ስለ ግዳያት ላምፓዱዛ ጸሎተ-ፍትሓት ተኻይዱ

ኩላተን እተን ኣብ ሃገር ሽወደን ዝርከባ ቀኖናዊ ስርዓት ተኸቲለን ዝኽዳ ዘለዋ ኣብያተክርስቲያን ስለ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትማሊ ሰንበት 05-10-2014 ቀዳማይ ዓመቶም ምኽንያት ብምግባር ጸሎተ ፍትሓት ኣካይደን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማለት ዕለት 3 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ሓደጋ ባሕሪ ንዓለም ዘደንጸወን ውርደት ኤርትራውያን ካኣ ብጋህዲ ዘንጸባረቐን ፍጻሜ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ አዩ። ህልቂት ንእስነቶም ዘይመነዉ መንእሰያትን ኣፎም ዘየጽረዩ ነኣሽቱ  ህጻናትን ብፍላይ ካኣ እታ እናሞተት ዝወለደት  ኣደን ንኹሉ ሰብ ዘስደመመን ሓቀኛ ምስልና ዘርእየን ኩነት እዩ። እምበእርከስ በዚ ኣጋጣሚ ምርኩስ ብምግባር ጓይላን ዕንደራን ገዲፍና ኣምላኽ ንመከራና መወዳእታ ክገብረሉ ኣብ ጸሎትን ምህልላን ክንጽመድ መንፈሳዊ መልእኽትና ከነመሓላልፍ ንፈቱ።

ስብሓት ሎቱ።

መንፈሳዊ ጉባኤ

 

ሓበሬታ

ሓደ ኣካል እንተተሳቐየ ኩሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ!!! (1ቆሮ 12: 27)

ብስም ኣብን ወልድን መፈስቅዱስን  ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።

ቀጺልና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተበገሱ  ኤርትራውያ ዝሓዘት መርከብ ብምጥሓላ ልዕሊ 155 ዝበጽሑ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክብርቲ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን  ካልኦት ካብኣቶም ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ዝሓዘት መርከብ እውን ደሃይ ከምዘይብላን ኩልና ንሰምዖ ዘለና ሓቂ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ጸሓይ ሰረቐ ዘጋጥም ዘሎ ህልቂት ክንደይ ስድራቤታት ይዝኽትማን  ብዙሓት ወለዲ ኣላዪ ዘይብሎም ብሓዘን ተኾርምዮም ይተርፉ ከምዘለዉን ንኹልና ብሩህ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ ንመከራና ገደብ ክገብረሉ: ነቶም ዝሞቱ  ዕረፍቲ ነብሲ ክህቦም ንቤተሰቦም ድማ መጸናንዒ መንፈስ ምእንቲ ክሰደሎም ኩልና ሓቢርና ንኣምላኽ ክንልምኖ መንፈሳውን ሞራላውን ግዴታ ኣሎና::

በዚ መሰረት ኣብ ኩለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ  ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ስለ እቶም ዝሞቱ ጸሎተ ፍትሓት: ከምኡ  ካኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ ዒራቅ ኣብ ልዕሊ ብእምነት ኣሕዋትናን ኣብታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና ተስፋ መኻፍልትናን  ዝኾኑ ክርስቲያን ዘጋጥም ዘሎ መከራን ሞትን ኣምላኽ ካብቲ ወሪድዎም ዘሎ ጸበባ ከናግፎምን ክረድኦምን ንዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 17/08/2014  ጸሎት ክካየድ ስለ ዝኾነ ተሳተፍቲ ክትኮኑ ነተሓሳስብ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምድዋል ተወከሱ።

ብደሓን ምጹ

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

11 ነሓሰ 2014።

{flike}

stockholm-rally

ኣብ ስቶክሆልም ኩነታት ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ዝርኢ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

stockholm-rallyበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን ።

ትማሊ ሰንበት ዕለት 09/08/2014 ካብ 6000 ክሳብ 10000 ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ። እቲ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን  ሶርያን ዝተፈላለያ ስቪካውያን ማሕበራትን ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብIsis ዝተባህሉ እስላማውያን  ኣብ ኢራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለትን ስደትን ዝቐንዐ እዩ ኔሩ። እቶም ሰልፈኛታት እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ  ዘይንቡር ተርእዮ ብህጹጽ ደው ክብል ማህበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ሽወደናውያንን ሕብረት ኤውሮጳን ካኣ ብፍላይ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ተማሕጺኖም።

