ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።

ኣብቲ ትማሊ ብቐዳም ዕለት 25/02/2023 ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስላሤ ያቭለ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ ኩለን ኣብያተክርስቲያንን ማሕበራትን ተወኪሎም ዝመጹ ልዕሊ ሰብዓ ዝኣኽሉ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ተሳቲፎም ውዒሎም።

መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2021 ዓ ም

“ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጎይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ እሞ ኣይትፍርሁ” ሉቃ 2፡10።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን!
ንኩልኹም ህዝቢ ክርስቲያን ብፍላይ ካኣ ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን፣ ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ንብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። ከምኡ ካኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በዓል ልደት ጎይታና ዓመት መጸ ኣብ ቅነ ሓዲሽ ዓመት ፈረንጂ እዩ ዝኽበር እሞ፣ በዚ ኣጋጣሚ ናብ ጎርጎርዮሳዊ ሓዲሽ ዓመት 2021 ዓ ም እውን እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክንብል ንፈቱ።

ሰሙነ ሕማማት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ተበቲንኩም ዘለኹም ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ። ኣቐዲምና ዕዙዝ ዝኾነ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም፣ ቀጺልና ብሰንኪ እዚ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ህዝቢ ኣብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቡ ክጽልን ክሰግድን ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለዝሎ ምእመናን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ምእንቲ ክከታተሉን ክሰግዱን ኩሉ እቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝካየድ ናይ ጸሎትን ስግደትን መደብ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መስመር ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ። እቶም ዝከኣልኩም ምሳና ሓቢርኩም ክትጽልዩን ክትሰግዱን ብኣኽብሪት ንዕድም።

መደብ ዝጅምረሉ፣

ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ሰዓት 10፣00 ቅ፣ቀ (Berlin Time)

ዓርቢ ስቕለት 09፣00 ቅ፣ቀ

ትንሳኤ 20፣00 ድ፣ቀ

ዝመሓላለፈሉ መስመር፣

https://m.facebook.com/Eritrean-Orthodox-Tewahedo-Church-Diocese-of-Scandinavia-Finland-753528281337406/

እግዚኣብሔር ነዚ ሰሙነ ሕማማት ብሰላም የፈጽመና ፈውሲ ምሕረቱ ካኣ ይልኣኸልና።

ንብጹእ ወቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ውን ብህይወትን ምሉእ ጥዕናን ይሓልወልና።

ንኮረና ቫይረስ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ

ዝኸበርኹም ህዝበ እግዚኣብሔር፡

ኣብ ዘዘለኹሞ ብደሓነ ሰላም ክትህልዉን ካብዚ ናይ ጾምን ሱባኤን ወቕቲ ካኣ መንፈሳዊ ዕቤትን በረኸትን ትረኽቡ ክትህልዉንጸሎትናን ትምኒትናን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምና በዚ ተኸሲቱ ዘሎ CORONAVIRUS (COVID-19) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ተላባዒ ሕማም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ትርከብ ኣላ። ዝምልከቶም ኣካላትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ውን ሰብ ንምድሓን ብዙሕ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ። ንሕና ውን ከም ክርስቲያን ኣብቲ ንምክልኻሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት እጃምና ከነበርክትን ምትሕብባርና ከነርእን ክርስቲያናዊ ግዴታ ኣሎና። በዚ መሰረት ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት ካብ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ሓበሬታ ብምውሳድን ምስ ካህናት ጉባኤ ብምግባርን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ተግባራውያን ዝኾኑ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ ኣሎ።

መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2020 ዓ ም

ንኩልኹም ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትግልገሉ ብፍላይ ካኣ ኣብ ሽወደንን ኖርወይን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን እብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም እብል።

ዕድመ፡ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል 2019

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፤ በ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ከነብዕል ስለዝኾና ኩልኻትኩም ህዝበ ክርስቲያን መጺእኹም ናይ ዕለቱ በረኸት ተኻፈልቲ ንክትኾኑ ቤተክርስቲያን ብኽብሪ ትዕድመኩም

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ቦልነስ ትማሊ ቀዳም 24 ለካቲት 2019 ብድምቀት ተጸምቢሉ

