሎም እቶም ኣባላ ማዕረ እዮም’ሞ፡ ”ኣገልገልቲ” ኢልካ ሰባት ምፍላይ ኣድላይነት የብሉን” ዝብሉ ገለ ፕሮተስታንታውያን ኣለው። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ግጉይ ምዃኑ መብርሂ ክወሃቦ […]