ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት
Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden
ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።
ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Swedish bank No: Bankgiro: 374-2806
International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036
Swift code: SWEDSESS
ኢየሱስ መርዓ ተዓዲሙ ከምዝኸደ
ዕላማ᎓ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምእንታና ናብ ኢየሱስ ከምትልምን ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ” ዮሃ. 02᎓05 መወከሲ᎓ ዮሃንስ 2᎓1-11 መእተዊ᎓ መርዓ ኬድኩም ዶ ትፈልጡ? መርዓዊ ወይ ድማ መርዓት ርኢኹም ዶ ትፈልጡ? እንበኣር ሎሚ መዓልቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡን ደቀ መዛምርቱን ተዓዲሙ ኣብ ዝኸደሉ መርዓ እንታይ […]
ኢየሱስ ምስ ዘኪዎስ
ዕላማ᎓ ኣምላኽና ኣበይ ከምዘለናን ምሳና ክኸውን ከምዝደልን ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ ”….. ሎሚ መዓልቲ ኣብ ገዛኻ ክውዕል ይግበኣኒ እዩ” ሉቃስ 19᎓5 መወከሲ᎓ ሉቃስ 19᎓1-10 መእተዊ᎓ ኣብ መደቀሲኹም ወላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ንበይንኹም እንተትህልዉ እንታይ ትገብሩ ከም ዘለኹም መን ክሪኤኩም ዝኽእል ይመስለኩም? ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይርእየና እዩ። ንሱ ብዛዕባና ኹሉ እዩ […]
እቲ ሕያዋይ ጓሳ
ዕላማ᎓ ከምቲ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረንን ዝሕልወንን ኢየሱስ ድማ ንዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና። መዘካከሪ ጥቕሲ᎓ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ” ዮሃ. 10᎓11 መወከሲ᎓ ሉቃስ 15᎓3-7 መእተዊ᎓ ካባኻትኩም መን ኣሎ ድሚጺ ኣባጊዕ ሰሚዑ ዝፈልጥ? ሓደ ጓሳ ወይ ድማ ሓላው ኣባጊዕ እንታይ ከምዝገብር መን ኣሎ ዝነግረኒ? ሓደ ጓሳ ኣባጊዑ መታን ክበልዓ […]
ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ን ኤልሳዕ ገዛ ሰሪሓትሉ
ዕላማ᎓ ዘለካ ምስ ሰብ ተኻፊልካ ምጥቃምን ንኻሎኦት ምፍቃርን መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ነንሕድሕድና ንፋቐር” 1ይ ዮሃ 4᎓7 መወከሲ᎓ 2ይ ነገስት 4᎓8-11 መእተዊ᎓ ካብ ኩሉ ዘዓበየ ነገር ክህልወና ዝግባእ ፍቕሪ እዩ። እንተ ደኣ ነንሕድሕድና ተፋቒርና እቲ ዝበለጸን ቅኑዕ ነገርን ንገብር ኣሎና። እንተደኣ ከምዚ ኾይኑ ድማ ደቂ ኣምላኽ ከብለና ዝኽእል ነገር ጌርና ማለት እዩ። […]
ናይ ባንን ዓሳን ተኣምራት
ኣምላኽ ኣዚዩ ዘፍቅረናን ንሕና ከይበልናዮ ከለና ኩሉ እቲ ንደሊዮ ይህበና መዘኻከሪ ጥቕሲ “ ኣነ ብልዒ ሓቂ እየ” ዮሃ. 6:35 ዮሃንስ 6:1-14 ንዓና ብዝበለጸ መን ይፈትወና, ኣቦና : ኣዴና : ሓፍትና ወላስ ሓውና? ልዕሊ ኹሉ መን ይፈትወና? ልዕሊ ኹሉ ኣብሊጹ ዝፈትወና ሓደ ኣሎ። ንሱ ድማ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። […]