ኢየሱስ መርዓ ተዓዲሙ ከምዝኸደ

ዕላማ᎓

ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምእንታና ናብ ኢየሱስ ከምትልምን ምፍላጥ

 

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ” ዮሃ. 02᎓05

 

መወከሲ᎓

ዮሃንስ 2᎓1-11

 

መእተዊ᎓

መርዓ ኬድኩም ዶ ትፈልጡ? መርዓዊ ወይ ድማ መርዓት ርኢኹም ዶ ትፈልጡ? እንበኣር ሎሚ መዓልቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡን ደቀ መዛምርቱን ተዓዲሙ ኣብ ዝኸደሉ መርዓ እንታይ ከምዝገበረ ክንመሃር ኢና።

 

ትምህርቲ᎓

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኢየሱስን ኣዲኡ ቅድስቲ ማሪያምን ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲሞም ከዱ። ኣብቲ መርዓ ድማ ብዙሕ ዓይነት መግቢ፥ ዶልሺ፥ ድስተ ነገራት እውን ነበረ። እቶም መርዓውትን ኣብቲ መርዓ ዝነበሩን ኩላቶም ሰባት ድማ ሕጉሳት ነበሩ። ኣብ ሞንጎ ግን ሓደ ሽግር ኣጋጢሙ። ትፈልጡ እንታይ ኢዩ ኔሩ እቲ ሽግር? በሉ ክነግረኩም እየ ሰዓቡኒ።

 

ነቲ መርዓ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኩሉ ዝስተ ወይኒ ተወዲኡ። እቶም ኣሰሰይቲ ብጣዕሚ ተጨነቑ። ምኽንያቱ እቲ ወይኒ ስለዝተወደአ ካበይ ኣምጺኦም ነቶም ኩሎም ዕዱማት ካልእ ዝስተ ወይኒ ከቕርቡሎም ይኽእሉ? ኣብ ሞንጎ እዚ ግን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ወይኒ ከምዝተወደአ ፈለጠት እሞ ናብ ኢየሱስ ከይዳ ከምዚ በለቶ፦ እቲ ወይኒ ተወዲኢዎም ካልእ ዝቕርብዎ ወይኒ የብሎምን እሞ በጃኻ ሓግዞም በለቶ። ምኽንያቱ ኢየሱስ ኩሉ ነገር ክገብር ከምዝኽእል ትፈልጥ ስለዝነበረት ክሕግዞም ነገረቶ። ሽዑ ናብቶም ኣሰሰይቲ ከይዳ ኩሉ እቲ ኢየሱስስ ዝብለኩም ግበሩ በለቶም።

 

ኢየሱስ ድማ ነቶም ኣሰሰይቲ ነቲ ኩሉ ኣብኡ ዝነበረ ኣጋንእ/ዕትሮታት/ ማይ ምልእዎ በሎም። ንሳቶም ድማ ከምቲ መድሓኒና ኢየሱስ ዝበሎም ማይ መልእዎ። ኢየሱስ ድማ ሕጂ ቀዲሕኩም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ በሎም። ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎም ምስ ገበሩ ብጣዕሚ ተደነቑ። ምኽንያቱ እቲ ማይ ናብ ወይኒ ቀይርዎ ነበረ። እቶም ሰባት ነቲ ወይኒ ምስ ጠዓምዎ ካብቲ ናይ መጀመርታ ዝሰተይዎ ወይኒ ንላዕሊ ኣዚዩ ጥዑም ነበረ።

 

መደምደምታ᎓

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ናትና ሽግር ክፈትሓልና ይኽእል እዩ። ንዑኡ ወላሓደ ዝሰኣኖ ነገር የሎን። ኣዴና ቅድስቲ ማሪያም ድማ ምእንታና ኩሉ ግዜ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ትጽልን ትልምን እያ። ንሳ ኩሉ ግዜ ንደቂ ኣምላኽ ትሓልን ክትሕግዞም ትደልን እያ: ከምቲ ኣብቲ መርዓ ዝሓገዘቶም። ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኮለና እንተላይ ንማሪያም ሓግዝና ምእንታና ጸሊይ (ኣማልድና) ኢልና ንለምና። ማሪያም ኩሉ እቲ ኢየሱስ ግበርዎ ኢሉ ዘኣዘዘና ትእዛዛት ክንገብሮ ትደሊ።ከምቲ እቶም ኣብቲ መርዓ ዝነበሩ ኣሰሰይቲ ዝገበርዎ። ከምቲ ነቲ ዓታሩ ማይ ምልእዎ ምስ በሎም ዝመልእዎ።

 

ኢየሱስ ምስ ዘኪዎስ

ዕላማ᎓

 

ኣምላኽና ኣበይ ከምዘለናን ምሳና ክኸውን ከምዝደልን ምፍላጥ

 

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

”….. ሎሚ መዓልቲ ኣብ ገዛኻ ክውዕል ይግበኣኒ እዩ” ሉቃስ 19᎓5

 

መወከሲ᎓

 

ሉቃስ 19᎓1-10

 

መእተዊ᎓

ኣብ መደቀሲኹም ወላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ንበይንኹም እንተትህልዉ እንታይ ትገብሩ ከም ዘለኹም መን ክሪኤኩም ዝኽእል ይመስለኩም? ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይርእየና እዩ። ንሱ ብዛዕባና ኹሉ እዩ ዝፈልጥ። ንሱ ማንም ዘይነገሮ ኾሎ ሽምና ይፈልጦ እዩ። ንሱ ቅድሚ ንሕና ምዝራብና እንታይ ከምዝሓሰብና ኣቐዲሙ ይፈልጥ እዩ።

 

ትምህርቲ᎓

 

