Entries by tc

ምስጢረ ጥምቀት

I. ትርጉም ምስጢረ ጥምቀት፡ ናብ ዳግማይ ልደትን ናብ ኣባልነት እታ ቤተክርስቲያንን ዘእቱ ምስጢር እዩ። እቲ ዝጥመቕ ሰብ፡ ስለስተ ግዜ አብ ማይ ከምዝኣቱ እናተገብረ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይጥመቕ። ምስጢረ ጥምቀት፡ ካብ ኩሎም ካልእ ምስጢራት፡ እቲ ቀዳማይ ዝዀነ ምስጢር እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰብ ናብ መንግስተ እግዚአብሄርን ናብ ቅድስት ቤተክርስቲያንን ዝኣትወሉ ቀዳማይ ምስጢር ስለዝኾነ […]

ምስጢረ ስጋዌ

ስጋዌ ፥ ተሰገወ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ  ስጋ ኮነ ማለት እዩ። ምስጢረ ስጋዌ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣካላት ናይ ስላሴ እግዚኣብሄር ወልድ ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር እዩ። ሰብ ኮነ ናይ ሰብ ባህርያት ስጋን ነፍስን ምስቲ ረቅቕ ባህርያት ኣምላኽ ተወሃሃደ። ኣምላኽ ንምንታይ ሰብ ኮነ? እግዚኣብሄር ንዳምን ንሄዋንን ቃል ኪዳን ብዝኣተወሎም መሰረት ቃል ኪዳኑ ንምፍጻም […]

ምስጢረ ስላሴ

ስላሴ ማለት ሰለስተ ሙዃን ወይ ከኣ ፍሉይ ሰለስትነት ማለት እዩ። ምስጢረ ስላሴ ክበሃል እንከሎ ናይ እግዚኣብሄር ሓድነቱን ኣብ ሓድነቱ ዘሎ ፍሉይ ናይ ሰለስትነቱ ምስጢርን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ ሓድነቱ ፍሉይ ሰለስትነት ኣለዎ። ፍሉይ ሰለስትነት ዘብሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ምኽንያቱ ሰለስተ ጥራይ ኢልና ስቕ ኣይንብልን ኢና። ሰለስተ እንከለው ሓደ ሓደ እንከሎ ሰለስተ […]

“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”

ቅድሚ ሕጂ ነዘን ቃላት እዚኣተን ሰሚዕካየን ትፈልጥዶ፧ ምናልባት ሓኪም ወይ ኣላዪ ሕሙማት ንእተኣዘዘልካ ሕክምና ቀቅድሚ ምጅማሩ ከምኡ ኢሉካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።   ካብ ቃንዛ ንኽትሃድም ኢልካ ጥራይ ‘ሕክምና ክግበረለይ ኣይደልን’ ከም ዘይበልካ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ መጻኢ ምሉእ ጥዕና ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ቃንዛኻ ተጸሚምካ ኢኻ። አረ ኣብ ከቢድ ኵነታትሲ ነቲ ዘቐንዙ ሕክምና ምቕባል ወይ […]

ይትረፈኒ ጽድቂ

ኣማዕቲበ ኩለንትናይበትእምርተ መስቀልኣንቃዕሪረ’ለኹምሕርተካ ክቕበል። ቅድሚ ኩሉእቲ መወዳእታ ዘይብሉሰላምካ ክትህበኒነውጸይ ዝስዕረሉ። ምሕረትካ ኣዝኒብካሓጥያተይ ኣንቂጽካክንዲ ዘቖምካኒብምሕረት ጠሚትካ ንጽውያ ውዕለትካ ብርዐይ ተኺለንምስጋናኻ ኣእዳወይ ኣልዒለቅድሚተይ ንድሕሪት ገዲፈንቅድሚት ሓሊፈከይደ….ከይደ በቃ ከያዳይ ኮይነ። ንተሰሎንጨ ምስ ኩሉ ጽባቐአፎእ! ኢለ መሊሰ ከይሪኣእንከለኹ ኣብ ናይ ጽድቂ ጉዕዞ ብሃንደበትንዓኻ ንዘሳድድ ይንገሰልና ዝብሉሞባእካ ሰሪቖም ንቄሳር ዘቐብሉጎፍ ኢሎምኒ’ቤትካ ካህናት ዝመስሉ መኣስ ንሱ ጥራይ ንወሃቢ ሂወት ቃልካከም መፈራርሒ […]

ኢየሱስ መርዓ ተዓዲሙ ከምዝኸደ

ዕላማ᎓ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምእንታና ናብ ኢየሱስ ከምትልምን ምፍላጥ   መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ” ዮሃ. 02᎓05   መወከሲ᎓ ዮሃንስ 2᎓1-11   መእተዊ᎓ መርዓ ኬድኩም ዶ ትፈልጡ? መርዓዊ ወይ ድማ መርዓት ርኢኹም ዶ ትፈልጡ? እንበኣር ሎሚ መዓልቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡን ደቀ መዛምርቱን ተዓዲሙ ኣብ ዝኸደሉ መርዓ እንታይ […]

ኢየሱስ ምስ ዘኪዎስ

ዕላማ᎓   ኣምላኽና ኣበይ ከምዘለናን ምሳና ክኸውን ከምዝደልን ምፍላጥ   መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ ”….. ሎሚ መዓልቲ ኣብ ገዛኻ ክውዕል ይግበኣኒ እዩ” ሉቃስ 19᎓5   መወከሲ᎓   ሉቃስ 19᎓1-10   መእተዊ᎓ ኣብ መደቀሲኹም ወላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ንበይንኹም እንተትህልዉ እንታይ ትገብሩ ከም ዘለኹም መን ክሪኤኩም ዝኽእል ይመስለኩም? ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይርእየና እዩ። ንሱ ብዛዕባና ኹሉ እዩ […]

እቲ ሕያዋይ ጓሳ

                    ዕላማ᎓ ከምቲ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረንን ዝሕልወንን ኢየሱስ ድማ ንዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና።   መዘካከሪ ጥቕሲ᎓ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ” ዮሃ. 10᎓11   መወከሲ᎓ ሉቃስ 15᎓3-7   መእተዊ᎓ ካባኻትኩም መን ኣሎ ድሚጺ ኣባጊዕ ሰሚዑ ዝፈልጥ? ሓደ ጓሳ ወይ ድማ ሓላው ኣባጊዕ እንታይ ከምዝገብር መን ኣሎ ዝነግረኒ? ሓደ ጓሳ ኣባጊዑ መታን ክበልዓ […]

ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ን ኤልሳዕ ገዛ ሰሪሓትሉ

    ዕላማ᎓ ዘለካ ምስ ሰብ ተኻፊልካ ምጥቃምን ንኻሎኦት ምፍቃርን   መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ነንሕድሕድና ንፋቐር” 1ይ ዮሃ 4᎓7   መወከሲ᎓ 2ይ ነገስት 4᎓8-11   መእተዊ᎓ ካብ ኩሉ ዘዓበየ ነገር ክህልወና ዝግባእ ፍቕሪ እዩ። እንተ ደኣ ነንሕድሕድና ተፋቒርና እቲ ዝበለጸን ቅኑዕ ነገርን ንገብር ኣሎና። እንተደኣ ከምዚ ኾይኑ ድማ ደቂ ኣምላኽ ከብለና ዝኽእል ነገር ጌርና ማለት እዩ። […]

ናይ ባንን ዓሳን ተኣምራት

  ኣምላኽ ኣዚዩ ዘፍቅረናን ንሕና ከይበልናዮ ከለና ኩሉ እቲ ንደሊዮ ይህበና   መዘኻከሪ ጥቕሲ   “ ኣነ ብልዒ ሓቂ እየ” ዮሃ. 6:35   ዮሃንስ 6:1-14     ንዓና ብዝበለጸ መን ይፈትወና, ኣቦና : ኣዴና : ሓፍትና ወላስ ሓውና? ልዕሊ ኹሉ መን ይፈትወና? ልዕሊ ኹሉ ኣብሊጹ ዝፈትወና ሓደ ኣሎ። ንሱ ድማ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። […]