ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት
Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden
ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።
ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Swedish bank No: Bankgiro: 374-2806
International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036
Swift code: SWEDSESS
ክፉእ ወሬ (1ይ ክፋል)
ክርስትያን ዘረባኡ ብጸጋ ዝመልአ ብጨው ዝተቋመመ ንሰማዕቱ ባህ ዘብልን ንበረኸት ዝኸውን አዩ ክኸውን ዝግብኦ።
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን ንምህናጽውን ዘድሊ ሠናይ ዘበለ ዘረባ ድአ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ
ኣፍኩም ኣይውጻእ ከምዝበለ (ኤፌ. 4:29)።
ክፉእ ወሬ ናይዚ ኣንጻር ኮይኑ ሽም ሰብ ዘጥፍእ፣ኣእምሮ ዘጨንቕ፣ ተባህለ ተገብረ አንዳበልካ ዝውረ ኣብ ክርስቲያናት ክፍጸም ዘይግበኦ ነውሪ እዩ። ክፉእ ወሬ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ዘስዕብ ሓደገኛ ስነ ምግባር እዩ። ገለ ካብኣቶም ንክፉእ ወሬ ዘተባብዑ ነገራት ሒዝና ቀሪብና ኣሎና።
ሓበሬታ
ሓደ ኣካል እንተተሳቐየ ኩሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ!!! (1ቆሮ 12: 27) ብስም ኣብን ወልድን መፈስቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን። ቀጺልና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተበገሱ ኤርትራውያ ዝሓዘት መርከብ ብምጥሓላ ልዕሊ 155 […]
ኣብ ስቶክሆልም ኩነታት ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ዝርኢ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን ። ትማሊ ሰንበት ዕለት 09/08/2014 ካብ 6000 ክሳብ 10000 ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ። እቲ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ሶርያን ዝተፈላለያ ስቪካውያን ማሕበራትን ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብIsis ዝተባህሉ እስላማውያን ኣብ ኢራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለትን […]
ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ
ዕላማ᎓ ኢየሱስ ሕሙማት ከምዝፍውስን ስለ ዝሓመሙ ክንጽሊ ከምዝግበኣናን ንምምሃር መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ማርቆስ 02᎓9 መወከሲ᎓ ማርቆስ 2᎓1-12 መእተዊ᎓ ኣዕሩኽ ኣለውኹም ዶ? እስኪ ካብቶም ኣዕርኽትኹም ናይ ገሊኣቶም ስም ንገሩኒ። ምስ ኣዕርኽትኹም እንታይ ትገብሩ? ካብ ምጽዋት ሓሊፍኩም ካልእ ነገር እንታይ እንታይ ትገብሩ? ነኣብነት ፦ ቤተ ክርስቲያን ብሓንሳብ ትኸዱ ዶ? ነንሕድሕድኩም ትተሓጋገዙ ዶ? እንበኣር ናይ […]
ንእስነትካ ንጎይታ ዶ ወላስ ንዓለም ?
ንእስነት ዕዳ እያ᎓! ክብሃል ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? እዚ ልሙድ ዝኾነ ኣዘራርባ ሰባት እዩ። ከመይ ኢላ እያ ግን ንእስነት ዕዳ ኮይና᎒ ዕዳ ዝበሃል እኮ ገንዘብ ወይ ንብረት ካብ ሓደ ብጻይካ ተለቂሕካ ትወስዶ እሞ ክሳብ ዘይከፈልካዮ ዕዳ ይኾነካ። ስለዚ ዘይተኸፍለ ነገር ዕዳ ይበሃል። ንመጻኢ ትኸፍሎ ማለት እዩ። ስለዚ በዚ ኣዘራርባ እዚ እንተ ኼድናዮ ንእስነት ድያ ነዓኻ ዕዳ ኾይናትካ ዘላ᎒ ወላስ ንስኻ ኢኻ ንንእስነትካ ዕዳ ኾይንካያ ዘለኻ᎒ መንኩም እዩ ኣለቃሒ᎒ መንኩም እዩ’ኸ ዕዳ ኸፋሊ᎒ ንስኻ ዲኻ ወላስ ንእስነትካ᎒