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ዘኪዎስ ዝበሃል ሰበኣይ: ኢየሱስ ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ከተማ ከም ዝመጸ ሰምዐ። ኮነ ድማ ኢየሱስ ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ቦታ ከምዝመጸ ምስ ፈለጠ ንኢየሱስ ክሪኦ ብዙሕ ፈተነ። እንተኾነ ግን ክርእዮ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ዘኬዎስ ብቑመቱ ኣዚዩ ሓጺር ሰበኣይ ብምንባሩ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ብዙሕ ህዝቢ ተኣኪቦም ስለዝነበሩ ንኢየሱስ ንኸይርእዮ ከወልዎ። ሽዑ ሓደ ነገር ክገብር ሓሰበ። እንዳጎየየ ኸይዱ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኦም ደየበ። ብኸምዚ ኢየሱስ ክሓልፍ ኮሎ ክርእዮ ከኣለ። ሽዑ ኢየሱስ ኣብታ ዘኬዎስ ተሰቒሉላ ዝነበረ ገረብ ምስ በጽሐ ደው በለ እሞ ንላዕሊ ገጹ ጠሚቱ ከምዚ በሎ፦ “ዘኬዎስ ውረድ ካብቲ ኦም ኣነ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ገዛኻ ከኣቱ እየ”። ሽዑ ዘኬዎስ ብጣዕሚ ተሓጉሱ ቀልጡፉ ካብቲ ተሰቒልዎ ዝነበረ ኦም ወሪደ። ኢየሱስ ድማ ሽም ናይ ዘኬዎስ ሰብ ከይነገሮ ኮሎ ይፈልጦ ኔሩ። ዘኬዎስ ኢየሱስ ናብ ገዝኡ ምስ ወሰዶ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ድሕሪ ሕጂ እቲ ቅኑዕ ዘበለ ነገር ጥራይ ክገብር እየ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወሰድክዎ ናይ ሰብ ገንዘብ ክመልሰሎም እየ። ፍርቁ ካብቲ ገንዘበይ ድማ ንድኻታት ክህቦም እየ”። ኢየሱስ ድማ ዘኬዎስ ከምኡ ስለ ዝበለ ኣዚዩ ተሓጎሰ። ብድሕሪኡ ዘኬዎ ንፉዕ ሰበኣይ ኮነ።

 

መደምደምታ᎓

 

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘኬዎስ ንዑኡ ክሪእዮ ይደሊ ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ ኔሩ። ብኸሙኡ እዩ ድማ ካብቲ ደይብሉ ዝነበረ ኦም ውረድ ዝበሎ። ኢየሱስ ኩሉ እቲ ንደሊዮ ዘበለ ነገር ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ድማ እቲ ንዓና ሰናይ ዝኾነ ነገር ይህበና። ኩሉ ኣብ ልብና ዘሎ ነገር ድማ ይፈልጦ እዩ።

 

ክብሪ ንኣምላኽና ይኹኖ ኣሜን።

 

እቲ ሕያዋይ ጓሳ

 

               

 

ዕላማ᎓

ከምቲ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረንን ዝሕልወንን ኢየሱስ ድማ ንዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና።

 

መዘካከሪ ጥቕሲ᎓

“ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ” ዮሃ. 10᎓11

 

መወከሲ᎓

ሉቃስ 15᎓3-7

 

መእተዊ᎓

ካባኻትኩም መን ኣሎ ድሚጺ ኣባጊዕ ሰሚዑ ዝፈልጥ? ሓደ ጓሳ ወይ ድማ ሓላው ኣባጊዕ እንታይ ከምዝገብር መን ኣሎ ዝነግረኒ? ሓደ ጓሳ ኣባጊዑ መታን ክበልዓ ሒዝወን ናብ ልሙዕ ሳዕሪ ይወስደን፥ ማይ ከይጸምኣ ድማ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ ወሲዱ የስቲየን። እንስሳ ከይበልዐን ኮነ ኣብ ጸድፊ ጸዲፈን ከይሞታ እውን ይሕልወን። ስለዚ እዚ ከምዚ ጌሩ ንኣባጊዑ ዝንከባኸበን ጓሳ ነባጊዑ ዘፍቅረን ዶ ወላስ ዘየፍቅረን ይመስለኩም? እወ! ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረን። እንበኣር ሎሚ ምዓልቲ ብዛዕባ ሓደ ነባጊዑ ኣዚዩ ዘፍቅረን ጓሳ ክንመሃር ኢና።

 

ትምህርቲ᎓

ሓደ እዋን 100 ኣባጊዕ ዝነበረኦ ጓሳ ነበረ። ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ምሸት ምሸት ነባጊዑ ኩለን ምህላወን ከረጋግጽ ኢሉ ይቖጽረን ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ ምሸት ከምቲ ኣመሉ ክቖጽረን እንኮሎ ሓንቲ በጊዕ ኣይነበረትን። ተጋጊዩ ከይከውን ከም ብሓድሽ ደጋጊሙ ቆጸረን። እንተኾነ ግን ሓንቲ ካብተን ኣባጊዕ ኣይነበረትን። እቲ ካብ ኩሎም ዝነኣሰ በጊዕ ሽሙ ቶቶ ኣቡኡ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ጓሳ ኣዚዩ ሓዘነ እቲ ጠፊኡ ዘሎ በጊዕ ሽግር ከይረኽቦ ኣዚዩ ድማ ሰግኣ /ተጨነቐ/ ከምዚ ድማ ገበረ፦ ነተን 99 ኣባጊዕ ገዲፉ ነቲ ጠፊኡ ዘሎ ንእሽተይ በጊዕ ክደሊ ከደ። ኣብ ፈቆዶ ጎቦታትን ሽንጪሮታትን᎓ ብድሕሪ ኣግራብን ኣጻድፍን ድማ ክደሊዮ ጀመረ። ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ብሽሙ ዓው ኢሉ ይጽውዖ ነበረ። ቶቶ….ቶቶ…..ቶቶ…..ትሰምዓኒ ኣለኻ ዶ? እንዳበለ ተጻውዐ ብሩሑቕ ሓደ ድምጺ በዕዕዕዕዕ…. በዕዕዕዕ…. ዝብል ዝሰምዕ። እወ! እዚ ናቱ ናይ ቶቶ ድምጺ እዩ። ሽዑ እቲ ጓሳ እንዳጎየየ ናብቲ በጊዕ ከይዱ ብፍቕሪ ሓቖፎ። ቶቶ ድማ ኣዚዩ ተሓጊሱ ንሓላዊኡ ብምርካቡ። ምኽንያቱ ስለ ዝጠፍኣ ኣዚዩ ሰንቢዱን ፈሪሑን ነበረ። ሽዑ እቲ ጓሳ ንቶቶ ኣብ ክሳዱ ሓንጊ ናብተን ዝገደፈንን 99 ኣባጊዕ ሒዝዎ ከደ። እቲ ጓሳ ኩለን 100 ኣባጊዑ ብሓንሳብ ስለዝረኸበን ኣዚዩ ተሓጎሰ።