ዝተፍላለያ ማዕከናት ዜና ሽወደን ከምዝሓበራኦ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሓት ናይ ሽወደን መራሕቲ ፓርትታትን  ናይ ሕብረት ኤውሮጳ  ምኒስተርን ተረኺቦም ኔሮም።
ከም ዝፍለጥ Isis ዝተባህለ እስላማዊ ጥርኑፍ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ኢራቓውያንን ሶርያውያንን ክርስቲያን  ክልተ ምርጫ ማለት ወይ ናብ ምስልምና ቀይሩ ወይ ቀረጽ እንዳከፈልኩም ንበሩ ብምባል ከዘዋጠርዎምን  ህጻናት ዝርከብዎም  ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉን ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ክዛረባሉ ጸኒሓ ኣለዋ።

ካብዚ ብምብጋስ ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ነቲ ሓደገኛ ኩነት ብትሪ እናኾነና ከም መግለጺ ደገፍ እቶም ውጹዓት እመንቲ ክርስትና ንሰንበት ዕለት 11 ነሓሴ 2006 ብግእዝ ወይ ድማ 17 augusti 2014 ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከካይዳ እየን።
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን።

{flike}

እምነት ምእመናን ዘግሃደ ጽምብል ኣብ ከተማ ያቭለ ተጸምቢሉ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ብሓድነቱን ሰለስትነቱን እንዳተመስገን ዚነብር ህያው አምላክና ምስግና ይኩኖ፡ ናብ’ዚ ቅዱስ ዕለት እዚ ብሰላም ብጥዕና አብጺሑ ናይ ቅድስት ስላሴ በዓል ንምብዓልን  ንምስታፍን ስለ ዚፈቀደልና ልዑለ ባህርይ አምላክና  ክብሪ ይኹኖ።

ኣብ ሃገረ ስዊዲን፡ ያቭለ ኣብ እትበሃል ከተማ እትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ስላሴ  ትማሊ ቀዳም 19 ሐምለ 2014፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ሊቃውንት መማህራን፡ ካህናትን ዲያቆናትን  ከምኡ’ውን ልዕሊ 500 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ፥ እቲ ጽምብል ካብ 18 ሐምለ ሰዓት 18፣00 ድ,ቀ ምቅባል አጋይሽ ጀሚሩ ካብ ሰዓት 20፣00 ድ,ቀ  መዝሙር ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ   ያቭለ ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሳንድቪከን ፥ብመዘምራን ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፣ ብመዘምራን  አቡነ አረጋዊ ስቶክሆልም ከምኡ ውን ካብ ዚተፈላለዩ ማሕበራት ዚመጹ መዘምራን ተሳቲፎሞ።

መደብ ብጸሎት ምስ ጀመረ ብዝተፈላለየ መደባት ማለት ትምህርት፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት ማዕሪጉ አምስዩ። ካብ ከባቢ ሰዓት 2 ድማ ማህሌት ተጀሚሩ መርጌታን ተስፋይ( ጎንደሬን )መርጌታ አፈወርቅን ብብዙሓት ሊቃውት ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓደረ።ከባቢ ሰዓት 6፣ ቅዳሴ ተጀሚሩ ቅዳሴ ድሕሪ ምዝዛሙ ብሊቃውንቲ እናተሰነየ ዑደትን ጸሎተ ምህልላ ስለ ህዝብን ሃገርን  ተከየዱ፣  ኣብ መወዳእታ ብኣገልጋሊ ቤተክርስቲያን ቅድስት ስላሴ  ቀሺ ገብረእግዚአብሔር ቃል ምስጋና  ምስ ተዋህበ: ዕዱማት ናብቲ ብኣማንያን ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምሪሖም። ነዚ ዝገበረ ህያው አምላክና ዚከበረን ዚተመስገን ይኩነልና።

ስብሃት ለእግዜአብሄር 
ወለወላዲቱ ድንግል

{flike}

ምጅማር ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ http://eotcs.se

ዓቢ ብስራት ኣብ ሃገረ ሽወደንን ኣብ መላእ ዓለምን ንእትርከቡ ኦርቶዶክሳውያን ኣገልገልትን ምእመናንን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን!

   ምጅማር ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ http://eotcs.se/  
ኣብ ሃገረ ሽወደን ናይ ዝርከባ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ

 

ንሕና ኣብ ሃገረ ሽወደን እንነብር ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣገልገልትን ምእመናንን፣ ንጥንታዊ እምነትናን ሕጊ ቤተክርስቲያንናን ንምሕላው፣  ብቀኖናዊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን፣ ብናይ ስካንዲነቪያን ጳጳስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ኣባኪር፡ ብምምእካል፣-

