ዋዕላ ኣይሁድ ንዕብየት’ዶ ፡ ንዕንወት?

እቲ ሊቀ ኻህናትን እቶም መራሕቲ ኣይሁድን ዚገብርዎ ሓርቢትዎም ነበረ። ነቲ ምስ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ምልዕዓል ብኸመይ ኪጭፍልቕዎ ይኽእሉ? ንየሱስ ከም ዚቕተል ብምግባር ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸቡ: ደቀ መዛሙርቱ ግን ንየሩሳሌም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ብዚገልጽ ወረ መልእዋ። ብኸመይ ስቕ ምባሎም ይከኣል? ምክንያቱ፡ “ሓዋርያቲሁ ከበበ፡እግረ ኣርዳኢሁ ሓፀበ፡ ኮኖሙ ኣበ ወእመ” ማለት፡ ነቲ ከም ኣቦን ኣደን ኮይኑ ዝናበዮም ጎይቶምን መምህሮምን ካብ ምስክሩ ከመይ ጌሮም ዓዲ ክውዕሉ? እስከ ንስኻ’ከ ንርእስኻ ኣብዚ የእቲኻ ሕተታ። እንታይ ኮን ምገበርካ? ። እቲ ሊቀ ኻህናትን ደገፍቱን ነዚ ንምውሳን: “እቶም ዋዕላ” ማለት እቲ ላዕለዋይ መጋባእያ ህዝቢ ኣይሁድ “ጸውዑ።”ግብ ሃዋ 5:21
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል: ሮማዊ ኣመሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝለዓለ ስልጣን ነበሮ። ” በዘመነ ጴንጠናዊ ጲላጦስ” ከም ዘሎ እቲ መግለጺ ሃይማኖትና እንጥቀመሉ ጸሎት። 

እታ “ዋዕላ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ብሓፈሻ ንኣኼባ ወይ ንጉባኤ ዚጥቀሙላ ዝነበሩ ቓል እያ። ብመሰረት ትውፊት ኣይሁድ: ነቲ ሃያማኖታዊ ኣካል ፍርዲ: ወይ መጋባእያ እያ እተመልክት።

እቲ ዋዕላ 71 ኣባላት: ማለት እቲ ሊቀ ኻህናትን 70 ኣውራታትን እታ ሃገርን ነበርዎ። ብግዜ ሮማውያን በቶም ልዑላን ካህናት (ብቐንዱ ሰዱቃውያን): ካህናት ዘይኰኑ ኣሪስቶክራት: ከምኡውን በቶም ምሁራት ክፍሊ እቶም ፈሪሳውያን ዝዀኑ ጸሓፍቲ ዝቘመ እዩ ነይሩ። እቶም ልዑላን ካህናት: በቶም ካህናት ዘይኰኑ ምርኡያት እናተደገፉ ነቲ መጋባእያ ይዕብልልዎ ነበሩ። እቶም ሰዱቃውያን ዓቃባውያን ኪዀኑ ኸለዉ: እቶም ፈሪሳውያን ከኣ ለውጥታት ዜምጽኡን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ህዝቢ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮምን ሰባት እዮም ነይሮም። ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝበሎ: እቶም ሰዱቃውያን ነቲ እቶም ፈሪሳውያን ዜቕርብዎ ዝነበሩ ጠለብ ከይፈተዉ እዮም ዚቕበልዎ ነይሮም። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ንርእሱ ኺመጻረየላ ኸሎ: ነዚ ንሕንሕን ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍልልይ እምነትን ተጠቒሙሉ እዩ።ግብሪ ሃዋርያት 23:6-9 ምንባብ ይከኣል። 

እቲ ዋዕላ ብዘይካ ኣብ ሰናብትን በዓላትን: ካብቲ ንግሆ ዚቐርብ መስዋእቲ ኽሳዕ እቲ ምሸት ዚቐርብ መስዋእቲ ኣብ ዘሎ እዋን ውሳነ ንምግባር ይቕመጥ ነበረ። ጕዳይ ኪተሓዝ ዚከኣል ኣብ ግዜ መዓልቲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ናይ ሞት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምስማዕ ንጽብሒቱ ብይን ይንገር ብምንባሩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ድሮ ሰንበት ወይ ድሮ በዓል ኣይተሓዝን ነበረ። እቶም ተሳተፍቲ ንጹህ ደም ከየፍስሱ ሓያል ማዕዳ ይወሃቦም ነበረ። ስለዚ: እቲ ድሮ በዓል ኣብ ቤት ቀያፋ ብለይቲ እተገብረ ንጕዳይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዚምልከት መርመራን ብይንን ሕጋዊ ኣይነበረን። እቲ ዝገደደ ኸኣ: እቶም ደያኑ ባዕሎም ናይ ሓሶት መሰኻኽር ደለዩ: ንጲላጦስ እውን ንየሱስ ንኪቕተል ኣሕሊፉ ንኺህቦ ኣእመንዎ። ማቴ26:57-59፣ ዮሃ 11:47-53፣ 19:

እቶም ናይ ሞት ፍርዲ ኼፍርድ ዚኽእል ጕዳይ ዝሓዙ ደያኑ: ነቲ ጕዳይ ብህድኣት ብምሓዝ ነቲ ኽሱስ ኬድሕንዎ ይጽዕሩ ኸም ዝነበሩ ታልሙድ ይገልጽ እዩ። ኰይኑ ግን: እስጢፋኖስ እውን ከምቲ ቕድሚኡ ንየሱስ ዘጋጠሞ: ከምዚ ዓይነት መርመራ ኣይተገብረሉን። ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ መከላኸሊ ነጥቡ ምስ ኣቕረበ: ጭፍራ ሰባት ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።

እንከ ናብ’ቲ ኣብ ዓድናን ቤተ ክርስቲያናን ዝግበር ዘሎ ንመለስ ? 
“ዋዕላ ጳጳሳትና ንዕብየት’ዶ ንዕንወት”?። ዑደት ጳጳሳትና ናብ ኤውሮጳ ንዕቤት’ዶ ንዕንወት? ፡ጉባኤ ጳጳሳትና ንዕቤት’ዶ ንዕንወት? ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳን ከባቢኣን እናተባህለ፡ነገር ግን በኣስን ጸለመን ዝሓዘለ ጉዕዞ። ግን ክሳብ መዓስ? ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ብጉዳይ ቤተ ክርስቲያን እትሓሙ፡ ዝዓበኹም ዝነኣስኩም ምእመናን ክርስቲያን፡ ኣስተውዕሉ! እዚ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን እትርእይዎ ዘለኹም፡ ንብጹእ ወቅዱስ 3ይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሃገረ ኤርትራ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ንምጽላምን ሽሞም ንምጥፋእን ዝዓለመ ጉዕዞ ጳጳሳትና ዓገብ ክንብሎ ይግባእ። ከም ኒቆዲሞስ፥ “ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ከይኣፍለጦንዶ ይፈርዶ ኢዩ? (ዮሃ 7፡51) ክንብል ውን ኣሎና። 
ጸላኢ ክርዳድ ክዘርእ እንከሎ ንሕና ድማ ስርናይ ክንዘርእ ትጽቢት ይግበረልና፡ ከም ኣቦታትና “ሓዋርያት”። ጸላኢ ካብቲ ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንምጥፋእ ዝተጠቕመሉ ሜላ ንላዕሊ ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። ንሱ ሕማቕ ወረ ክዘርእ ህርግዲም እንተበለ፡ ንሕና ግና ሰናይ ወረ ክንዘርእ ትጽቢት ይግበረልና።
ንሱ ካብ ቀደሙ” ከሳሲ” ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ኢዩ። ካብ ክሲ ዓዲ ኣይውዕልን ኢዩ። ንስም ኣቦና ንምጥፋእን ምድዋንን ላዕልን ታሕትን እንተበለ ክንጎርሓሉ ኣሎና።
ኣምላኽ ምስትውዓል ይሃበና!።
+ ወይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ+

“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”

ቅድሚ ሕጂ ነዘን ቃላት እዚኣተን ሰሚዕካየን ትፈልጥዶ፧ ምናልባት ሓኪም ወይ ኣላዪ ሕሙማት ንእተኣዘዘልካ ሕክምና ቀቅድሚ ምጅማሩ ከምኡ ኢሉካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

ካብ ቃንዛ ንኽትሃድም ኢልካ ጥራይሕክምና ክግበረለይ ኣይደልንከም ዘይበልካ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ መጻኢ ምሉእ ጥዕና ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ቃንዛኻ ተጸሚምካ ኢኻ። አረ ኣብ ከቢድ ኵነታትሲ ነቲ ዘቐንዙ ሕክምና ምቕባል ወይ ዘይምቕባል ናይ ሞትን ሕየትን ጕዳይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

ኵሉ ሳዕ ሕክምና የድልየና ኢዩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ ዅላትና ዘይፍጹማት ብምዃንና ወትሩ ተግሳጽ ወይ መአረምታ የድልየና ኢዩ። አረ ሓድሓደ ግዜስ እዚ ተግሳጽእዚ ዘሕምም እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 10:23) መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣድላዪ ነገር እዚ ኣብ ቈልዑ ኸውዕሎ ኸሎ ከምዚ ብምባል የጕልሕ:- “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ: ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።ምሳሌ 22:15

 

እቲ ኣብዚ ሸቦጥ ተባሂሉ ዘሎ ንናይ ወለዲ ስልጣን ዘመልክት ኢዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ተግሳጽ ከም ዘይፈትዉ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ተግሳጽ ብመልክዕ መቕጻዕቲ ምስ ዝወሃቦም ከኣ ከማርሩ ይኽእሉ ኢዮም። ለባማትን ፈቃራትን ወለዲ ግን ኣብቲ ንውሉዶም ዝስምዖ ሕማቕ ስምዒት ዘይኰነስ ኣብቲ ዘምጽኦ ረብሓ ኢዮም ዝጥምቱ። ክርስትያን ወለዲ እቲቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪዝብል ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። እብራውያን 12:11 ምሳሌ 13:24

 

ርግጽ ኢዩ: ተግሳጽ ዘድልዮም ቈልዑ ጥራይ ኣይኰኑን: ዓበይቲውን የድልዮም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስህይወትካ እያ እሞ: ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ: ሐልዋውንብምባል እተዛረቦም ንዓበይቲ ኢዩ። (ምሳሌ 4:13) እወ: መስተውዓልቲ ሰባት ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ተግሳጽ ይቕበሉ ኢዮም:

 እሞ ሎሚ ክግስጾ መዲበ ዘለኩ ነቲ ይሪኢ ዝብል ዘይሪኢ ይሰምዕ እየ ዝብል ዘይሰምዕ ክርስትያን ዝብል ግን ግብሪ ክርስትያን ዘይብሉ ሓዉ እንዳሞተ ኣብ ፈቀዶ ዳንከራን ዕብዳንን ዝርከብ ህዝቢ ወስ ከብለሉ።

 ከምቲ ቅዱስ ቃል ዝብሎ፡ ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ ዝበሎ። ኣታ ህዝቢ ሎሚ ውን ንስኻ አትገብሮ ዘሎኻ ስነ ምግባር።

 እምነት ዘይብሉ ሰብ ዘይግብሮ እዩ። ሕጅስ ድያቆን መሪርዎ አዩ ትብል ትህሉ። እግዚኣብሄር አዩ መሪርዎ ተግባርካ፡ ኣነ ድማ ሞት የሕዋተይ ከም ሓሞት ሓርማዝ መሪሩኒ ኣሎ። ግን ኣምላኽ ይነብዕ ኣሎ ብሰንክኻ፡

 

ይብል እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት እቲ ከም ሓዊ ተመሲሉ ዝመጽእ ቁጥዓ እግዚኣብሄር ከም፡ብቕቡቅ ከይበቆጸካ ናብ ልብካ ተመለስ። ይኣክል ጋይላ ኣክል ዳንከራ ኣክል ሳዕሳዒት ናብ ኣምላክካ ተመለስ። ኣብ ትሕቲ እግሩ ከም ሰብ ነነዌ ውደቅ እንተዘይ ኮይኑ፡ ንስካ ውን ክትጠፍእ ኢኻ።

 

ካብቲ ዝገርም ተግባርካ፡

 

ንቤተክርስትያን 5 ሳንቲም ሞባእ አንዳውደቅካ 500 ከፊልካ ከኣ ዲስኮ ትሓድር። 3 ለይቲ ዝኣክል ኣብ ዳንከራ ትሓድር ግን ክልተ ሰዓት ኣክል ተጊህካ ዘይተቀድስ ቅዳሰ ነዊሑ ትብል። ኣብ ርሑቅ ዳንከራ ኣሎ እንተበሉኻ ዘጥፋእካ ኣጥፊእካ ትክከይድ፡ ክብረ በዓል ኣሎ እንተበሉኻ ድማ ገንዘብ ናይ ትራንስፖር ትስእን፡ ኣንታ ከመይ ዝበሉኻ ኢኻ እረ ወረ ካበይ ኢኻ ተማሂርካዮ እዚ፡ ንሎሚ ይኣክል፡ ተነሳሕ፡ ተመለስ ምሕረት ካብ ፈጣሪ ለምን።

 

ዲያቆን ፋኑኤል።

ይትረፈኒ ጽድቂ

ኣማዕቲበ ኩለንትናይ
በትእምርተ መስቀል
ኣንቃዕሪረ’ለኹ
ምሕርተካ ክቕበል።

ቅድሚ ኩሉ
እቲ መወዳእታ ዘይብሉ
ሰላምካ ክትህበኒ
ነውጸይ ዝስዕረሉ።

ምሕረትካ ኣዝኒብካ
ሓጥያተይ ኣንቂጽካ
ክንዲ ዘቖምካኒ
ብምሕረት ጠሚትካ

ንጽውያ ውዕለትካ ብርዐይ ተኺለ
ንምስጋናኻ ኣእዳወይ ኣልዒለ
ቅድሚተይ ንድሕሪት ገዲፈ
ንቅድሚት ሓሊፈ
ከይደ….
ከይደ በቃ ከያዳይ ኮይነ።

ንተሰሎንጨ ምስ ኩሉ ጽባቐአ
ፎእ! ኢለ መሊሰ ከይሪኣ
እንከለኹ ኣብ ናይ ጽድቂ ጉዕዞ

ብሃንደበት
ንዓኻ ንዘሳድድ ይንገሰልና ዝብሉ
ሞባእካ ሰሪቖም ንቄሳር ዘቐብሉ
ጎፍ ኢሎምኒ’ቤትካ

ካህናት ዝመስሉ

መኣስ ንሱ ጥራይ

ንወሃቢ ሂወት ቃልካ
ከም መፈራርሒ ቀለም
ንእዮረሳሌም ቤትካ
ከም እሳት ባቢሎን
ጌሮም እናመሃሩ

ህዝቢ ምስ  ዘባህርሩ

ምስ ከምዚኦም ዝበሉ’ሞ
ከመይ ‘ለ ክቐዉም?

ኣነ ዝናፈቕኩ
ካብ ጸጋም ናብ የማን ዝመርሑ
ሓጥያተይ ኣጉዲሎም ጽድቂ ዘራብሑ
ኣነ ዝበሃግኩ
ንጹሃን ኣቕሽቲ

ኣብኡ ዝጸንሑኒ

ህሉፋት ቀሸሽቲ

በል ፍረድ ሕጂ ኣንታ ጎይታ ፍርዲ
ከመይ’ዩ ዝኽዎኖ ምስ’ዞም መጻዕደውቲ!

ሰምበት መጸ፣
”እስከ ንኣምር ፈጣሪነ ንቁም በብህላዌነ”
ቅዱስ ግብርኤል በለ
ኢሎም’ናሰበኹ

”እስከ ንኣምር ጳጳስነ ንቁም በበህላዌነ

ኢሎም ምስ ዘይቆሙ ንሓቂ

ካብ ምስኦም ዝቐውም

ገዲፈዮ՚ለኹ ይትረፈኒ ጽድቂ

ብጸጋይ መሓሪ

02-2016

ገለ ካብቲ ብቅዱስ ኣውግስጢኖስ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ዕርገት ጎይታ።

ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ኣብ 5ይ ክዘ ዝነበረ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦ እዩ፣ ጽሑፋቱ ብግእዝ የለን፣ ኣብ ስንክሳር ኰነ፣ ኣብ መጽሓፈ ሃይማኖተ ኣበው ዉን የለን። ዝያዳ ኣብቲ ምዕራባዊ ክፋል ጥራይ እዩ ዝፍለጥ። ኮይኑ ግና፣ ትምህርቱን መንፈሳዊ መልዕክቱን ኣዝዩ ደስ ዘብልን፣ ተስፋ ዘስንቕን እዩ። ብዛዕባ ዕርገት ካብ ዝጸሓፈ፣ ገለ ክፋሉ፣ እዚ ይመስል።

ሎሚ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ኣዩ።  እምበኣር ናትና ልብና ዉን ምስኡ ክዓርግ ይግባእ። እቲ ቅዱስ ሓዋርያ እንታይ ከም ዝበለ ስምዕዎ፣ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ  ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።” /ቆላ 3፥1-3/። ከምቲ ንሱ፣ ዋላ እኳ ናብ ሰማያት ዓሪጉ ክነሱ’ሲ ሕጂ ዉን ምሳና ዘሎ፤ ንሕና ዉን፣ ዋላ’ኳ እቲ ተስፋ ተዋሂቢና ዘሎ ነገራት ኣብ ስጋና ኣይፈጸም፣ ኣብ ምድሪ እንኰለና ብእኡ (ብክርስቶስ) ግና ኣብ ሰማያት ክንህሉ ንኽእል ኢና። ።

ሕጂ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ልዕል ኢሉ ከቢሩ ኣሎ፣ ኮይኑ ግና፣ ሎሚ ዉን ምሳና ምስ ኣካላት ስግኡ (ማሕበሩ) ዝዀንና፣ ምሳና ሓቢሩ፣ ነቲ ንሕና እንቕበሎ መከራ ይካፈሎ ኣሎ። “ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧” /ግብረ 9፥4/ ኢሉ ክዛረብ እንከሎ፣ ነዚ ነገር ከመልክተና ደልዩ እዩ። ካልእ ዉን “ጠምዬ ኣብሊዕኩምኒ” ኢሉ ክምልስ እንከሎ ዉን፣ ንሱ ጠምዩ ዘይኰነስ፣ ምሳና ኮይኑ ነቲ ጥሜት ይካፈሎ ስለዘሎ እዩ።

ስለምንታይ ደኣ ኢና፣ ኣብ ሰማያት ምስኡ ክንዓርፍ፣ ብእምነትን ተስፋን ፍቕሪን ዘይንጽዕር? ንሱ ኣብ ሰማያት እንከሎ፣ ሕጂ ዉን ምሳና ኣብ ምድሪ ኣሎ፤ ንሕና ድማ፣ ኣብ ምድሪ እንከሎና፣ ምስኡ ኣብ ላዕሊ ኣለና። ብመለኮታዊ ሓይሉ፡ ብስልጣኑ፡ ብፍቕሩን ሓይሉን፣ ምሳና ኣብዚ ኣሎ። ከምቲ ንሱ ብኣምላክነቱ ኣብዚ ምድሪ ምሳና ዘሎ፣ ብከምኡ ኣገባብ ንሕና ኣብ ሰማያት ክንህሉ ኣይንኽእልን፣ ኮይኑ ግና ብእኡን ምስኡን ብፍቕሩን፣ ኣብ ሰማያት ክንህሉ ንኽእል።

ናባና ብተዋህዶ ክወርድ እንከሎ፣ ነቲ ሰማያዊ ዙፋኑ ኣይሓደገን፣ ከምኡ ዉን ናብ ሰማያት ክዓርግ እንከሎ ዉን፣ ካባና ኣይተፈልየን። ኣብዚ ምድሪ ብስጋ ኣብ ዝተገልጸሉ ግዜ፣ ፈጹሙ ካብ ኣምላካዊ ዙፋኑ ከም ዘይተፈልየ ከረድኣና እንከሎ፣ ባዕሉ ብቃሉ ከምዚ እዩ ዝበለ፣ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።” /ዮሃ 3፥13/።

እዘን ቃላት እዚአን፣ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ዘረድእ እዩ፣ ምኽንያቱ ንሱ ርእስና እዩ፣ ንሕና ድማ ሰብነቱ (ስግኡ) ኢና።  ከማና ስጋ ሰብ ለቢሱ፣ ምስና ስለዝተወሃሃደ፣ ንሱ ወዲ ሰብ ተባሂሉ እዩ። ንሕና ድማ፣ ምስኡ ሓድነት ስለዘለና፣ ንሕና ዉን ዉሉድ ኣምላኽ ኢና። ስለዚ ዉን እዩ እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ከምዚ ዝበለ፣ “ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ።” /1ይ ቆሮ 12፥12/። ንሱ ማለት ጐይታ፣ ብዙሕ ኣካላት ኣለዎ፣ ኮይኑ ግና ሓደ ስጋ እዩ።

ንዓና ፍሉይ ሓልዮትን ፍቕሪን ስለዘለዎ፣ ካብ ሰማያት ናባና ወረደ፣ መሊሱ ዉን ናብ ሰማያት በይኑ ዓረገ። ብጸጋ ምስኡ ሕብረት ስለዘለና፣ ንሕና ዉን ምስኡ ዓሪግና ኢና። ብዘይካ ክርስቶስ ማንም ናብ ታሕቲ ኣይወረደን፣ ብዘይካ ክርስቶስ ዉን ማንም ናብ ሰማያት ኣይዓረገን። ብርግጽ ኣብ መንጎ ርእሲን ካልእ ሰብነትን ፍልልይ የልቦን ማለት ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፣ እቲ ርእሲ ምስቲ ስብነት ሓድነትን ሕብረትን ስለዘልዎ፣ ንሕና ዉን ምስኡ ምስቲ ርእስና ዝዀነ ክርስቶስ ሕበረትን ሓድነትን ኣሎና። ምስኡ ድማ ዓሪግና ኣለና።

ይትባረክ  ኣምላከ ኣበዊነ ።

ጸግ ኣበሎ!!

ድሕሪ ኣዝዩ ዘፍርህ ግዕዞ ኣብ መሊጠ ትበሃል ደሴት በጽሑ። ጉዕዝኦም ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ ዝነበረ። ማዕበል እናገፍዖም፣ ተስፋ ምንባሮም ክሳዕ ዝቀብጹ ኣዝዩ ጸቢብዎም ነበረ። ማዕበል ስለ ዝበርትዖም ጉዕዛኦም ኩሉ ብስድነት ነበረ። እቲ ንፋስ ናብ ዝደለዮ ክወስዳ፣ ነታ መርከብ ንሓይሊ እቲ ንፋስ መጠውዋ። መርከቦም ብስዃን ትቃነ ኣይነበረትን። ንሓይሊ እቲ ንፋስ ንኽትቃወሞ ምንም ሓይሊ ኣይነበራን። ክበጽሕዎ ናብ ዝደለይዎ ኣንፈት ተምርሕ ኣይነበረትን። ጉዕዞ እዛ መርከብ፣ ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ ዝብል የዘክረካ። እቲ ማዕበል ኣብቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ይናወጽ ስለ ዝነበረ፣ ነታ መርከብ ናብዝን ናብትን ይደፍአ ነበረ። ሓንሳብ ከምዚ መሊሳ ድማ ከምቲ ትበል ነበረት። ከም ሰፍኢ ይብቁጻ ነበረ። ላዕሊ ጸኒሓውን ታሕቲ ትወርድ ነብረት። ዝቀደወ ኣካይዳ ኣይነበሮምን። ብቀትሪ ኰነ ብጸልማት ዕረፍቲ ኣይነበሮም።

ዝናብውን ይዘንብ ስለ ዝነበረ፣ ጸሓይ ከይረኣዩ መዓልታት ሓለፈ። ምንባር ትርጉም ክሳብ ዝስእኑ ኰኑ። ሎሚዶ ወይስ ጽባሕ እናበሉ መዓልቲ ሞቶም ተጸበዩ። ተስፋ ስለ ዝቀበጹ’ውን፣ መፈጸምታኦም ከቀላጥፉ ዝፈተኑ ኣይተሳእኑን ይዀኑ። ምድሓን ተስፋኦም ስለ ዝቀበጹ እንጌራ ንምብላዕ ሸውሃት ኣይነበሮምን። ብኸምዚ ህይወት ግዕዙኦም ኣዝዩ ዘጨንቅ ነበረ። ጳውሎስ ዝበሎም ሰሚዖም እንተዝዀኑ፣ እዚ ኹሉ ኣይምበጽሖም።ኣብዚ ውሽጢ እዚ ኩሉ ዕግርር ግና፣ ብኣምላኹ ተኣሚኑ ልቡ ዝጸንዐ ኣብ መንጉኦም ነበረ።

ብኣምላኹ ተኣሚኑ ስለ ዝነበረ፣ ልቡ ሃዲኡ ነበረ። ኩሉ እኳ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ እንተነበረ ጳውሎስ ግና ንጹር ዝዀነ መሪሕነት ነበሮ። ዝጠፍእ የለን፣ ናብ ሓደ ደሴት ግና ክንግፋዕ ኢና በሎም። ኩሉ ብምኽንያት ማዕበል ተናዊጹ እንጌራ ተሓሲሙ ከሎ፣ ጳውሎስ ግና እንጌራ ኣልዒሉ፣ ኣመስጊኑ በልዐ። ሓይሉ ኣብ ህድኣትን ምውካልን ዝገበረ ብሩኽን ቅዱስን  ናይ ኣምላኽ ሃዋርያን ኣገልጋልን  ልቡ ብኣምላኹ ጽኑዕ እዩ። ብውሽጡ ሰላም ስለ ዝነበሮ፣ ብወጻኢ ዝኸውን ዝነበረ ንናይ ውሽጡ ሰላም ክዝርጎ ኣይከኣለን።

ነቲ ኣብ ህድኣት ዝግለጽ ሓሳብ ኣምላኽ ክርድኦ ኣይተሸገረን። ኣምላኸይ ከምቲ ዝበለኒ ከምኡ ከም ዝገብሮ ይኣምኖ እየ ምስ በሎም፣ ገሊኣቶም ክሃድኡ ጀመሩ። ከምቲ ህጻን ኣብ ሑቅፊ ኣዲኡ ስቅ ዝብል፣ ከምኡ ነፍሲ ጳውሎስ ኣብ ውሽጡ ስቅ ኢላ ነበረት። ኣብ ኣምላኽ ስለ ዝተማሕጸነ፣ ብሰላም ተሓልዩ ይኸይድ ነበረ ። እቲ ሓለቃ ሚእቲ ድማ፣ ዋላ እኳ ብኣፉ ኣየውጽኣዮ፣ ብውሽጡ ግና፣ ብጽንዓትን ትብዓትን ጳውሎስ ተመሰጠ። ብሓቂ ኣምላኹ ፍሉይ እዩ በለ ብውሽጡ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዓቢ ምንዋጽ፣ ኣንፈት ዝፈልጥ ስለ ዝተረኽበ ዝተሓጎሱ ነይሮም እዮም። ሃዲኡ ዘህድእ፣ ንዝተደናገሩ ኣንፈት ዘፍልጥ። ብተስፋ ዝሃብተመ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ከባቢኡ ምዃን ዕርፍ የብለካ። ኣብ ከምዚ ኣንፈት ዝጠፍኦ ጉዕዞ፣ ካብ ኣምላኹ ኣንፍት ዝፈልጥ ክህሉ ትዕድልቲ እዩ። እዚ ድማ ናይዚ ዘለናዮ ዘመን የዘክረካ። ኣብዚ ኣንፈቱ ዝሰኣነ ወለዶ ኣንፈት ዝፈልጡ ኣቦታት ክህናትን ድያቆናትን  ክትረክብ ምኽኣል።

ኸምዚ ኰይኑ ብዙሕ ምስ ሓለፈ፣ ዝነበሮም ክቡር ኣቅሓ ድሕሪ ምጥፋእ፣ ናብ ዝድሕንሉ ደሴት በጽሑ። ብሓቂ ጥራስ ዘይጠፍኡ ከምቲ ነቢይ እግዚኣብሄር ኢሳይያስ ዝበሎ እግዚኣብሄር ገለ ዘርኢ እንተዘይሓድገልናስ ከ ም ሰዶም ምኾና ንጎሞራ ምመሰልና ዝበሎ ምሕረቱ ስለ ዝበዝሓሎም እዩ ነይሩ። ናብ ዝድሕንሉ ደሴት እኳ እንተበጽሑ፣ ህይወቶም ግና ዕረፍቲ ኣይነበሮምን። እቶም ደቂ ዓዲ ምስ ረኣይዎም፣ ደንገጽሎም። ስለቲ ዝበጽሖም መከራ፣ ነፍሶም ቓሕቲዋ ነበረት። ከይበልዑ ብዙሕ ግዜ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፣ ስጋኦም ማህሚኑን ሓሲኡን ይርአ ነበረ። ፍሽኽ ዝብል ኣይነበሮምን። ደመት ትርኢቶም ተደዊኑ፣ ውቃበ’ውን ካብኦም ሃዲሙ ነበረ። ወቅቱ ድማ ክረምቲ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ቆራሪ ነበረ። ማይ’ውን ብዘይምቁራጽ ይሃርም ነበረ። ኩሉ ተደማሚሩ ዳርጋ ኣልሚስዎም፣ ገለ ከም ዘይገብሩ ገበሮም። ክሳብ ዘደንግጹ ኰኑ። ስለዚ እቶም ደቂ ዓዲ ተቀላጢፎም ሓዊ ኣጎድሎም። ከምዚ ኰይኑ ዝረኣየ ጳውሎስ፣ ዝተወጽዑ ምሕጋዝ ልማዱ ስለ ዝዀነ፣ ቀሸም  ክእክብ ንግዳም ወጸ። ቀምሽ ክእክብ ከሎ ድማ ብምክንያት እቲ ረስኒ፣ ተመን ወጺኡ ኣብ ኢዱ ጠልጠል በለ። ነፍሲ ወከፍ ኣፉ ዝሃቦ ተዛረበ። ጳውሎስ ግና ነቲ ተመን “ጸግ” ኣቢሉ ዝጀመሮ ዕይኡ ቀጸለ። ከም ዮ ኣቦታትና ካህናት ኣብ ኣገልግሎቶም ፈተና ከጋጥሞም  እንከሎ ጸግ ኣቢሎም  ስርሖም ዝቅጽሎ ገበሮ።  ጳውሎስ ከም ኩሉ ሰብ ድኻም ነይርዎ እዩ። ንኽሉ ዝበጽሖ ድማ በጺሕዎ እዩ። ከም ኩሉ ሰብ ዝበልዖ መግቢ ሒደት እዩ ነይሩ። ብውሽጢ ኰነ ብወጻኢ ዝገጥሞ መከራ ነይሩ እዩ። የግዳስ ዕይኡ ዝተዋህቦ ሕድሪ ክፍጽምን እንተዘይ ኰይኑ ገዛእ ርእሱ ከም ክብርቲ ጌሩ ይቆጽራ ኣይነበረን።

ነቶም ሰባት ምስ ረኣዮም ከኣ፣ ኣብ ጉዕዞ ዝገጥሞም መከራን ግፍዕን ርእዩ ስለ ዝነበረ ውሽጡ ኣይገበረሉን። ንርእሰይ ይጥዓመኒ ኣይበለን። ነቲ ብማይን ብቁርን በሳሒታን ዝቀምሰለ ኣካላቶም ሓዊ ከም ዘድልዮም ርዱእ እዩ ነይሩ። እቶም ደቂ ዓዲውን እዚ ስለ ዝረኣዩ፣ ተቀላጢፎም ሓዊ ኣጎድሎም። ኩሎም ድማ ክበልዑ ዝተቀረቡ ክመስሉ፣ ነቲ ሓዊ ውትፍ ኢለምዎ ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ሓደ ነገር ኣስተውዓለ። እቲ ዝነድድ ዝነበረ ሓዊ ዕንጨይቲ እንተዘይተወሲኽዎ ክጠፍእ ምኻኑ፣ እቶም ብምቆት እቲ ሓዊ ህይወት ክዘርኡ ጀሚሮም ዘለው ጽጉማት ድማ ናብ ዝነበርዎ ሕሰም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ተረድአ።

ስለዚ ገና ማይ እናወቅዐ ከሎ ቀሸም ክእክብ ናብ ግዳም ወጸ። ንጳውሎስ ዝሓሸ ከም ኩሉ ሰብ ኰፍ ኢሉ ብረስኒ እቲ ሓዊ ክማሙቅን ክጥዕሞን እዩ። ግና ኣገልጋሊ ምኻን ዝሓቶ ዋጋ ተረዲኡ ስለ ዝነበረ፣ ኩሉ ንኽጥዕሞ ንሱ ዋጋ እንተኸፈለ ከም ክብረት ጌሩ ይወስዶ ነበረ። ብፍላይ ግና ብተስፋ ኣምላኽን እምነት መንፈስ ቅዱስን ውሽጡ ረሲኑ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ሒደት ይመስሎ ነበረ። ቀሸም ከም ዝወሰኸሉ መጠን ድማ እቲ ሓዊ ይነድድ ስለ ዝነበረ፣ ዳርጋ ኩሉ መከራኡ ክርስዕ ጀሚሩ ነበረ። ኣብዚ መንጎ እዚ ኹነት ግና ንኣቃልቦ ኩሉ ዝሰሓበ ትርኢት ኣጋጠመ። ተመን ኣብ ኢድ ጳውሎስ ጠልጠል በለ። ኣዝዩ ዘገርም ፍጻሜ እዩ። ምኽንያቱ ብግዜ ክረምቲ፣ ኣብ ግዜ ዝናምን ቁርን ኣትማን ኣብ ጎዳጉዶም ምስ ድቀሱ ብዙሕ ኣይነጥፉን እዮም። ደቂሶም እዮም ዘሕልፍዎ። እዚ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ በሉ። እዚ ዝተረግመ እዩ ድማ በልዎ። ዝደንገጸሉ ወይውን ነቲ ተመን ካብኡ ከልግስዎ ኣይተጓየዩን። ዝመስሎም ትንታነ ሃብዎ። ገሊኦም ቀታል ነፍሲ በልዎ። ብሓቂ ብኣምላኽ ዝተረግመ እዩ በሉ ከይፈርሁ። ብውሽጦም ሓመይዎ። ኣስማት ጠቅዕሉ። ከም ዚ ሎሚ ኣቦ ልዕሊ ኣቦታት ዝወርድ ዘሎ  ፈተና ኾኖ።

እዚ ኹሉ ዝዀነ ንዓታቶም መታን ክማሙቁ ውሽጦም ፍኒሕኒሕ መታን ክብል ዝረኸቦ ምኻኑ ረስዕዎ። ዘይተረድእዎ ነገር እንተነይሩ፣ እቲ ተመን፣ ብምኽንያት እቲ “ዋዒ፣ ሓዊ ዝፈጠሮ ሙቀት” ከም ዝወጸ እሞ ንጳውሎስ ከም ዝነኸሶ እዩ። ዋዒ ጥራይ እዩ ንተመን ንጡፍ ከም ዝኸውን ዝገብሮን፣ ነቶም ዝነጥፉ ድማ ከጥቅዕ ዘበራብሮን ዘተስኦን። ቁሪ ካሳብ ዝዀነ፣ ዝናብ ክሳዕ ዝዘነበ፣ ተመን ኣብ ስፍራኡ እዩ ዝድቅስ። ክነድድ፣ ሙቀት ክኸውን ምስ ጀመረ፣ ሽዑ ግዳይ ክረክብ ከም ዝኽእል ይፈልጥ’ዩ። ሙቀት ጥዑም እዩ። ሓደ ሓቂ ግና ኣሎ። ዕንጨይቲ እንተተወዲኡ ሓዊ ይጠፍእ እዩ። ስለዚ እቲ ሓንሳብ ምንዳድ ዝጀመረ ሓዊ፣ ምንዳዱ ክቅጽል ቀሸም ክውሰዀ ኣለዎ። እቲ ሓዊ ኩሉ ግዜ ክነድድ ኣለዎ። ኩሉ ግዜ ክነድድ ግና ዝሓቶ ዋጋ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ዝናብ ዝጠፍአ ሓዊ እንደገና መሊስካ ክትኣጉዶ ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ ብዘየገድስ ኩነታት ደገ፣ ቀሸም ዝውስኽ ክህሉ ኣለዎ። ፈጣሪውን’እንተዀነ፣ እቲ ሓዊ ኩሉ ግዜ ይንደድ ኣይጥፋእ ኢሉ አዩ።

ጋሻ ሓዊ ኣምላኽ ኣይፈቅድን’ዩ። እቲ ዝነድድ ዘሎ መሊሱ ከነድድ እምበር መታን ከይጠፍእ፣ ቀሸም የድልዮ። የውሃንስ መጥመቅ፣ እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ከጥምቀኩም እዩ በለ። እዚ ኣብ ብዓለ ሓምሳ ዝወረደ ናይ መንፈስ ሓዊ መሊሱ ከንድድን ክቀጻጸል ኣለዎ። ብምኽንያት እቲ ሓዊ፣ ዝሓስአት፣ ዝማህመነት፣ ዝቃሕተወት ነፍሲ መሊሳ ህይወት ስለ ትዘርእን’ ዩ። ስለዚ ዋጋ ዝኸፍል ክህሉ ኣለዎ። ፈጣሪ’ውን እንተዀነ እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፣ ኣይጥፋእ። እቲ ካህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕንጨይቲ የንድድ በለ። ግን ከኣ ሙቀት ህይወት ጥራይ ዘይኰነ ዝዘርእ፣ ተመን እውን ይስሕብ እዩ። ተመን ሕሱምን ብተንኰል ዝተመልአን እዩ። ምስ ሰብ ንዘልኣለም ዝቆመ ጽልኢ ኣለዎ። ናይ ሰብ ጽቡቅ ኣይደልን እዩ። ንሓሳብ ኣምላኽ ዝነብር እሞ ኸኣ ደቂስሉ ኣይሓድርን እዩ። ንእከዩ ኩሉ ግዜ ውዲት ይኣልም። ሕንዙ ኩሉ ግዜ ዝተዋደደ እዩ። ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበሮ ድማ እዚ እዩ ነይሩ።

ንሓሶት ኣቡኣ ስለ ዝዀነን ብዘይካ ክሓርድን ክቀትልን ከጥፍእ እምበር ንኻልእ ስለ ዘይመጽእ፣ ናይ ሓሶት መርዙ ጌሩ ንሓሳባቶም ኣበላሸወ። ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ግና ከምዚ ክብል ነቶም ናቱ ተስፋ ሃቦም፣ “ዝቀትል ሕንዚ እኳ እንተሰተኹም ኣይክጎድኣኩን እዩ”። ኣብ ካልእ’ውን “ልዕሊ ተመንን ዕንቅርብዒትን፣ ልዕሊ ሓይሊ ጸላእን ክትከዱ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ” በለ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ ተስፋ ናቱ ስለ ዝነበረ፣ መርዚ እቲ ተመን ምንም ኣይጎድኦን። ኣብቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ግና ሰሪሑ እዩ። ዝፈለጥዎ ነገር ዘየለ ክነሶም፣ ብዛዕባ ጳውሎስ ብዙሕ ተዛሪቦም። ፈረድዎ፣ ብኩርማጅ ቃላት ከናፍሮም ገረፍዎ። ኣስሉኽ ኣቢሉ መርዚ ሓሶት ብምእታው ንሓሳቦም ስለ ዘበላሸዎ፣ ነቲ ከገልግሎም ኢሉ ብዙሕ ዝጽዕር ዝነበረ ኣሳጢሖም ንውርደት ሃብዎ። መጋብሮ ጸላኢ ኰኑ። ካብ ምኽሪ ጸላኢ መታን ክሕሎ ኢሎምሲ ንሓሳባቶም ቁራዕ ርእሲ ኣይገበሩን። ካልእ ተተረፈ ነቲ ምእንትኦም ኢሉ ብዙሕ ዝጽዓረ፣ ክሕግዝዎ፣ ኣብ ግዜ ጸገሙ ክረድእዎ ምተገብአ። ንሳቶም ግና ክንደይ ከም ዝጸዓረን ኣምላኽ ብእኡ ከም ዝተጠቀመን ረስዕዎ።

እንተ ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ምንም ኣይመሰሎን። ኣይተሰናበደን። ኣይጃጀወን። ኣብ ክንዲ ጽቡቅ ዝገበርኩ ኢዚ’ዶ ምስ ተፈደኹ ኣይበለን። ክንዲ ዝደንገጽኩ እሞ ዝተጋህኩ እዚ ክወርደኒ ኢሉ ኣየጉረምረመን። ኣይተመረረን። ዝቀትል ሕንዚ እኳ እንተነኸሰኹም ኣይኩጎድኣኩምን እዩ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል ብደምቢ ይርድኦ ነበረ። እቲ ዝዀነ ካብ ስራሕ ከታርፎ፣ ኣቃልቦ ክሰርቅ ዝመጸ ተግባር ምኻኑ ኣይሰሓቶን ኣይተዓዘመን።

ነቲ ኣብ ኢዱ ጠልጠል ዝበለ ደኣ “ጸግ” ኣበሎ። ካብ ዕዮ ድማ ኣይተባዀረን። ንሰባት ከእምን ምሳታቶም ክታረኽ ግዜ ኣየሕለፈን። ሰባት ብዛዕብኡ ዘለዎም ርእይቶን ኣመለኻኽታን፣ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መንፈሳዊ ዕዮ ኣየባዀሮን። ኣብ ክንዲ ዘዀለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ኣይበለን። ልቡ ብዘረባ እቶም ሰባት ኣይተዘብሐን። ሰላሙን ጻዓቱን ኣይተዘረገን። ሰባት ዝዀነ ኢሎም እንተጠቀንዎ፣ ንሽሙ ብኽፉእ እንተ ኣልዓልዎ፣ ፋዕራኦም ኣይገበረን። ኹሉ ምስ ግዜ ከም ዝርድኦ ኣይተጠራጠረን። ኣምላኽ ምስኡ ምኻኑ ኣጸቢቁ ተሰዊጥዎ ነበረ። ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ከም ዝዓቢ ተገልጽሉ እዩ። ስለዚ ከኣ  እምነት ኣየጎደለን። ዋላ እኳ እቶም ሰባት እንታይ ከም ዝኸውን ንኽርእዩ ይጽበዩ እንተነበሩ፣ ንሱ ግና ግዶም ኣይገበረን። ንዕኡ እንተ ብጽቡቅ ወረ ወይስ ሕማቅ ወረ፣ ነቲ ዝተዋህቦ ሕድሪ ኣብ መጨረሽታ ከብጽሕ፣ ንብዙሓት ድማ ኣብ ግዜ ጸገማ ክበጽሕ እዩ። ኣገልጋሊ ምኻን ዝሓቶ ዋጋ ተረዲኡ ነበረ። ሰይጣን ደቂስሉ ከም ዘይሓድር ኣይዘንግዖን። ስለዚ ቅልሱ ምስ ደምን ስጋን ኣይገበረን። ዋላ እኳ ብስጋ እንተዀነ፣ ከም ስጋ ኣይተዋግአን። ኣጽዋር ውግኡ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብርቱዕ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከይናወጽ ኣብ ርእሱ ቁራዕ ርእሲ ማለት ምርዳእ ሓሳብ ኣምላኽ ነበሮ።

ሕንዚ እቲ ተመን ክጎድኦ ኣየፍቀደን። ነቲ ካብ ዕዮ ከታርፎ ኢሉ ዝመጸ ተግባር፣ ኣብ ሓሳቡ ኣየቋጸሮን። “ጸግ” ደኣ ኣበሎ። በቲ ዘፍቅሮ ካብ ሰዓርቲ ኣጸቢቁ ከም ዝበልጽ ይፈልጥ ሰለ ዝነበረ፣ ስዒሩ ሓሊፉ። እዚ ድማ ጸጋ እዩ። ስለዚ እምበኣር ነቲ ከም ተመን ዝጥምጠመና  ፈተና ፡ ጸግ ነብሎ ። ኣብ ናይ ሂወትና ወደብ ንክጥምጠም ኣይንፍቀደሉ ፡ ኣብቲ ጽዋዕ ድሕነትና ከም ሓረግ ክጥምጠመና ድል ኣይነሃቦ ከምቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ደኣ ጸግ ነብሎ ። ነዚ ንኽንገብር ጸጋ ናይ ኣምላኽ  ሕብረት ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍቅሪ ናይ ወልድ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ኣይፈለየና ።

ስብሃት ለእግዚኣብሄር  ቺያነ ዘፈጠረ  ።

ዲ፣ ፋኑኤል

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ምኵራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ካብ ቤተ መቕደስ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣይስራሕን እዩ። ምኵራብ ግና ኣብ ዝኾነ ቦታ ይስራሕ ነይሩ። ምኵራብ፣ ቃል እግዚኣብሄር ዝስበኸሉን ሕጊ ኦሪት እትመሃረሉን ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ዘማራይ ያሬድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ከምዝመሃረ እዩ ዘሚሩ።

ቦኣ ኢየሱስ ምኵራበ ኣይሁድ። ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት። ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመስዋዕት። ኣነ ውእቱ እግዚኣ ለሰንበት ወኣቡሃ ልምሕረት። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ ምስያጥ፣ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ትሰመይ። ቦኣ ምኵራቦሙ ወገሰጾሙ ያርምሙ። ኣንከሩ ምሕረቶ፣ ሞገሱ ቃሉ ወጣዕመ ቃሉ ወሳዕስኣ ኣፉሁ።

ትርጉም፣ ኢየሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፣ ካብ መስዋእቲ ምጽዋት እናበለ እለ ቃል ወንጌል መሃሮም። ጎይታ ሰንበትን ናይ ምሕረት ኣቦን ኣነ እየ። መልሲ ክሳብ ዝስእኑ: “ስለምንታከ ቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ እትገብርዎ? ቤት ኣቦይ ቤት ጸሎት እምበር ቤት ንግዲ ኣይኮነን” እናበለ ገሰጾም። ብምሕረቱን በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋን ድማ ይግረሙ ነበሩ።

ወንጌላዊ ማቴዎስ “ኢየሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ እናመሃረ፣ ወንጌል መንግስተ ሰማያት እናሰበኸ፣ ነቲ ህዝቢ ካብ ሕማምን ደውየን እናፈወሰ፣ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እቲ መራሕቲ ኣይሁድ ንኽውደሱን ክርኣዩን ኢሎም ዝቕመጥሉ ስፍራ፣ ክርስቶስ ግና ትምህርቲ ወንጌል ከምዝመሃረሉ ወንጌላዊ ሉቃስ ክምስክር ኮሎ ከምዚ ይብል፣ “ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጎደብኡ ዘሎ ኹሉ ዓድታት ተሰምዔ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፣ ኩሎም’ውን ይንእንድዎ ነበሩ።

ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፣ በመዓልቲ ሰንበት ድማ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፣ ኬንብብ’ውን ተንስአ። መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተቐልዖ ኸኣ፣ እዚ እተጻሕፈ ክፍሊ ረኸበ፣ ንድኻታት ከበስሮም ስለዝቐብኣኒ፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፣ ንዕዉራት ምርኣይ፣ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ክሰብኽ፣ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር’ውን ክሰብክ ለኣኸኒ።ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ኹሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፣ እዚ ጽሑፍ’ዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፣ ኪብሎም ጀመረ። ኹሎም ከኣ መስከሩሉ፣ በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ። ሉቃ 4.14-23

እቲ ኣብ እዋን ቅዳሴ ዝንበብ ወንጌል’ውን፣ ክርስቶስ ነቶም ነጋዶን ንብረቶምን ካብቲ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ከምዝስጎጎም እዩ ዝገልጽ።ኣስዒቡ ድማ፣ “ነዚ ቤት መቕደስ ኣፍርስዎ፣ ኣነ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ክሃንጾ እየ” ኢሉ ስለ ሞቱን ትንሳኤኡን ከምዝተዛረበ ይገልጽ። እቶም ብትምህርቱ ዝተመሰጡ ሰባት እኳ እንተኣመንዎ፣ ልቢ ሰባት ዝፈልጥ ጎይታ ስለዝኾነ ግና፣ ናይ ውሽጢ ልቦም ርእዩ ኣይተቐበሎምን። “ኢይፈቅድ ይንግርዎ፣ ግእዞ ለሰብእ፣ እስመ ላዕሌሁ የኣምሮ ለሰብእ።” ብዛዕባ መንነት ሰባት ክነግርዎ ኣይጽበን፣ ንሱ ባዕሉ ንሰባት ይፈልጦም እዩ እሞ” ክብል ዮሃንስ ጽሒፉ ኣሎ።

ስለምንታይ እዩ ክርስቶስ ነቶም ነጋዶን ንብረቶምን ካብቲ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ዝሰጎጎም።

ዮውሃንስ ወንጌላዊ  መድሓኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብክቱር ንዕቀት  ንቤት ጸሎት ኣምላኽ  ናብ መሻቐጢ ዝለወጥዎ ሰባት ብነድርን ብቑጥዓን ከምዝሰጎጎምን ንብረቶምን ገንዘቦምን ካኣ ከምዝበተኖን ገሊጹልና ኣሎ። ከምዚ ሎሚ ዘለናዮ ዘመን ሰብ  ኣዝዩ ከፊኡ ልቢ ሰባት ተሪሩ እምነት ካብ ገጽ ምድሪ ጠፊኡ ስለ ዝነበረ እቶም ናይ ሽዑ ሰባት ነቲ መጸለዪን መማህለልን ተባሂሉ ዝተሰርሓ ቤት ኣምላኽ ናብ ቤት ንግዲ ቀይሮሞ ወረድ ደይብ እናበሉ ዘረባ ዕዳጋ ክዛረቡ  ይውዕሉ ኔሮም። እወ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ክነብርስ መቕደስ ግበሩለ ዝበለ ኣምላኽ ርሕርሕ ኣቢሎም ገንዘብ ይሕሸና ክብረት ይበልጸና ብማለት ንቤቱ  መናገዲ ጌሮሞ። አየ ልቢ ሰብ ክተርር እንከሎ እንታይ ዘይገብር። ንፈርኦን እሞ ዘክርዎ እዚ ኩሉ ተኣምራት እናረኣየ ገና ልቡ ክምለስ እይከኣለን። ስለ ዝኾነ ካኣ ምስ ኣምላኽ ክርክር ሒዝዎ ኣብ ባሕሪ ተዋሒጡ ክሳብ ዝተርፍ ኮነ። ልቢ ሰብ ክሳብ ክንድዚ ዝተርር ስለምንታይ እዩ ዝብል ሓሳብ ዶ ይመጸኩም፣ ብዘይቀልዓለም ፈትዩ ኣይኮነን። እንታይ ዳኣ መንፈስ ኣምላኽ ዝተፈለዮ ሰብ ምስ ሰይጣን ዝተመሓዘወ ሰብ ብቐሊሉ ናብ መገዲ ኣምላኽ ክምለስ ዝከእል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ እዞም ኣብ ዘመነ ኦሪት ዝነበሩ ህዝቢ ነቲ መቕደስ ኣምላኽ ናብ ቤት ንግዲ ቀይሮሞ። ኣብ  መጽሓፍ ቅዱስ ዓገብ!!! ቤት ኣምላኽ ሰፈር ነጋዶ ክኸውን ኣይግባእን ኢሉ ደው ዝበለ ሰብ ኣይተጠቕሰን። ምናልባት ፈሪሕና እምበር እዚስ ቅኑዕ ኣይኮነ እናበሉ ርእሶም ሓኸፍ ሓኸፍ ዘብሉ ሰባት ኔሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር Bፍቕሪ ኣምላኽ ተሳሒቦም ደው ኢሎም ክሳብ ዘይተዛረቡ ክጥቀሱ ኣይከኣሉን። እቲ መገዲ ሓቅን ህይወትን ዝኾነ ጎይታ ግን ብነድሪ ተንሲኡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ንግዲ ምክያድ ነውሪ እዩ እናበለ ንኹሎም ሰጊጉ ነታ ቤቱ ኣጽረያ።

ጸሎት

ኦ ጎይታ ከምቲ ነቶም ነጋዶ ዝሰጎግካ ሎሚ ውን ነቶም ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ንምፍራስ ድቃስ ስኢኖም ዝጋዝሙ ዘለዉ ክዳን ጳጳሳት ዝተኸድኑ ወተሃደራት ካብ ቤትካ ስጎግ፣

ኦ ኣምላኽና ነቶም ንካህናትካ በቲ ሓደ ኢድኩም መስቀል በቲ ሓደ ኢድኩም ብረት ሓዙ እናበሉ ንካህናትካ ብረት ዝዕድሉ ዘለዉ ጳጳሳት ኢና በሃልቲ ንኹሉ ግብሮም ካብ ላዕሊ ተመልከት እሞ ቀልጢፍካ መልሲ ሃብ።

ሓቀኛ ፈራዲ ዝኾንካ ፈጣሪ ነቶም ኣብ ግዜ ጾምን ስባኤን ኣብዚ ዓብን ክቡርን ዝኾነ 40 ጾም ኣብ ክንዲ ናብ ዳዊትን ጸሎትን ዝተግሁ ህዝቢ ንምፍልላይን ንፋስ ኤውሮጳ ንምስትምቓርን ቢራ ተሓንጊጦም ፈቖዶ ባራትን ሆቴላትን ኮለል ዝብሉ ዘለዉ ኣፍራስ ዲያብሎስ ዝኾኑ ደቂ ይሁዳ ተመሊሶም ህይወቶም ክፍትሹ ናብ ንስሓ ኣብሎም።

ኣምላኽ እቲ ኣብ ቤትካ ዘለኒ ፍቕሪ ዳኣ የዛርበኒ ኣሎ እምበር ንስኻ ዘይትፈልጦ ስዉር ነገር የልቦን ንኩሉ እናረኣኻ ዝስጎግ ሰጊግካ ዝጎሓፍ ጉሒፍካ ነታ ትሊኽ ትብል ዘላ ብደምካ ዝመስረትካያ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ቅኑዓት መራሕቲ ፍጠረላ።

ክቡራት ኣመንቲ፣ ሎሚ ህይወትና ከመይ ኣሎ? ህይወትና ቤት መቕደስ ኣምላክ እያ’ሞ ማዕከን ሓጢኣት ኮይና ከይትህሉ ገዛእርእስና ንመርምር። ኣብ ሱባኤ (ጾምን ጸሎትን) ኢና ዘሎና’ሞ፣ ንዝተጸዋዕናሉ ህይወትን ናብራን ክንበቕዕ: ርእስና እናመርመርና ብንስሓ ናብቲ ዙፋን ኣምላኽ ብትብዓት ቀሪብና ምሕረት ምእንቲ ክንረክብሲ እንሆ ልባዊ ውሳኔ የድልየና ኣሎ።

እግዚኣብሄር ይርድኣና፣ ኣሜን።

camel2

ገለ ካብቲ ሰማዒ ዝሰኣነ ናይ ሶማል ምስላታት

camel2ገለ ካብ’ቲ ሰማዒ ዝሰኣነ ናይ ሶማል ምስላታት  ከምዚ ይብል፦

ሓደ ሰብ  ካብቲ ከባቢ ዝጠፍኣት ገመል ንክደሊ ናብ ጫካ ይኸይድ። ድሕሪ ብዙሕ መከራ ነታ ዝጠፍአት ገመል ምስ ረኸባ ናብቲ ዋናኣ ኣብ ክንዲ ዝወስዳ ባዕሉ ከጋልባን ክሓልባን ጀመረ። ነታ ገመል ካብ ኣራዊት ንምድሓን ናብ ጫካ ዝኸደ ሰብኣይ ነታ ገመል ምስ ረኸባ ኣብ ክንዲ ንዋናኣ ዝህባ  ንባዕሉ   ስለ ዝወሰዳ ብዙሓት ክግረሙ ጀመሩ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ካብታ ገመል ጸባ እናሓለበ ኣብ ዝባና ተወጢሑ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ህዝቢ ጸባ ክሸይጥ ጀመረ። ይኹን እምበር በቲ ዝሸጦ ጸባ ቀልጢፉ ክህብትም ስለ ዘይከኣለ ናብ’ቲ ጸባ ማይ ሓዊሱ ክሸይጥ ጀመረ። ” እቲ ህዝቢ ካኣ እንታይ እዩ እዚ ሰብኣይ ኣመሉን ጸባኡን  ተቐይሩ” እናበለ ክገዝእ ጀመረ። እቲ ሰብእይ ናብቲ ጸባ ብዙሕ ማይ እንዳወሰኸሉን እተን ኣግማሉ ካኣ እንዳበዝሓን ከዳ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ካብቶም ኣብቲ ሃገር ዝርከቡ ብብዝሒ ጸባ ዝሸጡን ዝበዝሓ ኣግማል ዝውንኑን ሃብታማት ዝለዓለ ሃብታም ኮነ። ነበርቲ እቲ ከባቢ “እዚ ሰብ እዚ ትማሊ ገለ ኣይነበሮን። ዝጠፍአት ገመል ክድሊ ናብ ጫካ ከይዱ ድሕሪ ምምላሱ ናብ ከተማ ኣትዩ ብሓንሳብ ካኣ ሃብቲሙ” እናበሉ ክግረሙ ጀመሩ። ጸባ ጥራይ ሸይጡ ኣብ ክልተ ዓመት ብኸመይ ሰለስተ ምኢቲ ኣግማል ክገዝእ ክኢሉ። ዝብል ናይቲ ኩሉ ህዝቢ ወረ ኮነ።

እቲ ሰብኣይ ግን ነዚ ግምት ከይሃበ ናብቲ ጸባ ማይ ምውሳኽ ቀጸለ። እዚ ከይኣኽሎ ካኣ እቲ ዘፍርዮ ጸባ ዝተፈልየን ምኻኑ ዘውርዩ ሰባት ቆጺሩ ወረ ከምዝዝርግሑ ገበረ። ሓደ ሓደ ግዜ ንመልክዕ ጥራይ ጸባ ይውስኸሉ እምበር እቲ ዝበዝሐ ማይ ዘሊሉ ይሸጦ ነበረ። ሕዝቢ የማርር ኣሎ፣ በቲ ሓደ ወገን  ብሃንደበት ኣብ ሓጺር ግዜ  ጸዊዖምኻ ዘይትሰምዕ ሃብታም ኴንካ ነዚ ተዓጊስናካ ከነብቅዕ ድማ ነቲ ጸባ ኣውሒድካ ማይ እንዳብዛሕካ ክትሸይጥ ጀሚርካ እንተበልዎ “ስቕ እስኪ በሉ፣ ካብ ናተይ ጸባ ሓሊፉ ሕዝቢ ካሊእ ዝገዝኦ ኣማራጺ የብሉን ይብል ነበረ። ናብ’ቲ ጸባ ዝውስኾ ማይ እንዳበዝሐ እተን ኣግማሉ ካኣ እንዳበዝሓ ከዳ። እቶም ኣግማል ነቲ ከባቢ መልኣኦ። ኣብ ከባቢ ወሓዚ (ዛራ) ማይ ፍሉይ መጋሃጫን ዝሰፍራሉን ቦታን ካኣ  ተዋህቦ።

ሓደ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ወሓዚ ማይ ኣግማሉ ኣናረኣየ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮይኑ ምስ ወዱ ሻሂ ይሰቲ ነበረ። ሽዑ ብሃንደበት ኣብ ከበሳ ዝዘነመ ዝናብ ነቲ ወሓዚ ስለ ዝመልኦ ነተን ብየማነ ጸጋም ኮይነን ሳዕሪ ዝበልዓ ዝነበራ ኣግማል ጸራሪጉ ሒዝወን ከደ። ኣቦን ወድን  ብርቱዕ ናይ ውሕጅ ድምጺ ሰሚዖም ካብቲ ዝነበርዎ ወጺኦም እንተ ረኣዩ ኩለን ኣግማሎም ተወሲደን። ነቲ ነገር ሰሚዖም ዝተኣከቡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ  በቲ ዘጋጠመ ክስተት ኣዝዮም ተገረሙ።

ሓደ ሽማግለ ካኣ ከምዚ ክብሉ ተዛረቡ “እቲ ኣብ ጸባ እንዳወሰኽካ ዝሸጥካዮ ማይ ተኣኪቡ ተኣኻኺቡ ውሕጅ ኮይኑ ነተን ኣግማል ወሲድወን። ግፍዒ ከምኡ እዩ ዝገብር። ክትሰርሖ ቀሊል ዝመስል ተኣኻኺቡ ግን ውሕጅ ኮይኑ ይወስደካ። ግደፍ ክንብለካ ከሎና ኣይሰምዕን ኢልካ እቢኻና ኔርካ። ንስኻ ሕዝቢ እንዳገፋዕካ ኣግማል ክትእክብ ናይ ግፍዒ ማይ ካኣ ኣብ ካሊእ ቦታ ይእከብ ከምዝነበረ ኣየስተውዓልካን። መዓልቱ ሓልዩ ግን እነሃልካ ብርቱዕ ውሕጅ ኮይኑ መጺኡ” በልዎ።

እስራኤል ለፈርዖን እስመ ኣስተይዎ ማየ።

ምንጪ፣ ዳኒኤል ክብረት

 

ልደትን ጥምቀትን ኣብ ሮብዕን ዓርቢን እንተወዓለ`ኸ?

ቅንያቱ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱን ጥምቀቱን እነኽብረሉ  ዘለና ግዜ ኣዩ። ናይ ሎምዘበን በዓል ናይ ልደት ኣብ ሮብዕ ስለዝወዓለ፣ ብዙሓት ናይ ስዕረት መግቢ ይብላዕ ድዩ ኣይብላዕን ዝብል ሕቶ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ዝኸበርኩም ሓተቲ፣ ካብ መጽሓፍቲን ቀኖና ቤተክርስቲያን ዝረኸብክዎ መልሲ እነሀለ።

በዓል ልደትን ጥምቀትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ዝወዓሎ ይዉዓል፣ ዋላ ሮብዕን ዓርቢን ይኹን፣ ኲሉ ግዜ፣ ብድሙቕ መንፈሳዊ ኣገባብን ብናይ ስዕረት መግቢ (ስጋን ዉጽኢት እንስሳስን) እዩ ዝበዓል። ቅድሚ ልደትን ጥምቀትን ዘሎ መዓልቲ ገሃድ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

“ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።” ዮሃ 1፡18

ገሃድ ማለት “ገሀደ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ፣ ተገሊጹ፡ ተጋሂዱ ማለት እዩ። ከምዚ ዝፍለጥ ኣብ ልደት፣ እቲ ዘይርአን ዘድህሰስን ልኡለ ባህሪ ኣምላኽ ብስጋ ሰብ ተጋሊጹ፣ ናባና ዝተጋህደሉ እዩ። ኣብ ጥምቀት ድማ፣ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብኢድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ክጥመቅ እንከሎ፣ ሰለስትነት ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ። እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ደመና “ብእኡ ዝሰመርኩ ዝፎትዎ ወደይ ንሱ እዩ” ኢሉ ክምስክር እንከሎ፣ ወልድ ድማ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ፣ መንፈስ ቅዱስ ዉን ከም ጻዕዳ ርግቢ ኣብ ልዕሊ ጐይታ ብምዕላብ፣ ናይቲ ብባህሪኡ ማንም ዘይቀርቦ ኣምላኽና፣ ሰለስትነቱን ሓድነቱን ተጋሂዱ እዩ።

“ብዙሓት ነብያት ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።”/ማቴ 13፡16/

ብዙሓት ነብያትን ቅዱሳንን ክርእይዎ ደልዮም፣ ግን ኣይረኣይዎን። ንሕና ግና ነዚ ዓቢ ሚስጢር ድማ ክንርእይ በቂዕና፣ ብዛዕባ እዚ ዓቢ ሚስጢር ዉን፣ ብስብከት፡ ብመዝሙር፡ ብቅዳሴ፡ ከምኡ ዉን ብመንፈሳዊ ህይወትና ክንምስክር በቂዕና። ቅዱሳን ኣቦታትና ድማ ነዚ ዓቢ ሚስጢር ዝተራእየሉ ዕለት፣ ብዉሕዱ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጾም ብምጿም ከነኽብሮ ሓገጉልና።

ቅድሚ ጥምቀት ዘሎ መዓልታት ጾም ስለዘየለ፣ ነታ ቅድሚ ልደት ዘላ መዓልቲ (ዕለት 10 ጥሪ) ጾም ንጸዉም። እዛ መዓልቲ ድማ፣ ገሃድ ትበሃል። ቅድሚ ልደት ዘላ መዓልቲ ግና (28 ታሕሳስ) ናይ ገሃድ ጾም ኣይትበሃልን፣ ምኽንያቱ እቲ ቅንያት ባዕሉ ናይ ጾም ስለዝዀነ። ኣብ ቅንያት ጾም “ሎሚ ጾም እዩ” ብምባል፣ ኣብ ግዜ ጸሓይ ሽምዓ ምዉላዕ ከይከዉን።

“ዓዲ ረቡዐ ወዓርበ በኩሉ ሱባዔ ዘእንበለ መዋዕለ ፶ (50) ወበዓለ ልደት ወጥምቀት ሶበ ኀብሩ ቦሙ ወይጹምዎሙ እስከ ፱ቱ (9) ሰዓት በከመ ተጽሕፈ።” ትርጉም “ጾም ሮብዕን ዓርቢን እንትርፎ ኣብ በዓል 50 (ካብ ትንሳኤ ክሳብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ን50 መዓልቲ) ኣብ በዓል ልደትን ጥምቀት ገድፊኩም፣ ኣብ ካልእ ግዜ ክሳብ ሰዓት 9 (ሰዓት 3 ናይ ቀትሪ) ይጹሙ” ፍትሃ ነገስት 15፡566

ካብዚ ንመሃሮ ትምህርቲ እንታይ እዩ፣ በዓል ናይ ልደትን ጥምቀትን፣ ኣብ ዝወዓሎ ይዉዓል ኣይጽወምን እዩ። ምክንያቱ ጾም ሮብዕን ዓርቢን ሙሉእ ዓመት ንጾመን ኢና። ኣብ መንጎ ትንሳኤን በዓለ 50 (ምዉራድ መንፈስ ቅዱስ) ዘለዋ 50 መዓልቲታትን፣  በዓል ልደትን ጥምቀትን ኣብ ዝወዓለሉ መዓልቲን ኣይጽወምን እዩ።

“ወሶበ ተሰነአወ ወኀብረ ዕለተ ልደት ወጥምቀት በዕለታተ ጾም ዘውእቶሙ ረቡዕ ወዓርብ ይጸልዩ ወይትመጠዉ እምሥጢራተ ቅድሳት ወኢይፍትሑ ጾመ እስከ ፱ቱ ሰዓት” ትርጉም “ናይ ልደት ጥምቀትን በዓላት ኣብ ሮብዕን ዓርቢን እንተወዓለ፣ ጸሎት ይጸልዩ፡ ስግኡን ደሙን ይቀበሉ። ክሳብ ሰዓት 9 ጾም ጹሙ ኢልኩም ኣይትኣዝዙ” ፍት ነገ 15፡587

ብመሰረት ፍትሓ ንገስት (ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝነበረ ሕጊ ቤተክርስቲያን)፣ ናይ ልደትን ጥምቀትን በዓል፣ ኣብ ሮብዕን ዓርቢን እንተዊዕሉ፣ ጾም ክንጸዉም ኣይግባኣናን።

ብመሰረቱ በዓላት፣ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምሳሌ እዩ። ኣብ መንገስቲ ኣምላኽ ድማ ጾምን ድኻምን የለን። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዓበይቲ በዓላት፣ ጾም ክንጸዉም ኣይግባኣናን። ግን ድማ ንድኻታት ብምዝኻር ብናይ ፍቕሪ መኣዲ ምስ ስድራ ቤትናን፣ ንድኻታት ብምዝኻርን ከነብዕሎ ይግባእ። እቲ በዓል ኣምላኽ ዝነግሰሉ፣ ቅዱሳን ድማ ዝኸብሩሉ ክኸዉን ይግባእ።

እግዚአብሔር ዝባረኾ በዓል ይግበረልና!

ምንጪ   http://fnoteatnatiewos.com

ኣብ ቃል ኪዳን ንምጽናዕ ዝሕግዙ ምኽርታት

እቲ ህያብ ፈጣሪ ዝኮነ መውስቦ ትርጉሙ ከም ዝቐየረን ጠገለ ስኢኑ ከም ዘሎን ንኩልና ብሩህ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ፍትሕ እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ። እኹል ናይ ወለዲ ፍቕሪ ዝተነፍጎም ህጻናት’ውን ቁጽሮም እና ዛየደ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣባና ኣብቶም ክርስትያን ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን  ዘሎ እንተ ኢልና ዝተፈላለዩ ነጥብታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብጥቕሉሉ ግን ፍልጠት ካብ ምስኣን ካብ መንፈሳዊ መንገዲ ምርሓቕን  እዩ ክበሃል ይከኣል ። እምበኣር ሎሚ ንሓዳርና ከነደልድለሉ  እንኽእል  መንገዲ ከም ፍቃድ  እግዚኣብሄር ክንርኢ ኢና። ምስትውዓል  ዝመልኦ ንባብ  ንኽገብረልና ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ፍቃድ ይኹነልና።

ሓዳርካ ብኸመይ ተደልድል ፦

ሓንቲ ኣዝያ ዝዓነወት ቤት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ሰኣል። ቀለማ ተቐላሊጡ: ናሕሳ ተበላሽዩ: እቲ ኣብ ቀጽሪ ዘሎ ኣታኽልቲ እውን ዝከናኸኖ ስኢኑ ኣሎ ንበል።  እዛ ቤት እዚኣ ንሓያሎ ዓመታት ህቦብላ ንፋስን ማይን ተጻዊራ ከም ዝጸንሐትን ቍሊሕ ዝብላ ከም ዘይረኸበትን ዘጠራጥር ኣይኰነን። በቲ ዘላቶ እንተቐጺላ ምፍራሳ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ተበግሶ ወሲዱ ዝከናኸና እንተ ረኺባን መሰረታ ድልዱል: ኣተሃናንጻኣ ኸኣ ጽኑዕ እንተ ዀይኑን ግና ክትጽገንን ናብቲ ናይ ቀዳማይ ምስላን ክትምለስ  ትኽእል እያ።

እዛ ቤት እዚኣ ንኩነታት ሓዳርካ እትርእየላ ኣብነት ጌርካ ውሰዳ። ከበድቲ ሽግራት ንሓያሎ ዓመታት ንሓዳርካ ረቢሽዎ ይኸውን። እንተ ሓዴኹም እንተ ኽልቴኹም ንሓዳርኩም ዕሽሽ ኢልክምዎ እውን ትዀኑ።  ከምቲ ንገለ ሰብ ሓዳር ዘጋጥሞም ማለት  “ንስሙ ሰብ ሓዳር ንበሃል እምበር ዋላ ሓንቲ ዘራኽበና ነገር የብልናን” ዝብል ይህሉ ይኸውን።

ሓዳርኩም ኣብ ከምዚ ዘኣመሰለ ደረጃ እኳ እንተ በጽሐ: ተሃዊኽኩም ኽፈርስ ኣለዎ  ኣብ ዝብል ውሳነ ኣይትብጽሑ።  ክዕረን ናብቲ ንቡር ኩነታቱን ክምለስ ይኽእል  እዩ። እዚ ኣብቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤትካን ዘሎ ንቓል ኪዳንኩም ዘለኩም ኣረኣእያ እዩ ዝምርኰስ።  እዞም ኣብ ታሕቲ  ቀሪቦም ዘለዉ ምኽርታት ኣብ ሓዳርና ንኽንጸንዕ ዝሕግዙ ስለ ዝኾኑ ብጽሞ ነንብቦም።

ነቲ ዝኣተኻዮ ቃል ኪዳን ናይ ምፍጻም ግዴታ ከምዘለካ ምፍላጥ።

ኣብ መንጎ ተጻመድቲ ዝኾነ ሽግር ምስ ዘጋጥም ነቲ ብዘይ ዝኾነ ድፍኢት ብፍቓድካ ኣብ  ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ደው ኢልካ ዝመሓልካዮ ማሕላ ክትፍጽሞ ግዴታ ከም ዘለካ ተረዳእ። ወዮ ተፋቲና ብሓደ ክነብር ምስ ወሰና ዝበልናዮ ቃል እንታይ ድዩ ዝብል? ሓሚሙ/ማ: ሰኒፉ/ፋ: ዓዊሩ/ራ: ኢለ ከይጠልሞ/ማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን  ካህንን  ህዝብን ቃልኪዳን ይእቱ ዶ ኣይኮነን ዝብል። እዚ ማለት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብሓደ ክነብር ንምሕል ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ ሓዳር ክበሃል ከሎ ንስኻን ብዓልቲ ኺዳንካን ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ብሓንሳእ ንኽትነብሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ማሕላ  ኣቲኹም ኢኹም።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም: ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማቴዎስ 19:4-6)

ጸገማት ክፍጠር ከሎ: ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ነቲ ዝኣተኹምዎ ቓል ኪዳን ንኽትሕልዉ ቈራጽነት ክህልወኩም ኣለዎ። ስለዚ ቃል ኪዳን ግዴታ ምኻኑ ፈሊጥና ሓዳርናን ናብራናን ብኸመይ ከነማሕይሾ ከምዘለና መፍትሒ ከነናዲ አዩ ዘለና።

ተደጋጊፍካ ምንባር ንቓል ኪዳን ከምዘደልድሎ ምርዳእ

ኣብ ቃል ኪዳንካ ምጽናዕ ክበሃል ከሎ: እቶም ሰብ ሓዳር ዘይሰማምዑሉ ነጥብታት ኣይፍጠርን ማለት ኣይኰነን። ግርጭት ክፍጠር ከሎ: ምእንቲ እቲ ማሕላ ኢልካ ጥራይ ዘይኰነስ: ብቐንዱ እውን ዝተኣሳሰርኩም ብምዃንኩም ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ሓያል ባህጊ ኽህሉ ኣለዎ። ጎይታ  ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን” ኢዩ ዝበለ።

ምስ በዓልቲ ቤትካ “ሓደ ስጋ” ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ሰብኡት ነንስቶም ከም ነፍሶም ገይሮም ከፍቅርወን ከም ዝግባእ’ ጽሒፉ እዩ። (ኤፌሶን 5:28, 29) ስለዚ: “ሓደ ስጋ” ምዃን ክበሃል ከሎ: ንበዓልቲ ቤትካ (ንበዓል ቤትኪ) ከም ርእስኻ ጌርካ ምርኣይ  እዩ። ሰብ ሓዳር ነተሓሳስባኦም ካብ “ናተይ” ናብ “ናትና:” ካብ “ኣነ” ኸኣ ናብ “ንሕና” ክቕይርዎ ይግባእ።

ብዙሓት ብሓዳሮም ዘይሕጉሳት ክንሶም  ምእንቲ ደቆም ክብሉ ወይ ውን ናብራ ምእንቲ ኸይከብዶም ኢሎም ብሓባር ይነብሩ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ንፍትሕ ዝቃወሙ ብምዃኖም ወይ ‘ሰብ እንታይ ክብለና’ ካብ ዝብል ፍርሂ ከይተፋትሑ ተጸሚሞም ይነብሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር ጸኒዖም ምቕጻሎም ዝነኣድ እኳ እንተዀነ: ቀንዲ ሸቶኹም ፍቕሪ ዝመልኦ ናብራ ኽህልወኩም ደኣ እምበር ከይፈረሰ ዝነብር ሓዳር ክህልወኩም ጥራይ  ስለ ዘይኰነ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ናብራ ሰለይ ክትብሉ ይግባእ።

ጥቕሚ ርእስኻ ዘይምድላይ ንቓል ኪዳን የደልድሎ እዩ

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ክዀኑ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ኸኣ ኣብዚ ግዜና ነዛ ንርእሶም እትጥዕሞም ጥራይ ዝደልዩ ሰባት ይበዝሑ ኣለዉ። ኣብ ሓያሎ ሓዳር ሓደ ነገር ከም እትረክብ ከየረጋገጽካ ዝዀነ ይኹን ነገር ምሃብ ከም ድኻም ጌርካ ይርአ ኣሎ። ኣብ ጥዑይ ሓዳር ግን ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ጥቕሚ ርእሶም ይስውኡ እዮም። ብኸመይ ኢኻ ኸምዚ ኽትገብር እትኽእል፧

“ካብዚ እንታይ እየ ዝጥቀም፧” ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓትት: “ሓዳረይ ንምድልዳል ብብሕተይ እንታይ የበርክት ኣለኹ፧”ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ  “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” እዩ ዝብለና። (ፊልጲ 2:4) ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምክሪ ከተስተንትን  ኸሎኻ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገበርካዮ ነገራት እስከ ምልስ ኢልካ መርምሮ። ንበዓልቲ ቤትካ ምእንቲ ኽትጠቅም ኢልካ ክንደይ ሳዕ ኢኻ ሕያውነት ዘንጸባርቕ ተግባር ጌርካ፧ ክትዛረበካ ምስ ደለየት: ዋላ እውን ባህ እንተ ዘይበለካ ጽን ኢልካ ሰሚዕካያዶ፧ ኣብቲ ብዝያዳ ንበዓልቲ ቤትካ ዘገድሳ ንጥፈታት ክንደይ ሳዕ ተሳቲፍካ፧ ሰበይቲ’ውን እንተ ዀንኪ ነዚ ነገራት እዚ ንሰብኣይኪ ጌርክሉዶ፧

ኣብ መብዛሕትኡ ርክባት: ጽቡቕ ምስ እትገብር ካልኦት ጽቡቕ እዮም ዝገብሩልካ: ስለዚ ንብጻይካ ጽቡቕ ንኽገብረልካ ንምትብባዕ: ንስኻ ብዝያዳ ጽቡቕ ግበር ። ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ንሓዳርካ ኣኽቢርካ ኸም እትርእን ነባሪ ኽትገብሮ ከም እትኽእልን ስለ ዘርኢ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ክትርእዮ ኣሎካ ።

ኣምላኽ ንተኣማንነት ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢዩ ዝብል “ምስቶም [ንዓኻ] እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” እዩ ዝብል። (2 ሳሙኤል 22:26 ንኣምላኽ እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ: ንሓዳርካ እውን እሙን ምዃን ዘጠቓለለ እዩ።—ዘፍጥረት 2:24

ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ንሓድሕድኩም እሙናት እንተ ዄንኩም: እቲ ሓዳርኩም ስምረት ይህልዎ። ብዛዕባ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኰነ ዓመታት ክትሓስቡ ኸለኹም: እትፈላለዩ ዀይኑ ኣይስምዓኩምን። ምፍልላይ ዝብልዎ ነገር ፈጺምኩም ኣይትሓስብዎን: እዚ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ ንሓዳርኩም የደልድሎ። ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር “[ብበዓል ቤተይ] ኣጸቢቐ ክሓርቕ ከለኹ እውን ከይተረፈ: ንፈላለ ደዀን ንኸውን ኢለ ፈጺመ ኣይጭነቕን እየ: የግዳስ በቲ ዘጋጠመና ነገራት እየ ዝጕሂ። ናብ ቀደምና ብኸመይ ከም እንምለስ እየ ዝጭነቕ። ኣብቲ እዋን እቲ: እዚ ብኸመይ ከም ዝኸውን ጥራይ እየ ዘይፈልጥ እምበር: ከም ቀደምና ኸም እንኸውን ዋላ ሓንቲ ምጥርጣር የብለይን” ኢላ ከተዕልል ሰሚዐ ኣሎኹ ከመይ ተዓዲላ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ቓል ኪዳን እኳ እንተዀነ: እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ሓያሎ  ሰብ ሓዳር ምጥፋኡ እዩ። ሰብ ሓዳር ሓሪቖም ክዘራረቡ ኸለዉ: እቲ ሰብኣይ “ጠንጢነኪ ክኸይድ እየ!”  ኢሉ ይዛረብ ይኸውን። ወይ ከኣ እታ ሰበይቲ ነዚ ቓላት እዚ ተውስእ ትኸውን። ልክዕ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ  ብልቦም ኣይኰኑን ከምዚ ዝብሉ። ኰይኑ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ልሳን “ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት” ክትከውን ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ። (ያእቆብ 3:8) ምጕብዕባዕን እዚ እንተ ዘይጌርካ ወይለኻ ምባልን ንሓዳርና ኸም ነባሪ ገይረ ኣይኰንኩን ዝርእዮ ኣብ ቃሕ ዝበለኒ ግዜ ጠንጢነዮ ክኸይድ እኽእል እየ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ምውሳእ ንሓዳር ክብትኖ ይኽእል እዩ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ትርእዮ እንተደኣ ዄንካ: ምስ በዓልቲ ቤትካ ጸገማት ኰነ ዕንቅፋታት ንኽትሰግር ኢኻ ትጽቢት እትገብር። እዚ ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ። ንዓኻ ዀነ ንበዓልቲ ኺዳንካ ድኻምኩምን ጸገማትኩምን ንኽትቅበሉ ከምኡውን ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም ይቕረ ንኽትበሃሃሉ ዝቐለለ እዩ ዝዀነልኩም።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

ሓዳርካ ንምድልዳል ዘሎካ ቈራጽነት ክሳዕ ክንደይ እዩ፧ ምናልባት ምምሕያሽ ክትገብረሉ እትኽእል ነጥብታት ረኺብካ ትኸውን። ቃል ኪዳንካ ንምድልዳል: ነዚ ዝስዕብ እስከ ፈትኖ:- እዚ ድማ ናይ  ቅዱሳን ምኽሪ ስለ ዝኾነ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ፤

ርእስኻ መርምር። ንርእስኻ ‘ብሓቂዶ ልበይ ኣብ ሓዳረይ እዩ: ወይስ ከም ንጽል እየ ዝሓስብን ዝመላለስን ዘለኹ፧’ ኢልካ ሕተት። ብዓልቲ ቤትካ (ብዓል ቤትኪ) ብዛዕባዚ እንታይ ከም ዝስምዖ ፍለጥ።

ቅዱሳን መጽሓፍቲ  ምስ ብዓልቲ ቤትካ ብሓባር ኴንኩም ኣንብብዎ። ድሕሪኡ ቓል ኪዳንኩም ንምድልዳል ብህድኣት ተመያየጡሉ።

ኣብ ኩሉ መንገድኹም ብጸሎትን መንፈሳዊ ምኽርን ዝድግፈኩም ኣቦ ንስሓ( ይሃልኹም)።

ኣብ ቃል ኪዳና ክንጸንዕ ኣምላኽ ይደግፈና።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ።

ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???

2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ዮሴፍ ናብ ዘይፈልጦ ዓዲ ጓና ብዘይጠቅም ገንዘብ እኳ እንተተሸጠ  እቲ ሓያል ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ግና ኣይተሰናበደን፣ ኣብቲ ዓዲ ስደቱ ከይተረፈ ኣምላኽ ባሪኽዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ከይተረፈ ግና ፈተናን ብድሆን ኣሰር ኣሰሩ ካብ ምስዓብ ኣየቛረጸን፣ ከምቲ ንኹሉ መንእሰይ ዝገጥሞ ናይ ስጋ ፈተና ካብ ሰይቲ ጶጢፋር ገጥምዎ፣ በዚ ብድሆ እዚ ውን ኣይተሳዕረን፣

ፈተና ክገጥመና እንከሎ ክንስሕቶ ዘይብልና ሓደ ሓቂ ኣሎ ንሱ ካኣ መስዋእትነት ንምኽፋል ንሕተት ከም ዘሎና ምርዳእ እዩ፣ የሴፍ ነዚ ዝገጥሞ ዓቢ ብድሆ ምስ ሃደመሉ ውን እንተዀነ ናእዳ ብዙሓት ዘይኰነስ ካብቲ ዝሓለፈ ዝገደደ መከራ እዩ ገጢምዎ። እንሓንሳብ ብዓወት ዝሰገርካዮ ፈተና ኻብኡ ዝገደደ ፈተናን ብድሆን የዳልወካ ምኻኑ ምዝካር ሰናይ እዩ፣

ካብቲ ዘገርም ዮሴፍ ነቲ ኣዚዩ ምውቕ ዝመስል ፍቕሪ ናይ ሰይቲ ጶጢፋር ኣይተቐበሎን ብግዝያዊ ጣዕሚ ኣይተሓበለን ንሕና ኸ? ሎሚ ዘመን ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ዘዛሕትሎ ዘሎ ግዝያዊ ጣዕሚ ዓለም እዩ። እዚ ንመብዛሕትና  ዘይስገር ዓቢ ዓቐብ ኰይኑና ኣሎ፣ ግና ንዘክር ዓለምን ፍትወታን ሓላፊት እያ  እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘልኣለም ክነብር እዩ። ንኣምላኽ ደስ ዘብሎ ነገር ንሕና  መንእሰያት ብዘመጸና ዓለማዊ ዕድመን ምድራዊ ፈተናን ከይተበዳህና ንኣምላኽ ክነኽብር እንከሎና ጥራይ እዩ፣ እዚ ድማ ብጸጋ ኣምላክ ይካኣል እዩ።

ዓለምን ሰይጣን  ኣጽዋሮም ኣንጻርና ክዝርጉሑ ናይ ግድን እዩ፣ ንዓና ከውድቑና ብኹሉ ሓይሎም ክትንስኡ ድማ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ንሕና በዚ ናታቶም ከይተዳሃልና ጉዕዞና ንቐጽል፣ ዮሴፍ ንሓጢያት ኣይተንበርከኸን፣ ብዝገበርካዮ ተኸሲስካ ገበነኛ ኢካ ክትበሃል ንቡር እዩ፣ ብዘይገበርካዮ ገበን ገበነኛ ክትበሃል ግና ኣዚዩ ከቢድ እዩ፣ ንዮሴፍ ድማ እዚ ብድሆ እዚ እዩ ገጢምዎ፣

ዮሴፍ ንዝነበሮ ንጽህና ዝርዳኣሉ ሰብ ብፍጹም ኣይነበረን፣ ንሱ እዉን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክማጐተሉ ዝኽእል ዓቅሚ ስለ ዘይነበሮ ድማ ከምታ ንማሕረዲ ተጐቲታ ትኸይድ በጊዕ ብስቕታ እዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጐነ። ይኹን እምበር ዮሴፍ በዚ ርዒዱ ንዝሓዞ ዕላማን ንዝተቐበሎ ተስፋን ኣይደርበዮን። ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ ድማ እቲ ንብድሆታት ሰጊሩ ንኣምላኽ ዝተኣመነ ዮሴፍ ብዘደንቕ ክብሪ ከበረ።

ኩቡር መንእሰይ ንሕና መንእሰያት ድማ ንኣምላኽ ተኣሚና ብዝመጸና ብድሆ ከይሰንበድና። ኣብቲ ዘፍቅረና ኣምላኽ እንተ ጸኒዕና ክንዕወት ናይ ግድን እዩ። ዮሴፍ ብዝገጥሞ ውሽጣውን ደጋውን ብድሆታት ከይተሰነፈ ዝረኸቦ ክብሪ ሎሚ ናትና ክኸውን ምጥማትና ናብ ኣምላኽ ይኹን።

ምስ ኣምላኽ ምኳንን ንዕኡ ምግልጋልን ጥዑምን ጉሩምን እኳ እንተዀነ ዋጋ ዘኽፍል ምኳኑ ክንርዳ ግን ኣገዳሲ እዩ።ዮሴፍ ግና ነቲ ዝገጠሞ ናይ መከራ ብድሆ ጥራይ ኣይኰነን ብዓወት ሰጊርዎ እንታይ ድኣ በቲ ዝነበሮ ጣዕምን ምቾትን ከይተዓሸወ ምስክርነት ህይወቱ ከየባለሸወን ውን እዩ ብጽንዓት ተጋዲሉ።

ንዝመጹና ብድሆታት ንክንሰግሮም  ወትሩ ናይ ውሳኔ መንፈስ ክህልወና ይግብኦ። እዚ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ስለ ዝዀነ ድማ ምሱኡ ጽቡቕ ርክብ ክንገብር ከድልየና እዩ። ኩቡራት መንእሰያት ኣብ ኩሉ ናይ መከራን ፈተን እዋናትና ከኣልነትን ብርተዐን ኣምላኽ ክንዝክር ይግባእ። ንሱ ከቶ ኣይክሓድገናን ኣይክጥንጥነናን እዩ፣ ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩ ድማ ዝተጸውዑ ኩሉ ነገር ንሰናዮም ከምዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ተባሂሉ ኣሎ እሞ። ኣብ ውሽጢ ጸልማት ዝመስል ብርሃን ከምዘሎ ፈሊጥና ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ይግባእ። ጎይታ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ዝሃበና ተስፋ ከምዚ እዩ ዝብል….. ” ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ እቲ ዝፈጠረካ ኣታ እስራኤል እቲ ዝደኰነካ ከምዚ ይብል: ተበጀየካ እየ እሞ ኣይትፍራህ ብስምካ ጸዋዕኩካ ንስካ ናተይ ኢኻ፣ ብማያት ምስ ትሓልፍ ምሳኻ ክከውን እየ፣ ብውሒዝ ምስ ትሳገር ኣይኬጥሕለካን እየ፣ብሓዊ ምስ እትኸይድ ኣይክትነድድን ኢኻ፣ ሃልሃልታ ሓዊ እውን ኣይክህሙኸካን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቁዱስ መድሓኒኻ እየ እሞ። ንግብጺ በጃኻ ንኢትዮጵያን ስባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ ኣብ ኣዒንተይ ቡሉጽን ክቡርን ስለ ዝኰንካ ስለ ዘፍቀርኩኻን ኣብ ክንዳካ ሰባት ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ፣ ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራህ” ኢሰ 43:1-5።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!