 

መደምደምታ᎓

ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ናትና ሕያዋይ ጓሳና እዩ። ንሕና ድማ ናቱ ነኣሽቱ ኣባጊዕ ኢና። ኢየሱስ (ነተን ናቱ ኣባጊዕ) ነዓና ኣዚዩ እዩ ዘፍቅረና። ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቑኡ ክንከውን ይደሊ። ኣብ ጥቓ ናትና ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ክንከውን እንድሕሪ ደሊና᎓ ኩሉ ግዜ ከየቋረጽና ንጸሊ ምስኡ ንዘራረብ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ክንሰምዕን ክንእዘዝን ይግበኣና። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ነቲ ዝጠፍአ ሰብ ናብኡ መሊሱ ከምጽኦ ይደሊዮ እዩ። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ነዓና ነቂሑ እዩ ዝሕልወና።

 

ክብሪ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ይኹን ኣሜን።

ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ን ኤልሳዕ ገዛ ሰሪሓትሉ

 

 

ዕላማ᎓

ዘለካ ምስ ሰብ ተኻፊልካ ምጥቃምን ንኻሎኦት ምፍቃርን

 

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ነንሕድሕድና ንፋቐር” 1ይ ዮሃ 4᎓7

 

መወከሲ᎓

2ይ ነገስት 4᎓8-11

 

መእተዊ᎓

ካብ ኩሉ ዘዓበየ ነገር ክህልወና ዝግባእ ፍቕሪ እዩ። እንተ ደኣ ነንሕድሕድና ተፋቒርና እቲ ዝበለጸን ቅኑዕ ነገርን ንገብር ኣሎና። እንተደኣ ከምዚ ኾይኑ ድማ ደቂ ኣምላኽ ከብለና ዝኽእል ነገር ጌርና ማለት እዩ።

 

ትምህርቲ᎓

ሓደ ኤልሳዕ ዝበሃል ነብዪ ነበረ። ንሱ ድማ ንኣምላኽ ኣዚዩ የፍቅርን ንደቂ ሰባት ኩላቶም ድማ የፈቱ ነበረ። ንሱ ድማ ብዛዕባ ኩላቶም ደቂ ሰባት ናብ ኣምላኽ ይጽልን ይሓልን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ናብ ሓንቲ ሃብታም ሰበይቲ ክበጽሕ ከይዱ። ዘዕርፈሉ ናቱ ዝኾነ ገዛ ስለዘይነበሮ ኣብቲ ናይታ ሰበይቲ ገዛ ይቕመጥ ወይ ድማ ንብዙሕ ግዜ ይጸንሕ ነበረ ። ሽዑ እታ ሰበይቲ ንሰበኣያ ከይዳ ንነቢዩ ኤልሳእ ናቱ ዝኾነ ገዛ ስለዘይብሉ ሰበኣያ ገዛ ክሰርሓሉ ለመነቶ። ሰበኣያ ድማ ኣብቲ ልዕሊ ናሕሲ ናይ ገዝኦም ንእሽተይ ገዛ ሰርሓሉ። ንሳ ድማ ዓራት᎓ ጣውላ᎓ ሉቸን ከምኡ’ውን ዘድሊይዎ ናይ ገዛ ኣቁሑት ኣብቲ ዝተሰርሓሉ ገዛ ገበረትሉ። ኤልሳእ ድማ ገዛ ስለ ዝረኸበ ኣዚዩ ተሓጎሰ ነታ ሰበይቲ ድማ ብዙሕ ኣመስገና። ኤልሳእ ድማ ነታ ሰበይትን ንሰበኣያን ዝደልይዎ መታን ክረኽቡ ናብ ኣምላኽ ጸለየሎም። ቆለዓ ስለዘይነበሮም ድማ ኣምላኽ ቆለዓ ሃቦም። ንሳቶም ድማ ብዙሕ ተሓጎሱ ነኣምላኽ ድማ ኣመስገንዎ።

 

መደምደምታ᎓

እታ ሰበይቲ ኣዚያ ለዋህን መፍቀሪትን ስለዝነበረት ንኤልሳእ ገዛ ሰሪሓትሉ። ኤልሳእ ድማ ኣምላኽ ቆለዓ ክትወልድ መታን ናብ ኣምላኽ ጸለየላ። ንሕና ድማ ነንሕድሕድና ክንፋቐር ከምዘለና ክንርስዕ የብልናን። እቲ ዘለና ነገር ድማ ነቶም ዘይብሎም ከነማቕሎምን ስለኻልኦት ድማ ምጽላይ ከምዘለና ክንማሃር ይግበኣና።