  1. ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ካብ ዝኾነ ግዳማዊ ጸቕጢ ነጻ ኮይና፣ ናይ ዘመናት ሓዋርያዊ ሰረተ-እምነታን ሰንሰለታዊ ርክባን ዓቂባ፣ ሓዋርያዊ ተልእኾኣን ጻውዒታን ብጽፈት ከይትዓምምን ብቑዕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይተበርክትን ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ከምዘላ ብምግንዛብ፣
  2. ናይ ሓባር ባይታ ንዘይረኸቡ ኣገልገልትን ምእመናን፣ ኣገልገልቲ ጽሑፋቶም ብምእኩል ኣገባብ ዝዝርግሑሉ፣ ምእመናን’ውን ንዝረኽብዎ መንፈሳዊ ጽሑፋት ውሕስነቱን ተኣማንነቱን ኣረጋጊጾም ከንብብሉ ዝኽእሉ ናይ ሓባር ባይታ ክፍጠር ከምዝግባእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣
  3. ህሉው ኩነታት ናይተን ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘለዋ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብዝምልከት፣ ናይ ሓባር ማዕከን ሓበሬታ ከምዘየሎ ብምግንዛብ፣
  4. ሕቶታት ምእመናን ግቡእ፣ ምእኩልን ርትዓውን መልሲ ኣብ ክንዲ ዝረክብ፣ ንሓደ ሕቶ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝተፈላለየ መልሲ ይረክብ ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፣
  5. ሓፈሻዊ ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ቤተክርስቲያንና ብርትዓዊ ኣገባብ ንምእመናን ንምሕባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ

ኣብ ሃገረ ሽወደን ናይ ዝርከባ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ ኣዳሊና ከምዘለና ብሓጐስ ነበስር።

እዚ http://eotcs.se/ ዝብል ናይ ኩለን ኣብ ሃገረ ሽወደን ናይ ዝርከባ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ፣-

  • ሚዛኑን ርትዑን ዝሓለወ ብቑዕ መንፈሳዊ መግቢ ብምድላው፣ መንፈሳዊ ኣፍልጦ ምእመናን ንምዕባይ
  • ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዘለዉ ምእመናንን ኣገልገልትን፣ ህልዉ ኩነታት ቤተክርስቲያን ዝፈልጡሉ ባይታ ንምፍጣር
  • ብዝተፈላለየ መገዲ ናይ ጽሑፍ ኣገልግሎት ከገልግሉ ንዝኽእሉን ንዝደልዩን፣ ምእኩል ባይታ ንምፍጣር
  • ምእመናን መንፈሳዊ ጉስነትን ኣገልግሎትን ክረኽቡ ኣብ ዝደልዩሉ፣ ኣብ ከባቢኦም ናይ ዝርከቡ ኣገልገልቲ ቁጽሪ ተለፎንን ናይ ኢመይል ኣድራሻን ብምሕባር፣ ብቐሊሉ ምስ ኣገልገልቲ ተራኺቦም መንፈሳዊ ጉስነት ከምዝረኸቡ ንምግባር
  • ምእመናን ንዝህልዎም መንፈሳዊ ሕቶታት፣ ምእኩልን ብቑዕን መልሲ ንምቕራብ

ብጸሎት ቅዱሳንን ብረድኤት እግዚኣብሄርን ንዓቢ ዕዮ ተበጊስና ምህላውና፣ ደጊምና ብሓጐስ ነበስር

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ!!

ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ http://eotcs.se/

 

እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ናብ መርበብ ሓበሬታና ስለ ዝበጻሕኩም  መንፈሳዊ ሓጎስ ይስምዓና።

ኣብዚ መርበብ እዚ  ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ስርዓተ ኣምልኾን እምነትን ከምኡ ካኣ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቪያ ከመይ ከምዝመስል ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ከም መንፈሳውያን መጠን ኩሉ እንገብሮ ጻዕሪ ንኣባላት ቤተክርስትያንን ካልኦት ብእምነቶም ንዝግደሱን ብዝሓሸን ብዝጸፈፈን መንገዲ መልእኽቲ ወንጌል  ከምዝበጽሖም ምግባር እዩ። ብተወሳኺ እዚ መርበብ ’ዚ ብቐረባ ቃል ኣምላኽ ክረኽቡ ንዘይከኣሉ ኣመንቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምርካብ ክሕግዞም ዓቢ ተስፋ ኣሎና። ስለ’ዚ መንፈሳዊ ኣፍልጦኹም ንምዕባይን ብዛዕባ ቤተክርስቲያና እትደልይዎ ሓበሬታ ንምርካብን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀሙ ብትሕትና ንሓትት። ምናልባት ሕቶታት እንተለኩም’ውን ከይተሰከፍኩም ጸሓፉልና ኣብ ሰዓቱ ክንምልሰልኩም ኢና።

ኣምላኽ ይባርኽኩም።