Entries by tc

መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2021 ዓ ም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን!

ንኩልኹም ህዝቢ ክርስቲያን ብፍላይ ካኣ ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን፣ ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ንብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። ከምኡ ካኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በዓል ልደት ጎይታና ዓመት መጸ ኣብ ቅነ ሓዲሽ ዓመት ፈረንጂ እዩ ዝኽበር እሞ፣ በዚ ኣጋጣሚ ናብ ጎርጎርዮሳዊ ሓዲሽ ዓመት 2021 ዓ ም እውን እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክንብል ንፈቱ።

ሰሙነ ሕማማት

ብሰንኪ እዚ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ህዝቢ ኣብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቡ ክጽልን ክሰግድን ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለዝሎ ምእመናን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ምእንቲ ክከታተሉን ክሰግዱን ኩሉ እቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝካየድ ናይ ጸሎትን ስግደትን መደብ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መስመር ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ። እቶም ዝከኣልኩም ምሳና ሓቢርኩም ክትጽልዩን ክትሰግዱን ብኣኽብሪት ንዕድም።

ንኮረና ቫይረስ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ

ዝኸበርኹም ህዝበ እግዚኣብሔር፡

ኣብ ዘዘለኹሞ ብደሓነ ሰላም ክትህልዉን ካብዚ ናይ ጾምን ሱባኤን ወቕቲ ካኣ መንፈሳዊ ዕቤትን በረኸትን ትረኽቡ ክትህልዉንጸሎትናን ትምኒትናን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምና በዚ ተኸሲቱ ዘሎ CORONAVIRUS (COVID-19) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ተላባዒ ሕማም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ትርከብ ኣላ። ዝምልከቶም ኣካላትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ውን ሰብ ንምድሓን ብዙሕ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ። ንሕና ውን ከም ክርስቲያን ኣብቲ ንምክልኻሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት እጃምና ከነበርክትን ምትሕብባርና ከነርእን ክርስቲያናዊ ግዴታ ኣሎና። በዚ መሰረት ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት ካብ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ሓበሬታ ብምውሳድን ምስ ካህናት ጉባኤ ብምግባርን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ተግባራውያን ዝኾኑ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ ኣሎ።

መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2020 ዓ ም

“ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጎይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ እሞ ኣይትፍርሁ” ሉቃ 2፡10።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን!

ንኩልኹም ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትግልገሉ ብፍላይ ካኣ ኣብ ሽወደንን ኖርወይን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን እብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም እብል።

ዕድመ፡ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል 2019

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፤ በ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ከነብዕል ስለዝኾና ኩልኻትኩም ህዝበ ክርስቲያን መጺእኹም ናይ ዕለቱ በረኸት ተኻፈልቲ ንክትኾኑ ቤተክርስቲያን ብኽብሪ ትዕድመኩም