 

 

ናይ ባንን ዓሳን ተኣምራት

 

ኣምላኽ ኣዚዩ ዘፍቅረናን ንሕና ከይበልናዮ ከለና ኩሉ እቲ ንደሊዮ ይህበና

 

መዘኻከሪ ጥቕሲ

 

“ ኣነ ብልዒ ሓቂ እየ” ዮሃ. 6:35

 

ዮሃንስ 6:1-14

 

 

ንዓና ብዝበለጸ መን ይፈትወና, ኣቦና : ኣዴና : ሓፍትና ወላስ ሓውና? ልዕሊ ኹሉ መን ይፈትወና? ልዕሊ ኹሉ ኣብሊጹ ዝፈትወና ሓደ ኣሎ። ንሱ ድማ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ምኽንያቱ ንሱ ልዕሊ ኹሉ ኣብሊጹ ይፈትወናን የፍቅረናን። ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምባልና ዝደለናዮ ፈሊጡ ይህበና።

 

ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ህዝቢ ንኢየሱስ ቃሉ ክሰምዑ ሲዒቦሞ ነብሩ። ኣዚዮም ኣሽሓት ሰባት ድማ ነበሩ። ኩሎም እዚኣትቶም ድማ ካብ ገዝኦም ኣዚዮም ርሒቆም ነበሩ። ኩሎም ድማ ጠሚዮም ከምዝነበሩ ኢየሱስ ይፈልጥ ስለዝነበረ ነቶም የዕሩኽቱ መግቢ ተለዎም ክህብዎም ሓተቶም። ብጀካ ሓደ ወዲ 2 ዓሳን ሓሙሽተ ባንን ዝነብሮ ተዘይኮይኑ መግቢ ዝብሃል ወለሓደ ሰብ ኣይነበሮን። እዘን 5 ባንን 2 ዓሳን ነዚ ኹሉ ሕዝቢ ይኣኽሎም ኢልኩም ተሓስቡ ዶ? ብርግጽ ኣይከኣልን እዩ። ምስ ኢየሱስ ግን ይከኣል እዩ። ሽዑ ኢየሱስ ነተን ክልተ ዓሳን ሓሙሽተ ባንን ወሲዱ ኣመስጊኑ/ጸሊዩ/ ቆረሰን እሞ ነቶም የዕርኹቱጸዊዑ ነቶም ኩሎም ሰባት ክዕድልዎም ነገሮም። ኩሎም ድማ በልዑ። ሽዑ እንታይ ኮይኑ ትፈልጡ? እቶም ኩሎም ሰባት በሊዖም 12 ክልተ መሶብ ሙሉ ኣትሪፎም።

 

ምስ ኢየሱስ ኩሉ ነገር ይከኣል እዩ። ንእሽተይ ነገር ዝነበረ ንኹሎም ኣኺሉን ተሪፉን ከማን። ንሕና ነኣምላኽና ንኢየሱስ ነፍቅሮ ኢና።

 

መደምደምታ:

 

ኢየሱስ ኩሉ ነገር ነዓና ይገብረልናን የሓልየልናን እዩ።

ኩሉ ግዜ ቅድሚ መግቢ ምብላዕኹም ኣምላኽ ነቲ ትበለልዕዎ ዘለኽም መግቢ ክባርኸልኩም ምጽላይ ኣይትረስዑ።

 

ክብሪ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ሓደ ኣምላኽ ይኹን! ኣሜን።

ፍጥረት

ዕላማ᎓

 

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ምዃኑ ምፍላጥ

 

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

 

“እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” (ዘፍ.1᎓1)

 

መወከሲ ዘፍጥረት 1

 

መእተዊ

 

ሰላም እዞም ደቀይ ከመይ ቀኒኹም? እግዚኣብሔር ይመስገን እስከ በሉ። እወ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ስለቲ ዝገብረልና ሰናይ ነገር ኩሉ ግዜ ከነመስግኖ ይግባእ። እበኣር ከስ ናይ ሎሚ ትምህርትና ከምዚ ይኸውን፦ እስኪ መን ኣሎ ዝነግረኒ ኣብ ደገ ምጽዋት ዝፈቱ? እንታይ ዓይነት ጸወታ ክትጻወቱ ትፈትዉ ኣብ ደገ? ኣግራብ፤ ዕንባባታት ከምኡውን ወሓዚ ማይ ምረኣይ ትፈትዉ ዶ? ቀላይ ወይ ድማ ባሕሪ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኬድኩም ርኢኹም ዶ ትፈልጡ? ርኢኹም ዘይትፈልጡ ተኾንኩም ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ምስተራኸብና ስእሊ ናይ ባሕሪ ሒዘ ክመጽእ እንድየ ሽዑ ከርእየኩም እየ። ሓራይ ዶ?

 

ትምህርቲ

 

