Entries by tc

ሕያዋይ ሳምራዊ ናይ ግብረሰናይ ማሕበር

ተልእኾና (Our Mission) እዚ ብሕያዋይ ሳምራዊ ተሰይሙ ዘሎ ናይ ተራድኦ (ግብረሰናይ) ማሕበር ኣብ እዋን ሽግር ህጹጽ ረዲኤት ንምሃብን ኣብ ማሕበራዊ ለውጢ ከኣ ናይ ዕብየት መደባት (Development Programmes) ንምትግባርን ኣብ 2016 ኣብ ዝተገብረ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሃገረስብከት ስካንዲናቭያን ፊንላንድን ዝቖመ ኦርቶዶክሳዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር እዩ። ራእይና (Our Vision) ራእይ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ […]

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ቦልነስ ትማሊ ቀዳም 24 ለካቲት 2019 ብድምቀት ተጸምቢሉ

ኣብ ሃገረ ስዊዲን ቦልነስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ትማሊ ቀዳም 23 ለካቲት 2019፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንት፡ ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡውን ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ።

ኣብ ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ፊንላንድን ርክብ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ተካይዱ

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ፊንላንድን ምስ ኮሚቴ’ቲ ሃገረ ስብከት፣ ሎሚ ዕለት 19-01- 2019 ኣብ ሽወደን ከተማ ያቭለ ርክብ ኣካይዱ፡፡ እቲ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት መእተዊ ጸሎት ብሊቀ ካህናት እቲ ሃገረ ስብከት ቀሺ ኣፈወርቂ ድሕሪ መሃብ፣ ቀጺሉ ሓጺር ሌላ ምስቶም ኣብ ስራሕ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ዝጸንሑ ኣባላትን ሓደሽቲ ኣባላትን ጌሩ፡፡ ብሊቀ ካህናት […]

ዋዕላ ኣይሁድ ንዕብየት’ዶ ፡ ንዕንወት?

እቲ ሊቀ ኻህናትን እቶም መራሕቲ ኣይሁድን ዚገብርዎ ሓርቢትዎም ነበረ። ነቲ ምስ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ምልዕዓል ብኸመይ ኪጭፍልቕዎ ይኽእሉ? ንየሱስ ከም ዚቕተል ብምግባር ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸቡ: ደቀ መዛሙርቱ ግን ንየሩሳሌም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ብዚገልጽ ወረ መልእዋ። ብኸመይ ስቕ ምባሎም ይከኣል? ምክንያቱ፡ “ሓዋርያቲሁ ከበበ፡እግረ ኣርዳኢሁ ሓፀበ፡ ኮኖሙ ኣበ ወእመ” ማለት፡ ነቲ ከም ኣቦን ኣደን ኮይኑ ዝናበዮም […]