ምስጢረ ጥምቀት
I. ትርጉም ምስጢረ ጥምቀት፡ ናብ ዳግማይ ልደትን ናብ ኣባልነት እታ ቤተክርስቲያንን ዘእቱ ምስጢር እዩ። እቲ ዝጥመቕ ሰብ፡ ስለስተ ግዜ አብ ማይ ከምዝኣቱ እናተገብረ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይጥመቕ። ምስጢረ ጥምቀት፡ ካብ ኩሎም ካልእ ምስጢራት፡ እቲ ቀዳማይ ዝዀነ ምስጢር እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰብ ናብ መንግስተ እግዚአብሄርን ናብ ቅድስት ቤተክርስቲያንን ዝኣትወሉ ቀዳማይ ምስጢር ስለዝኾነ […]