እስኪ ሓንሳብ ኣዒንትኹም ሰም ኣብልዎ። ጸልማት ኮይኑ ምሽ!? ሕጂ ኸኣ እስከ የእዛንኩም ብኢድኩም ጌርኩም ሸፍንዎ። ኩሉ ሱቕ ኢሉ ምሽ?! ወልሓንቲ ኣይሰማዕኩምን። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ኩሉ ነገር ሱቕ ኢሉ እዩ ኔሩ ወላ ሓደ ነገር ኣይስማዕን ነበረ። ከምኡ ድማ ጸልማት ነበረ። ወላ ሓደ ሰብ፤ ወላ ርግቢት ወላ ካልኦት እንስሳታት ኣይነበሩን። ሽዑ ኣምላኽ ተዛሪቡ “ ብርሃን ኩን በለ”…. ሽዑ ብርሃን ኮይኑ። ማዓልቲ ኾይኑ ጸሓይ በሪቓ። እቲ ብርሃን ድማ ጽቡቕ ከምዝኾነ ኣምላኽ ረኣየ። ሽዑ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ነቲ ብርሃን መዓልቲ ነቲ ጸልማት ምሸት ጌሩ ፈለዮ። ሽዑኡ ንወርሒ፤ ንኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ጸልማት ከብረሃ ፈጢርወን። እዚ ኹሉ ድማ ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ኣምላኽ መሊሱ ድማ ሰማይ ፤ ባሕሪ ይኹን በለ ከምኡ ድማ ኾነ። ግን ገና ምድሪ ጥራያን ኣብ ሱቕታን ነበረት። ሽዑ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣእዋም፤ ኣታኽልቲ፤ ዝተፈላለዩ ክንበልዖም ንኽእል ፍሩታታትን የሕምልትን ከምኡ ድማ ንኸነሽትቶም ብዙሕ ዓይነት ዕንባባታት ፈጠረ። መሊሱ ድማ ኣብ ባሕሪ እንዳሓንበሱ ዝነብሩ ዓሳታትን ኣብ ሰማይ ዝነፍራ ኣዕዋፍን ገበረ። ኩሎም እንስሳታት ምስ ተፈጠሩ ሽዑ ጽምዋ ኣይነበረን። ከልቢ ውውውውው ድሙ ኛው ኛው ፤ ብዕራይ ድማ ሞእእ ሞእእእእ፤ በጊዕ ድማ እምበእእእእ ከም ኡውን ካልኦትን ክብሉ ምስ ጀመሩ ጽምዋ ዝበሃል ኣይነበረን። ኩሉ ድማ ጽቡቕ ነበረ ኣምላኽ ድማ በቲ ዝፈጠሮ ኩሉ ተሓጎሰ። ሓደ ነገር ግን ጎዲሉ… እንታይ ጎዲሉ ኣሎ? መን ኣሎ ዝነግረኒ? እወ ንፉዓት “ሰባት” ኢልኩም ምሽ? መልስኩማ። ሰብ ገና ኣይተፈጥረን ነበረ እሞ ሽዑ ኣምላኽ ንሰብ፤ ሰበኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም። እቲ ሰበኣይ ኣዳም ይበሃል፤ እታ ሰበይቲ ድማ ሄዋን ትበሃል ነበረት። ኣዳምን ሄዋንን ድማ ነንሕድሕዶም ይፋቐሩ ንበሩ ። ኣምላኽ ድማ ነዓዓቶም የፍቅሮም ብኹሉ ነገር ይሕግዞምን ዝደለይዎ ዘበለ ኩሉ ነገር ድማ ይገብረሎም ነበረ። ምሽ ደስ ክብለካ!?

 

ተረዲኡኩም ዶ ኩሉኹም? ዘይተረደኦ ተሊዩ ኢዱ ዊጥ የብል። ናይ በሓቂ ኩሉኹም ተረዲኢኩም? በሉ ሕቶ ከሓተኩም እየ። ኣብ መጨረሽታ መዓልቲ ዝተፈጥረ መን እዩ? ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን የፍቅሮም ይሕግዞም ዶ ኔሩ?

 

መደምደምታ

 

ኣምላኽ ንኹሉ ፈጡሩ። ነዓና ንሰባት ድማ ፈጢሩና። ነዚ ኹሉ ድማ ዝገበረ ኣምላኽ ሓደ ምኽንያት ስለ ዝነበሮ እዩ። ንሱ ነዓና ኣዚዩ ስለ ዘፍቅረና እዩ። ንሱ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ክህልወና ይደሊ። ንሰማይ፤ እተን ጽቡቓት ኣዕዋፍ ክበራ ከለዋ፤ ሳዕርታት፤ ዕንባባታት፤ ኣእዋማትን፤ ኣዝማድና መሓዙትናን ካልኦትን ነገራት ክንሪኢ ኮለና ግዴታ ነዚ ኹሉ ዝገበሮ ኣምላኽ ምኳኑ ክንዝክር ይግበኣና። ኣብ ዝኾነ ቦታን ኣብ ዝኾነ ሰዓትን ንኣምላኽ ክንዝክሮን ከነመስግኖን ይግበኣና።

 

በሉ እዞም ደቀይ ኣምላኽ ይባርኩም ኣብ ዝቕጽል ኣርእስቲ የራኽበና ኣሜን።

 

ክብሪ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን ኣሜን።

መግቢ ካብ ሰማይ ማይ ድማ ካብ ከውሒ (እምኒ)

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይሕግዘናን ዘድሊየና ዘበለ ድማ ይቕርበልና

 

መዘኻከሪ ጥቕሲ

“ኣምላኽ ናተይ ረዳኢየይ ኢዩ ኣይፈርሕን እየ” ዕብ. 13:6

 

ዘዳ.16:1-18, ምሳ. 20:1-13

 

ኣቐድም ኣቢሎም ዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣርእዮም። ነቶም ቆሉዑት ከምዚ ኢልካ ሕተቶም፦ ዝኾነ ነገር ምስ እንደሊ ንመን ክንሓቶ ይግበኣና? መን እዩ ኩሉ ዘድልየና ዘበለ ነገር ዘማልኣልና ወይ ድማ ዝህበና?