ኣብ ሃገረ ስዊዲን ቦልነስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ትማሊ ቀዳም 23 ለካቲት 2019፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንት፡ ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡውን ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ። እቲ ጽምብል ካብ ዓርቢ ምሸት ብምቅባል አጋይሽ ጀሚሩ ብዝተፈላለየ መደባት ማለት ትምህርቲ፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት፣መዛሙር፣ ዝክረዜማ ካሊእ ስፍሕ ዝበሉ መሰጥቲ መደባት ማዕሪጉ አምስዩ። ቀጺሉ መዝሙር ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ኪዳነምሕረት ቦልነስ: ብመዘምራን ቅድስት ሥላሴ ያቭለ ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሳንድቪከን ፥ብመዘምራን ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፣ ከምኡ ውን ካብ ዚተፈላለዩ ማሕበራት ብዚመጹ መዘምራን ቀሪቡ። ካብ ከባቢ ሰዓት 3:00 ናይ ለይቲ ዝተጀመረ ማህሌት ዘሌሊት ብሊቃውትን ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓዲሩ። ከባቢ ሰዓት 6:00 ጸሎተ ቅዳሴ ተጀሚሩ። ቅዳሴ ድሕሪ ምዝዛሙ ልቢ ምእመናን ዘረስርስ ጣዕመ ዜማ ብመዘምራን ናይቲ ሰበኻ ቀሪቡ። ስዒቡ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ብሊቀ ካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ ብሊቃውንቲ እናተሰነየ ዑደትን ጸሎተ ምህልላ ስለ ህዝብን ሃገርን ምስ ተገብረ ኣገልጋሊ ናይቲ ደብሪ ቀሺ ሃብተማርያም ቃል ምስጋና ኣስሚዖም። ከም መዛዘሚ ወፈያን ምስ ተገብረ ዕዱማት ናብቲ ብኣማንያን ቦልነስን ከባቢኣን ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምሪሖም።ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ብኹሉ መዳያቱ ፍሉይን ብሉጽን እዩ ኔሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ገጽ ኩሎም ዕዱማት ይኹኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ፍሉይ ናይ ፍስሃ መንፈስ ይንበብ ኔሩ። ብረኸት ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምስ ኩላትና ይኹን። ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን 24-02-2019 ሽወደን

ኣብ ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ፊንላንድን ርክብ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ተካይዱ

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ፊንላንድን ምስ ኮሚቴ’ቲ ሃገረ ስብከት፣ ሎሚ ዕለት 19-01- 2019 ኣብ ሽወደን ከተማ ያቭለ ርክብ ኣካይዱ፡፡

እቲ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት መእተዊ ጸሎት ብሊቀ ካህናት እቲ ሃገረ ስብከት ቀሺ ኣፈወርቂ ድሕሪ መሃብ፣ ቀጺሉ ሓጺር ሌላ ምስቶም ኣብ ስራሕ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ዝጸንሑ ኣባላትን ሓደሽቲ ኣባላትን ጌሩ፡፡ ብሊቀ ካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ሓፂር መብርሂ ዛዕባ ስራሕ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ድሕሪ ምሃብ ድማ፣ ነቶም ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ ኣባላት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ምስክር ወረቐት ( CERTIFIKAT) ዓዲሉ።

እቲ መንፈሳዊ ዋዕላ ጸብጻብ ስራሕ ዓመተ 2018 ድሕሪ ምቕራብ፣ ውጥን ስራሕ 2019ን ባጀትን ድማ ኣጽዲቑ፡፡ ብድሕርዚ ‘ቤት ትምህርቲ ሰንበታትና ኣብ ከመይ ድረጃ ኣሎዋ እንታይ’ከ ክንገብር ኣሎና’ ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምግባር ምጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት ረቂሑ፡፡ እዞም ነዚ ስራሕ መዚ ወሲዶም ዘለዉ ኣባላት ድማ ክሳብ’ቲ ተገዲብሎም ዘሎ ግዜ ጸብጻቦም ከም ዘቕርቡ እቲ ኮሚቴ ውሳኔ ኣሕሊፉ፡፡

