ፍጥረት

ዕላማ᎓   እግዚኣብሔር ኣምላኽ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ምዃኑ ምፍላጥ   መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓   “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” (ዘፍ.1᎓1)   መወከሲ᎓ ዘፍጥረት 1   መእተዊ᎓   ሰላም እዞም ደቀይ ከመይ ቀኒኹም? እግዚኣብሔር ይመስገን እስከ በሉ። እወ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ስለቲ ዝገብረልና ሰናይ ነገር ኩሉ ግዜ ከነመስግኖ ይግባእ። እበኣር ከስ ናይ ሎሚ ትምህርትና ከምዚ ይኸውን፦ እስኪ […]

መግቢ ካብ ሰማይ ማይ ድማ ካብ ከውሒ (እምኒ)

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይሕግዘናን ዘድሊየና ዘበለ ድማ ይቕርበልና   መዘኻከሪ ጥቕሲ “ኣምላኽ ናተይ ረዳኢየይ ኢዩ ኣይፈርሕን እየ” ዕብ. 13:6   ዘዳ.16:1-18, ምሳ. 20:1-13   ኣቐድም ኣቢሎም ዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣርእዮም። ነቶም ቆሉዑት ከምዚ ኢልካ ሕተቶም፦ ዝኾነ ነገር ምስ እንደሊ ንመን ክንሓቶ ይግበኣና? መን እዩ ኩሉ ዘድልየና ዘበለ ነገር ዘማልኣልና ወይ ድማ ዝህበና?   ትምህርቲ   ቅድሚ […]

ዓሰርተ ኽልተ ፍሉያት ኣዕሩኽ

ዕላማ : ብዛዕባ ትርጉም ሃዋርያነት ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ: ነንሕድሕድኩም እንተተፋቐርኩም በዚ ደቂ መዝሙረይ ምዃንኩም ኩሎም ክፈልጡ እዮም”  ዮው  13:35 መወከሲ: ማቴ.10 መእተዊ: ኣዕርኽቲ ዘለውዎ መን  ኣሎ፧ ክንደይ ኣዕርኽቲ ኣለውኻ/ኺ፧ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣስማት ኣዕርኽቶም/ተን ይንገሩ። ናይቶም ዓስርተ ኽልተ ሃዋርያት ስእሊ ቀሪብካ ንኽቖጽርዎም ኣቕርበሎም። ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ነየናይ ሃዋርያ ከምዝውክል ሕተቶም። ትምህርቲ: ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣምላኽ ክምህር ክጅምር […]

ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ

ዕላማ᎓ ኢየሱስ ሕሙማት ከምዝፍውስን ስለ ዝሓመሙ ክንጽሊ ከምዝግበኣናን ንምምሃር መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ማርቆስ 02᎓9 መወከሲ᎓ ማርቆስ 2᎓1-12 መእተዊ᎓ ኣዕሩኽ ኣለውኹም ዶ? እስኪ ካብቶም ኣዕርኽትኹም ናይ ገሊኣቶም ስም ንገሩኒ። ምስ ኣዕርኽትኹም እንታይ ትገብሩ? ካብ ምጽዋት ሓሊፍኩም ካልእ ነገር እንታይ እንታይ ትገብሩ? ነኣብነት ፦ ቤተ ክርስቲያን ብሓንሳብ ትኸዱ ዶ? ነንሕድሕድኩም ትተሓጋገዙ ዶ? እንበኣር ናይ […]

samuel

ሳሙኤል ኣብ ድቃሱ ከሎ ኣምላኽ ጸውዖ

ዕላማ᎓ ቅድሚ ምድቃስና ናይ ግድን ክንጽልን ንኣምላኽ ክንስምዖን ከምዝግበኣናን ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ ጎይታይ ባሪያኻ ይሰምዓካ ኣሎ’ሞ ተዛረብ” 1ይ ሳሙኤል 03᎓09 መወከሲ᎓ 1ይ ሳሙኤል 3᎓1-10 መእተዊ᎓ ቅድሚ ኣብ ዓራት ክትድቅሱ ምኻድኩም እንታይ እንታይ ትገብሩ? ስንኹም ተሓጺብኩም ፒጃማ ትኽደኑ ዶ? መጽሓፍ ተንብቡ ዶ? እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ተንብቡ? ናይ ጽንጽዋይ መጽሓፍ ድዩ ወላስ መጽሓፍ ቅዱስ? ትጽልዩ ዶ? […]

ብፌስቡክ