 

ትምህርቲ

 

ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ንኣምላኽ ዝፈትዉ ሕዝቢ ኣብ ግብጺ ዝተብሃለ ዓዲ ይነብሩ ነበሩ። እቲ ንጉስ ናይቲ ዓዲ ከቢድን ኣሸጋርን ስራሕ የስርሖም ነበረ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ሕዝቢ ከምዚ በሎም፦ ሓድሽ መሬት ክህበኩም እየ ኣቡኡ ድማ ጽቡቕ ክትነብሩ ኢኹም። ናብቲ ኣምላኽ ዝህቦም ዓዲ ድማ ንኽኸዱ ሙሴ ይመርሖም ነበረ። እቶም ሕዝቢ ድማ ናብቲ ኣምላኽ ዝህቦም ዓዲ ንኽበጽሑ ቡዙሕ , ቡዙሕ ምዕልትታትን ኣዋርሕን 40 ዓመትን ወሰደሎም። ቁሩብ መዓልቲ ምስ ተጎዓዙ ድማ እቲ ሒዞሞ ዝነበሩ መግብታት ኩሉ ተወደአ። ሽዑኡ እንታይ ክንበልዕ ኢና ኢሎም ክጭነቑ ጀሚሮም።ን ሙሴ ድማ መግቢ ወዲኢና እንታይ ክንበልዕ ኢና በልዎ። ኣምላኽ ግን ንሳቶም ክጠሚዩ ኣይገደፎምን። ኣምላኽ ንሙሴ መግቢ ካብ ሰማይ ከም ዘውርደሎም ነገሮ።

 

ንጽባሒቱ ንግሆ ምስ ተንስኡ እንታይ ርእዮም ትፈልጡ? ደቀቕቲ ጻዓዲት ነገር ካብ ሰማይ ይወርዱ ኔሮም። ሽዑ ሻሓኒ ኣምጺኦም ብዙሕ ኣከቡ። ከም ባኒ ጌሮም ሰሪሖም በልዕዎ። ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ዓይነት መግቢ ወላ ሓደ ሰብ ሪኢዩ ኣይፈልጥን እዩ። ብጣዕሚ ተሓጉሶምን ተደኒቖምን ድማ። ነዚ ካብ ሰማይ ዝወረደ መግቢ ድማ “ማና” ኢሎም ሽም ኣውጽኡሉ። ማና ልክዕ ከም ናይ መዓር ጥዑም ዝኾነ መቐረት ኣለዎ። ካብሽዑ መዓልቲ ኣትሒዙ ኣምላኽ ነቶም ሕዝቢ ኣብ መንገዶም ነዚ መግቢ ካብ ሰማይ ይህቦም ነበረ። ማይ ምስ ጸምኡ ድማ ንሙሴ ነገርዎ። ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ማይ ክህቦም ጸሎት ጸለየ። ኣምላኽ ድማ ካብ እምኒ (ከውሒ) ማይ ኣፍሊቑ ወይ ድማ ኣውጺኡ ማይ ሃቦም። ንሳቶም ድማ ስጋብ ዝጸግቡ ሰተዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝህቦም ዓዲ ስጋብ ዝበጽሑ ኣምላኽ ዘድሊዮም ዘበለ ኩሉ ነገር ይህቦም ነበረ። ምኽንያቱ ኣብ በረኻ እዮም ዝጎዓዙ ዝነበሩ። ኣብ በረኻ ወላሓደ ነገር ክገዝኡ ኣይክእሉን ኢዮም ኔሮም። ኣምላኽ ይሕግዞም ኔሩ ንሱ ንሳቶም ክፈርሑ ስለዘይደሊ ኩሉ ግዜ ምሰኣቶ እዩ ኔሩ።

 

መደምደምታ

 

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይሕግዘናን ኩሉ ዘድሊየና ዘበለ ይገብረልናን እዩ። ፈጺምና ክንፈርሕን ክንጭነቕን ኣይግበኣናን እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣቦና ከምዝኾነ ስለንፈልጥ። ንሱ ነዓና የፍቅረና: ይረድኣና: ይሕልወናን ኩሉ ዘድሊየና ዘበለ ይህበናን እዩ። ስለዚ ግዴታ ነቲ ኩሉ ዝገበረልና ነገር ተመስገን ምባል ክንርስዕ የብልናን።

ዓሰርተ ኽልተ ፍሉያት ኣዕሩኽ

ዕላማ :

ብዛዕባ ትርጉም ሃዋርያነት ምፍላጥ

መዘኻኸሪ ጥቕሲ:

ነንሕድሕድኩም እንተተፋቐርኩም በዚ ደቂ መዝሙረይ ምዃንኩም ኩሎም ክፈልጡ እዮም”  ዮው  13:35

መወከሲ:

ማቴ.10

መእተዊ:

ኣዕርኽቲ ዘለውዎ መን  ኣሎ፧ ክንደይ ኣዕርኽቲ ኣለውኻ/ኺ፧ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣስማት ኣዕርኽቶም/ተን ይንገሩ። ናይቶም ዓስርተ ኽልተ ሃዋርያት ስእሊ ቀሪብካ ንኽቖጽርዎም ኣቕርበሎም። ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ነየናይ ሃዋርያ ከምዝውክል ሕተቶም።

ትምህርቲ:

ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣምላኽ ክምህር ክጅምር እንከሎ ነቲ ስራሕ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ፍሉያት ኣዕርኽቲ ደለየ ወይ ድማ ሓረየ። ከምቲ ንኩሉ ሰብ ዓርኪ ዘድልዮ ንኢየሱስ ካኣ ኣዕርኽቲ ኣድለይዎ። እቶም ኣዕርኽቱ ድማ ኣብ ኩሉ ዓለም ምስኡ እንዳወሰደ እቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ይምህሮም ነበረ። ንኢየሱስ ዓሰርተ ክልተ ኣዕሩኽ  ነበርዎ ንሳቶም ድማ ሃዋርያት ተባሂሎም ይጽውዑ።
ሓደ ማዓልቲ ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ደው ኢሉ ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ መርበቦም እንዳጽረዩ ከለዉ ረኣዮም። ንጴጥሮስን እንድሪያስን ጸዊዑ ድማ ንዑ ሰዓቡኒ በሎም። ሽዑ ጃልባኦም ምስ መርበቡ ኩሉ ገዲፎም ምስኡ ኸዱ። እንተላይ ያዕቆብ: ዮሃንስ( እቶም ቆሉዑ ነቲ ኣስማት ደድሕሬኻ ከምዝደግሙ ግበሮም )። ኢየሱስ ድማ ማቴዎስ ዝበሃል ሰብ ገንዘብ ክእክብ እንከሎ ረኣዮ። ኢየሱስ ድማ ምስኡ ድራር ክበልዕ ኣብ ገዝኡ ምስኡ ከደ። ማቴዎስ ድማ ኩሉ ዝነበሮ ገንዘቡ ገዲፉ ንኢየሱስ ሰዓቦ። ስለዚ ኢየሱስ ክንደይ የዕሩኽ ጌሩ ኣሎ? ክሳብ ሕጂ 5 ኮይኖም። ጴጥሮስ: እንድሪያስ: ዮሃንስ: ያዕቆብ: ማቴዎስ። ዓሰርተ ኽልተ  ክሳብ ዝኾኑሉ ድማ ካልኦት የዕሩኽ ድማ መረጸ። ኢየሱስ መታን ንዑኡ ክስዕብዎ: ካብኡ ክመሃሩ: ቃል ኣምላኽ ንኹሎም ሕዝቢ እንዳመሃሩ ክሕግዝዎ  እዩ መሪጽዎም።
 ኣዕርኽቲ ኢየሱስ እንታይ ይበሃሉ ?ወይ ድማ እንታይ ኢሉ ጸዊዕዎም?(ሃዋርያት), ካብኣቶም ንገሊኣቶም ኣስማቶም ንዝክሮም ዶ?

መዛዘሚ:

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹልና ነቶም እነፍቅሮ ኣዕርኽተይ ሃዋርያት ኢሉ እዩ ዝጽውዓና። ንሱ ድማ ኢሉ፦ ” ነንሕድሕድኩም እንተደኣ ትፋቕሩ ኾይንኩም በዚ ኩሎም ናተይ ደቂ መዝሙር ወይ ድማ ሃዋሪያት ምኳንኩም ክፈልጡ ኢዮም”። ከምቶም 12 ክልተ ሃዋርያት ንሕና ድማ ኩሉ ግዜ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ይግበኣና። (ኩሉ ግዜ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግበርዎ ኢሉ ተጻሒፉ ከምዘሎ)። ንፉዓት ናይ ኢየሱስ ኣዕርኽቲ ክንከውን ( ኩሉ ግዜ ጸሎት ክንጽልን፤ ምስኡ ክንዘራረብን)ይግበኣና። ንዑኡ ክንእዘዞ: ካብኡ ክንመሃር: እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ዘበለ ኩሉ ክንገብር፤ ልዕሊ ኹሉ ነቶም ምሳና ዘለዉ ከነፍቅሮም ነንሕድሕድና ክንፋቐርን እዚ እቲ ዝዓበየ ነገር ኢየሱስ ክንገብሮ ካባና ዝደልዮ ነገር እዩ። በዚ መንገዲ’ዚ ኢና  ኣዕርኽቲ ኢየሱስ ክንከውን እንኽእል።

ስእሊ ናይ ሃዋሪያት ኣርእዮም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳኣርኣኻ ኣስማቶም ምሳኻ ኮይኖም እንዳጸውዑ ይቑጸርዎም።

ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ

ዕላማ᎓

ኢየሱስ ሕሙማት ከምዝፍውስን ስለ ዝሓመሙ ክንጽሊ ከምዝግበኣናን ንምምሃር

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ማርቆስ 02᎓9

መወከሲ᎓

ማርቆስ 2᎓1-12

መእተዊ᎓

ኣዕሩኽ ኣለውኹም ዶ? እስኪ ካብቶም ኣዕርኽትኹም ናይ ገሊኣቶም ስም ንገሩኒ። ምስ ኣዕርኽትኹም እንታይ ትገብሩ? ካብ ምጽዋት ሓሊፍኩም ካልእ ነገር እንታይ እንታይ ትገብሩ? ነኣብነት ፦ ቤተ ክርስቲያን ብሓንሳብ ትኸዱ ዶ? ነንሕድሕድኩም ትተሓጋገዙ ዶ? እንበኣር ናይ ሎሚ ትምህርትና ብዛዕባ ንዝሓመመ ብጻዮም ዝተሓጋገዙ የዕሩኽ ክኸውን እዩ።

ትምህርቲ᎓

ሓደ እዋን ሓደ ክንቀሳቐስ ዘይክእል ሕሙም( ፓራላይዝ) ሰብ ነበረ።  ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክንቀሳቐስ ናይ ሰባት ሓገዝ የድልዮ ኔሩ ። ስለዚ ድማ ተሰኪሞም ናብ ዝደልዮ ቦታ ዘብጽሕዎ ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ነበርዎ። ካብ ዕለታት ሓደ ማዓልቲ ኣዕርኽቱ መጺኦም ክሓዊ ከምዝኽእል ነገርዎ ኣዚዮም ድማ ተሃንጢዮም ነበሩ። ንሱ ድማ እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን በሎም። ንሳቶ ድማ ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ንሳቶም ዘለዉዎ ከተማ ከም ዝመጸን ብዙሓት ሕሙማት ይፍውስ ከምዘሎን ናብኡ ዝኸደ  ዘበለ ኩሉ ድማ ካብ ሕማሙ ከም ዝተፈወሰን  ነገርዎ። ንሱ ድማ ኣዕርኽቱ ከምዚ ምስ በልዎ ኣዚዩ ተሓጎሰ᎓ “ንዓናይ ንኢየሱስ ንርከቦ” በልዎ’ሞ ኣብ ልዕሊ ዓራቱ ከሎ ምስ ዓራቱ ተሰኪሞሞ ከዱ።