እዚ መንፈሳዊ ጉባኤ ከምቲ ብጸሎት ሊቀ ካህናት ሃገራት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ቀሺ ኣፈወርቂ ዝተኸፍተ፣ ከሙኡ ድማ ብጸሎትን ብራኬን ብሰላም ተዛዚሙ፡፡
ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን።
(2019-01-19)

1

ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ንዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ን ንዘይሕጋዊ ምእሳር ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ኣመልኪቱ ርክባት ኣካይዱ፡፡

1

ኣቦ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ምስ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ተዘራሪቦም 

ኣቦ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተክርስቲያን ኣመልኪቶም ምስ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝርርብ ኣካይዶም። 
እዚ መንፈሳዊ ርክብ : ብዕለት 23-07-2018 ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጲያ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያሪክ፣ ከም ዝተኻየደ እቲ ድሒሩ ዝመጸና ጸብጻብ የብርህ። ኣብቲ ዝተገብረ ዝርርብ ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ካኣ ኣብ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ 3ይ ፓትርያርክ ዘሃገረኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣባታዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡን ቅዱስ ፓትርያርክ ናብ ቦትኦም ኣብ ምምላስ ልዑል ጻዕሪ ክገብሩን ተላብዮም። 
ቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፣ ብወገኖም ጉዳይ ቅዱስ እንጠንዮስ ኣቦና ኣዝዩ ከም ዘጉሃዮምን ከም ዘሕዘኖምን ብምግላጽ ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ይጽንሓለይ ክበሃል ዘይግብኦ ጉዳይ ሙዃኑ ብምስማር ፡ ብወገኖም ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ከም ዝገብሩ ፡ ብምግላጽ ኩሉ ግዜ ውን ኣብ ጸሎት ከም ዝዝክርዎም ገሊጾም ። ብተወሳኺ ውን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሃገርስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ዝገብሮ ዘሎ ኣገልግሎትን ጻዕርን ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወታትን ብምንኣድ ካብዚ ንላዕሊ ኣበርቲዑ ንኽሰርሕ ካኣ ተላብዮም። 

ብምቅጻል ኣቦና ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ምስ ኣመሓደርትን መምህራንን ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቅድስት ስላሴ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ስነመለኮት ዩኒቨርስቲን፣ ምስ ምክትል ኣመሓዳሪ ሳዋስወብርሃን ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኣብነት ቤት ትምህርትን ብምርኻብ ኣብ ስርዓተትምህርቲ ዘተኮረ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
እዚ ድማ ምስ እዚ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ቅዱስ እግናጥዮስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ናይ መጻኢ ካህናትን ዲያቆናትን ኣብ ምፍራይ 
ከመይ ጌርካ ሓቢርካ ክስራሕ ይከኣልን ኣብ ዝብል ብዙሕ ተመያይጦም፡፡ እዚ ርክብ እዚ ንዕቤት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ክሳብ ዝኾነ ፡ ኣብ መጻኢ ስፍሕ ብዝበለ መንገዲ ርክባት ቀጻሊ ከም ዝኸውን ተሰማሚዖም ። 

ሃገረስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ኣብ ሃገረ ሽወደን ምስ ዝርከብ መንፈሳዊ ኮለጅ ቅዱስ እግናጢዮስ ብምትሕብባር ኩሉ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ማለት ካብ ግብረ ዲቁና ክሳብ ኣቋቋምን ካልእን ኣብዚ ኣብ ሽወደን ንኽወሃብ መደባቱ ኣጻፊፉ ከምዝወድአን ድሮ ውን ተመሃሮ ጀሚሮም ከምዘለዉን ይፍለጥ ።

ከም ዝፍለጥ ልኡኻት ናይዚ ሃገረስብከት ብጉዳይ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስን ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ብጹኣን ጳጳሳትን ከምኡ ውን ምስ ናይ ሶርያ ቤተክርስቲያን ብጹኣን ጳጳሳት ርክብ ከም ዝተኻየደ ይዝከር ፡፡ እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኣሕዋት ኣብያተክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ርክብ እዩ።

እግዚኣብሔር ንህዝብና ቅሳነት፣ ንቤተክርስቲያና ካኣ ሰላም ይሃብ፡፡

+ ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ +

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

06/12/ 2018 ሽወደን