Entries by tc

ገለ ካብቲ ብቅዱስ ኣውግስጢኖስ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ዕርገት ጎይታ።

ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ኣብ 5ይ ክዘ ዝነበረ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦ እዩ፣ ጽሑፋቱ ብግእዝ የለን፣ ኣብ ስንክሳር ኰነ፣ ኣብ መጽሓፈ ሃይማኖተ ኣበው ዉን የለን። ዝያዳ ኣብቲ ምዕራባዊ ክፋል ጥራይ እዩ ዝፍለጥ። ኮይኑ ግና፣ ትምህርቱን መንፈሳዊ መልዕክቱን ኣዝዩ ደስ ዘብልን፣ ተስፋ ዘስንቕን እዩ። ብዛዕባ ዕርገት ካብ ዝጸሓፈ፣ ገለ ክፋሉ፣ እዚ ይመስል። ሎሚ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ […]

ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ከም  ፍቃድ  እቲ ልዑል  ኣምላኽ ኣብ  ሺወደን ከተማ ኦቪስታን ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን  ምእመናን  ዘገልግል  ብስም ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ  ዝተሰምየ ታቦት ኣብ ዝሓልፈ ቀዳም ዕለት 2015/05 /16  ብክብ  ዝበለ ጽንብል ኣብ  ስፍርኡ ኣትዩ። እቲ ንመጀምርታ ግዜ ኣብቲ ከባቢ  ዝኣተወ ቅዱስን  ክቡርን ታቦት ኣቡነ ሊባኖስ ንልቢ እቶም  ምእመናን   ነበርቲ ኦቨስታን ከባቢኣን ብሓጎስ መሊእዎ። እታ እግዚኣብሄር  […]

ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ

            ኣብ ሽወደን  ከተማ  ስቶኮልም ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን  ኢትዮጲያን ሶርያን ግብጽን  ብሓባር ዝተሳተፍዎ  ዝኽሪ እቶም ኣብ ሊብያን ሶርያን  ግዳያት ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ተኻይዱ ። እቲ ንግዳያት ኣረሚናዊ ጉጅለ  ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ንምዝካር ትማሊ ሓሙስ 2015 05 17 ኣብ  ከተማ ስቶክልም ዝተኻየደ ፍሉይ መደብ  ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ […]

ጸግ ኣበሎ!!

ድሕሪ ኣዝዩ ዘፍርህ ግዕዞ ኣብ መሊጠ ትበሃል ደሴት በጽሑ። ጉዕዝኦም ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ ዝነበረ። ማዕበል እናገፍዖም፣ ተስፋ ምንባሮም ክሳዕ ዝቀብጹ ኣዝዩ ጸቢብዎም ነበረ። ማዕበል ስለ ዝበርትዖም ጉዕዛኦም ኩሉ ብስድነት ነበረ። እቲ ንፋስ ናብ ዝደለዮ ክወስዳ፣ ነታ መርከብ ንሓይሊ እቲ ንፋስ መጠውዋ። መርከቦም ብስዃን ትቃነ ኣይነበረትን። ንሓይሊ እቲ ንፋስ ንኽትቃወሞ ምንም ሓይሊ ኣይነበራን። ክበጽሕዎ ናብ ዝደለይዎ […]

ፍጥረት

ዕላማ᎓   እግዚኣብሔር ኣምላኽ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ምዃኑ ምፍላጥ   መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓   “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” (ዘፍ.1᎓1)   መወከሲ᎓ ዘፍጥረት 1   መእተዊ᎓   ሰላም እዞም ደቀይ ከመይ ቀኒኹም? እግዚኣብሔር ይመስገን እስከ በሉ። እወ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ስለቲ ዝገብረልና ሰናይ ነገር ኩሉ ግዜ ከነመስግኖ ይግባእ። እበኣር ከስ ናይ ሎሚ ትምህርትና ከምዚ ይኸውን፦ እስኪ […]

መግቢ ካብ ሰማይ ማይ ድማ ካብ ከውሒ (እምኒ)

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይሕግዘናን ዘድሊየና ዘበለ ድማ ይቕርበልና   መዘኻከሪ ጥቕሲ “ኣምላኽ ናተይ ረዳኢየይ ኢዩ ኣይፈርሕን እየ” ዕብ. 13:6   ዘዳ.16:1-18, ምሳ. 20:1-13   ኣቐድም ኣቢሎም ዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣርእዮም። ነቶም ቆሉዑት ከምዚ ኢልካ ሕተቶም፦ ዝኾነ ነገር ምስ እንደሊ ንመን ክንሓቶ ይግበኣና? መን እዩ ኩሉ ዘድልየና ዘበለ ነገር ዘማልኣልና ወይ ድማ ዝህበና?   ትምህርቲ   ቅድሚ […]

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ምኵራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ካብ ቤተ መቕደስ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣይስራሕን እዩ። ምኵራብ ግና ኣብ ዝኾነ ቦታ ይስራሕ ነይሩ። ምኵራብ፣ ቃል እግዚኣብሄር ዝስበኸሉን ሕጊ ኦሪት እትመሃረሉን ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ዘማራይ ያሬድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ከምዝመሃረ እዩ ዘሚሩ። ቦኣ ኢየሱስ ምኵራበ ኣይሁድ። ወመሃረ […]

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ኣብ ከተማ ቦልነስ ብድምቀት ተኸቢሩ:

ኣብ ሃገረ ስዊዲን፡ ቦልነስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ትማሊ ቀዳም 21 ለካቲት 2015፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሊቃውንት መማህራን፡ ካህናትን ዲያቆናትን  ከምኡ’ውን ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ፥ እቲ ጽምብል ካብ 20 ለካቲት ሰዓት 16፣00 ድ,ቀ ብምቅባል አጋይሽ ጀሚሩ ካብ ሰዓት 20፣00 ድ,ቀ መደብ ብጸሎት […]

ገለ ካብቲ ሰማዒ ዝሰኣነ ናይ ሶማል ምስላታት

ገለ ካብ’ቲ ሰማዒ ዝሰኣነ ናይ ሶማል ምስላታት  ከምዚ ይብል፦ ሓደ ሰብ  ካብቲ ከባቢ ዝጠፍኣት ገመል ንክደሊ ናብ ጫካ ይኸይድ። ድሕሪ ብዙሕ መከራ ነታ ዝጠፍአት ገመል ምስ ረኸባ ናብቲ ዋናኣ ኣብ ክንዲ ዝወስዳ ባዕሉ ከጋልባን ክሓልባን ጀመረ። ነታ ገመል ካብ ኣራዊት ንምድሓን ናብ ጫካ ዝኸደ ሰብኣይ ነታ ገመል ምስ ረኸባ ኣብ ክንዲ ንዋናኣ ዝህባ  ንባዕሉ   ስለ […]