ንኢየሱስ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ ኮይኑ ከስተምህር ከሎ ረኸብዎ። ኣብቲ ገዛን ኣብቲ ኣፍደገ ማዕጾን ድማ ብዙሕ ህዝቢ መሊኡ ስለ ዝነበረ ነቲ ዓርኮም ናብ ውሽጢ ገዛ ሒዞሞ ክኣትዉ ጸገም ኮኖም። እቶም ኣዕርኽቱ ብጀካ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ክፍውሶ ዝኽእል ከምዘየለ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ንኢየሱስ ንኽረኽቡ ኣዚዮም ተሃንጠዩ። ስለዚ ሓደ ሓሳብ ሓሰቡ እሞ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ / ልዕሊ ዚንጎ/ ናይቲ ገዛ ብምድያብ ነቲ ናሕሲ ቀዲዶም  ነቲ ዓርኮም ምስ ዓራቱ ኮሎ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ። ኢየሱስ ድማ ናይቶም ኣዕርኽቱ  እምነትን ጻዕርን ርእዩ   ነቲ ዝሓመመ ዓርኮም ከምዚ በሎ᎓ “ወደየ! ኃጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ’ሞ ተንስእ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኢድ” በሎ። ሽዑ እቲ ሕሙም  ሓዊዩ ተንሲኡ ብእግሩ ደው በለ። ኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘሕወዮ ድማ ብእግሩ  ክኸይድ ጀመረ። እቲ ኣብቲ ውሽጢ ገዛ ዝነበረ ሰብ ኩሉ ነዚ ምስ ረኣየ ኣዚዩ ተገረመ። እቲ ዝሓወየን እቶም  ኣዕርኽቱን ድማ ኣዚዮም ተሓጎሱ።

መደምደምታ᎓

ኢየሱስ ንሕሙማት ከምዘሕውዮም /ከምዝፍውሶም/ ንኣምን ኢና። ንሕና’ኸ ከመይ ጌርና ኢና ንዝሓመሙ ሰባት እንሕግዞም? ናብ ኣማኽና ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክፍውሶም ብጸሎት ክንልምነሎም ይግባእ። ስለ ሕሙማት ኩሉ ግዜ ጸሎት ክንገብር ከምዘለና ክንርስዕ የብልናን።  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣምላኽ ስለዝኾነ ንዝሓመሙ ይፍውሶም ኢዩ ። ንዑኡ ዝሰኣኖ  ነገር የሎን።

ክብሪ  ንእግዚኣብሔር  ይኹን ።

ኣምላኽ ይባርኽኩም !!!!

{flike}

samuel

ሳሙኤል ኣብ ድቃሱ ከሎ ኣምላኽ ጸውዖ

samuelዕላማ᎓

ቅድሚ ምድቃስና ናይ ግድን ክንጽልን ንኣምላኽ ክንስምዖን ከምዝግበኣናን ምፍላጥ

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ ጎይታይ ባሪያኻ ይሰምዓካ ኣሎ’ሞ ተዛረብ” 1ይ ሳሙኤል 03᎓09

መወከሲ᎓

1ይ ሳሙኤል 3᎓1-10

መእተዊ᎓

ቅድሚ ኣብ ዓራት ክትድቅሱ ምኻድኩም እንታይ እንታይ ትገብሩ? ስንኹም ተሓጺብኩም ፒጃማ ትኽደኑ ዶ? መጽሓፍ ተንብቡ ዶ? እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ተንብቡ? ናይ ጽንጽዋይ መጽሓፍ ድዩ ወላስ መጽሓፍ ቅዱስ? ትጽልዩ ዶ? እንታይ ዓይነት ጸሎት ከ ትጽልዩ? እንበኣር ሎሚ ማዓልቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ትምህርትና ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነብርን ቅድሚ ምድቃሱ ኩሉ ግዜ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ዝጽልይን ዝነበረ ንእሽተይ ወዲ ኽኸውን እዩ። እዚ ንእሽተይ ወዲ ሽሙ ድማ ሳሙኤል ይባሃል። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ሃና ኣደ ሳሙኤል ተማሂርና ኔርና።

ትምህርቲ᎓

ሳሙኤል ብጣዕሚ ደስ ዝብል ንእሽተይ ወዲ እዩ። ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ይጽልን ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ኩሉ ነገር ይገብርን ነበረ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ካህን ኤሊ ይነብር ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ ምሸት ደቂሱ ኮሎ ዝኾነ ድምጺ ብሽሙ ክጽውዖ ኮሎ ሰምዐ እሞ ካህን ኤሊ ዝጸውዖ መሲልዎ ናብቲ ካህን ኸደ።  ኤሊ ድማ ኣነ ኣይጸዋዕኹኻን ኪድ ተመሊስካ ደቅስ በሎ። ሳሙኤል ድማ ናብ ዓራቱ ተመሊሱ ብምኻድ ክድቅስ ፈተነ። እስኪ ገምቱ እንደገና እንታይ ኮይኑ? ከም እንደገና ሓደ ድምጺ ክጽውዖ ሰምዐ። እንደገና ተመሊሱ ናብ ኤሊ ኸደ። ኤሊ ሕጅውን ኣይጸዋዕኹኻን ኪድ ደቅስ በሎ። ሳሙኤል ከም እንደገና ክድቅስ ፈተነ። እንተ ኾነ ሕጂ እውን ንሳልሳይ ግዜ ሓደ ድምጺ ሽሙ ጸውዖ። ተመሊሱ  ናብ ኤሊ ኸደ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ኤሊ ከምዚ በሎ፦ እዚ ