ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል

2ይ ዓመት መንፈሳዊ ጉባኤ!

Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finlands foto.

conferance1

ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ

conferance1

ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ከም  ፍቃድ  እቲ ልዑል  ኣምላኽ ኣብ  ሺወደን ከተማ ኦቪስታን ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን  ምእመናን  ዘገልግል  ብስም ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ  ዝተሰምየ ታቦት ኣብ ዝሓልፈ ቀዳም ዕለት 2015/05 /16  ብክብ  ዝበለ ጽንብል ኣብ  ስፍርኡ ኣትዩ።

እቲ ንመጀምርታ ግዜ ኣብቲ ከባቢ  ዝኣተወ ቅዱስን  ክቡርን ታቦት ኣቡነ ሊባኖስ ንልቢ እቶም  ምእመናን   ነበርቲ ኦቨስታን ከባቢኣን ብሓጎስ መሊእዎ። እታ እግዚኣብሄር  ዝገበራ መዓልቲ  እዚኣ ኢያ ብኣኣ ደስ ይበለናን ንተሓጎስን ዝበሎ ቅዱስ ኣቦና ዳዊት እምበኣር ኣብ ገጽ እቲ ምእመን ርኢናዮ ክብሉ ኣገልጋሊ  ናይቲ ቤተክርስቲያን  ቀሺ  ጎይትኦም ገሊጾም።  እቲ ክቡር ታቦት ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት  ሽወደን ብዝመጹ ኣቦታት ካህናትን  ሊቃውንትን   ተዓጂቡ  ታቦት በውስቴታ ኦሪት በውስቴታ እናተባህላ  ከባቢ  ሰዓት 7፣00 ናይ  ምሸት ኣብ ቦትኡ ድሕሪ ምእታው፡ ጸሎት ሰርክ ቀጺሉ። ብድሕርዚ ድማ ንምእመናን  እቲ ከባቢ ማዕዳን ተግሳጽን ተዋሂቡ። ከባቢ ሰዓት 9፣00 ድማ ሊቃውንተ ቤተክርስትያን  ናብ ናይ  መዕረፊ ስፍርኦም ኣምርሑ።

ካብዚ  ቀጺሉ ድማ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ካብ ሰዓት 3፣00  ጅሚሮም ማህሌት ዘሌሊት ከብጽሑ ድሕሪ ምሕዳር ልክዕ  ሰዓት 8፣20  ድማ ቅዳሴ  ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ 10፣00 ካኣ ቀጺሉ።  ድሕሪ ቅዳሴ ድማ ናይ ዕለት ሰብከተ ወንጌል ብሓውናን  መምህርናን ዲያቆን ፋኑኤል ተዋሂቡ። ብመዘምራን ኦቨስታን  ሄዶሞራን ድማ  መዝሙር  ምስጋና ቀጺሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ  ብኣቦና ቀሺ ኣፈወርቂ ቃለ ማዕዳ ተዋሂቡ።እቲ ማዕዳ ድማ ኣብ ጸልማት ንዘጥፋእናዮ ንብረት ኣብ ብርሃን መጺእና ንድለዮ ዝብል  ነበረ። ልክዕ 12፣00 ድማ እቲ ዝነበረ ፕሮግራም ተጠናቂቁ ናይ እንግዶት ግብጃ ብህዝቢ ኦቨስታን ከባቢኣን ዝተዳለወ  ቀጺሉ። ኣሕዋት ብሓደ  ሓቢሮም ንኽነብሩ ኣዝዩ ሰናይን  ጥዑምን ኢዩ ከም ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት  ጥዑም  መዓልቲ  ውዒልና ክብሉ  ነበርቲ  እቲ ኸባቢ ከም ዝተዛረቡ ተገሊጹ። ነበርቲ ከተማ ቦልነስን ከባቢኣን እውን ቅድም ኢሎም ብስም ኪዳነ-ምሕረት ዝተሰምየ ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም እዮም። ኣብ ዜና ብዘይ ምግላጽና ይቕሬታ ንሓትት።

ኣብ ሃገረ ሽወደን ቁጽሪ  ናይተን ቀኖናን ስርዓትን ቤተክርስቲያን ሓልየን ዝኸዳ ዘለዋ ኣብያተክርስቲያን ኤርትራ እናበዝሓን እናዓበየን ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ምግላጽና ይዝከር።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ።

11301348 669104769887455 705449096 n

ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ

11301348 669104769887455 705449096 n 

 

 

 

 

 

ኣብ ሽወደን  ከተማ  ስቶኮልም ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን  ኢትዮጲያን ሶርያን ግብጽን  ብሓባር ዝተሳተፍዎ  ዝኽሪ እቶም ኣብ ሊብያን ሶርያን  ግዳያት ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ተኻይዱ ።

እቲ ንግዳያት ኣረሚናዊ ጉጅለ  ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ንምዝካር ትማሊ ሓሙስ 2015 05 17 ኣብ  ከተማ ስቶክልም ዝተኻየደ ፍሉይ መደብ  ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝተዳለወ ኮይኑ ብብጽእ ኣቡነ ሙር ዲዮስቆሮስ ኣታስ በንያምን ጳጳስ  ናይ ሶርያ  ከምዝተኸፍተ ወኪልና ካብቲ ቦታ ገሊጹ።  እቲ መደብ ሰዓት 6 ናይ ኣጋ ምሸት  ብጸሎት ጀሚሩ ክሳብ  ሰዓት 8፣00 ካኣ መዝሙርን ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ምርኢትን  ከምኡ ውን ምኽርን ማዕዳን በቶም  ዝነበሩ ኣቦታት  ጳጳሳትን  መነኮሳትን ካህናትን በብቋንቋኦም  ተዋሂቡ።

ብቋንቋ  ሽዊድሽ  ብጽእ ወቅዱስ ኣቡነ  ሙር ዲዮስቅሮስ ኣታስ በንያምን ጳጳስ ዘሶርያ

ብቋንቋ እንግልሽ  ናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ  መነኮስ ኣባ  ባርናባስ

ብቋንቋ ኣምሓርኛ  ብቀሲስ ፍስሃ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን  ቅድስቲ ማርያም

ብቋንቋ ትግሪኛ  መምህር  የማነ ኣገልጋሊ ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክልም  ስፍሕ  ዝበለ ማእዳን ተግሳጽን ተዋሂቡ ። ድሕሪኡ ዝቀረበ መደብ ድማ ብመዘምራን ናይ ኢትዮጲያ ቅድስት ስላሴ ቤተክርስትያን  ብመዘምራን  መድሃኔ ዓለም ቤተክርስትያንን    ብ መዘምራን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስትያን ኤርትራን ብትግርኛን ብ ኣምሓርኛን    የሉም ሞተዋል ሲሉን ኖረን የሉም ተፍተዋል ሲሉን በዝተን ኣለን በእግዚኣብሄር ሁሉን ኣልፈን፣  ኣለን በጌታ ሁሉን ኣልፈን እንዳበሉ  ክርስትያናዊ ምስክሮም ገሊጾም። ኣብቲ  ብኣሻሒት ዝኣኽሉ ምእመናን ዝተሳተፍዎ  መደብ ናይ ሰማእታት ዝኽሪ ንምርኣይ ሓጺር  ድራማ ምስሊ እቲ ኣብ ገምገብ ባሕሪ ለቢሶሞ ዝነበሩ ልብሲ ለቢሶም መዘምራን ምርኢት  ኣርእዮም። ነዚ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ዘሎ ጉዳይ ዳዕሽ ብጸሎት እምበር ብኻልእ ክኽልከል ከም ዘይክእል መርጌታ  ጌቱ ኣገልጋሊ መድሃኔ ዓለም ቤተክርስትያን ናይ ኢትዮጲያ ገሊጾም። ብድሕርዚ ንዝኽሪ ስማእታ ሽምዓ በሪሁ። እቲ መደብ  ልክዕ ሰዓት 8፣15  ብጸሎት  ተዛዚሙ።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን  ።

{basicyoutube}6jeCBk3zqzs{/basicyoutube}

 

 

basicyoutube}video-id{/basicyoutube

መመረቕታ ሓድሽ ቤተ ክርስትያን

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ኣብ ከተማ ቦልነስ ብድምቀት ተኸቢሩ:

ኣብ ሃገረ ስዊዲን፡ ቦልነስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ትማሊ ቀዳም 21 ለካቲት 2015፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሊቃውንት መማህራን፡ ካህናትን ዲያቆናትን  ከምኡ’ውን ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ፥ እቲ ጽምብል ካብ 20 ለካቲት ሰዓት 16፣00 ድ,ቀ ብምቅባል አጋይሽ ጀሚሩ ካብ ሰዓት 20፣00 ድ,ቀ መደብ ብጸሎት ምስ ተጀመረ ብዝተፈላለየ መደባት ማለት ትምህርት፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት ማዕሪጉ አምስዩ። ቀጺሉ መዝሙር ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ኪዳነምሕረት ቦልነስ: ብመዘምራን ቅድስት ሥላሴ:  ያቭለ ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሳንድቪከን ፥ብመዘምራን ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፣ ከምኡ ውን ካብ ዚተፈላለዩ ማሕበራት ብዚመጹ መዘምራን ቀሪቡ።

ካብ ከባቢ ሰዓት 4:00 ድማ ማህሌት ተጀሚሩ ብሊቃውትን ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓዲሩ። ከባቢ ሰዓት 7:30፣ ቅዳሴ ተጀሚሩ ቅዳሴ ድሕሪ ምዝዛሙ ብሊቃውንቲ እናተሰነየ ዑደትን ጸሎተ ምህልላ ስለ ህዝብን ሃገርን  ተከየዱ፣  ኣብ መወዳእታ ቃል ምስጋናን ወፈያን ምስ ተገብረ ዕዱማት ናብቲ ብኣማንያን ቦልነስን ከባቢኣን ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምሪሖም። ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ብኹሉ መዳያቱ ፍሉይን ብሉጽን እዩ ኔሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ገጽ ኩሎም ዕዱማት ይኹኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ፍሉይ ናይ ፍስሃ መንፈስ ይንበብ ኔሩ።

ነዚ ዝገበረ ህያው አምላክና ዚከበረን ዚተመስገን ይኩነልና።

ዓመታዊ ክብሪ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ተከቢሩ

ኣብ ሽወደን ኣብ ዋና ከተማ ስቶክሆልም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ  ፩ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ጻድቕ ኣቡነ ኣርጋዊ ትማሊ ሰንበት 26 ጥቅምቲ 2014 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን  ብዝመጹ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ከማኡውን ብዙሓት ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ።

እቲ መደብ ካብ ቀዳም25  ጥቅምቲ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ብቀሞስ ኣባ ወልደስላሴ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ ብኤግዚብሽን ጀሚሩ ፣መዝሙር ፣መንፈሳዊ ትረካ ፣መንፈሳዊ ድራማ  ቀሪቡ። ብድሕሪኡ  ኩሎም ካህናትን  ድያቆናትን ምስ ተኣኻኸቡ ታቦት ጻድቕ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ብሊቃውንትን  ካህናትን መዘምራንን  ከምኡ ካኣ ኩሎም ምእመናንን ምእመናትን እንዳተዓጀበ ብኽብሪ ኣትዩ  ምስኡ ተተሓሒዙ ዋዜማ ስዒቡ። ምሸት ድሕሪ ድራር ኣብ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ዝለዓሉን መብርሂ ዘድልዮምን ሕቶታት ብመልክዕ ቃለ-መሕትት  ብቐሺ አፈወርቅን  ብመም የማነን ሰፊሕን ብሩህን መልሲ ተዋሂቡ ። እዚ ሕቶን መልስን ብቐጥታ ብustream ይመሓላለፍ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ተኸታቲልዎ።

ንጽባሒቱ ሰንበት ሰዓት 3 ናይ ለይቲ ማሕሌት ጀሚሩ ብመርጌታ ተስፋይ (ጎንደሬ) እናተመርሐ ብብዙሓት ሊቃውንት ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓዲሩ። ጸሎተ-ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ መርጌታ ተስፋይ ናይ ምስጋና ቃል ኣስሚዖም። ኣብ መወዳእታ ቀሺ ገብረ እግዚኣብሔር ነዚ ታቦት ንዝሃቡና ኣሕዋት ግብጻውያን ድሕሪ ምምስጋን ምእመናን ስቶክሆልም ብፍቕሪ ክግልገሉሉን ተኻፈልቲ በረኸት ክኾኑን  ሓደራ ኢሎም።

በረኸት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ጻድቕ ምስ ኩልና ይኹን።

ነበርቲ ከተማ ሸለፍትዮን ከባቢአን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ስዊዲን እትርከብ ሸለፍትዮ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ኣብ ከባቢኡን ንዝርከቡ ኤርትራውያንን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ዘገልግል፡ ብስም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ዝተሰምየ ታቦት፡ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 10/10/2014 ብናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ኣብ ሃገራት ስካንድኒቭያ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብኽብ ዝብለ መንፈሳዊ ድምቀትን ጽምብልን ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ።

ነበርቲ ሸለፍትዮን ከባቢኣን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንመጀመርታ ግዚኡ ዝኣቱ ዘሎ ታቦት ብኽብሪ ንምዕጃብ፡ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣትሒዞም ብደስታን ብሓጎስን “ታቦት በውስቴታ” እናዘመሩ ንታቦቶም ብዓቢ ድምቀትን ሓጐስን ተቐቢሎሞ።

ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብምኽንያት እቲ ምእታው ታቦትን ምጅማር ወግዓዊ ቤተክርስቲያናዊ ኣገልግሎትን ኣመልኪቶም ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ሽግር ፍታሕ ክሳብ ዝርከብ፡ ምእመናን ስለ ቤተክርስቲያኖም ዘድሊ መስዋእቲ እናኸፈሉ ኣብ እምነቶምን ስርዓት ኣቦታቶምን ክጸንዑን ቃል እቲ ዘገልግሎም ዘሎ ካህን ከኽብሩን ኣተሓሳሲቦም። ወከልቲ ምእመናን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ድማ፡ ብፁእ ኣቡነ ኣባኪር ምስቲ ዘለዎም ናይ ግዜ ጽበት፡ ብኣካል ተረኺቦም ንዝገበሩሎም ቡራኬን ጸሎትን ብዓቢኡ ድማ ንዝተዋህቦም ታቦትን ምብራኽ ወግዓዊ ምጅማር ቤተክርስቲያናዊ ኣገልግሎትን ዝተሰምዖም ሓጎስ ልዑል ምዃኑ ብምምስጋን ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ናይ ሓባር ጸሎትን መዝሙርን ምስ ተገብረ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብወገኖም ንዝተገብረሎም ዕድመን ኣቀባብላን ድሕሪ ምምስጋን ቡራኬ ሂቦም ነቲ ህዝቢ ተፋንዮሞ።

ንጽባሒቱ ቀዳም፡ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ቀሺ ተክለሃይማኖትን ካብ ሱንድስቫል ዝተዓደሙ ቀሺ ዑቕባ-ገብርኤልን ቀሺ ኣፈወርቅን ካብ ያቭለ ዝመጹ ቀሺ ገብረእግዚኣብሔርን ጸሎተ ቅዳሴ ኣካይዶም ። እቶም ዕዱማት ካህናት ድሕሪ ጸሎተ ቅዳሴ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምዕዳን፡ ቤተክርስቲያና ከነፍቅርን ነንሓድሕድና ክንፋቐርን ከምዘለናን ብሰፊሕ ኣረዲኦም። ናይቲ ቤተክርስትያን ካህን፡ ቀሺ ተኽለሃይማኖት ብወገኖም፡ ክቡር ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል፡ ከምቲ ኣብ መንጎ መላኽቲ ተፈጢሩ ንዝነበረ ዘይምርድዳእ ከም ዝሃድእ ዝገበረ፡ ኣብዚ ቦታና ኸኣ ፍቕርን ምርድዳእን ከምጽእልና ተስፋ እገብር” ክብሉ ዘለዎም ሰናይ ድሌት ገሊጾም።

ኣብቲ ሰፊሕ ዝርግሓን ብዙሕ ስደተኛ ህዝቢ ዘለዎን ከባቢ፡ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ታቦት ብዘይምንባሩ፡ ህዝቢ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ኣብ ግዚኡ ንምክፋል ከጸግሞ ከምዘጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣትዩ ዘሎ ታቦት ግና ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጸገም ከቃልሎ ልዑል ትጽቢት ተጌሩሉ’ሎ።

ነዚ ዘርኣየና እግዚኣብሄር፡ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ !!

ፓልቶክ ጀሚርና ኣሎና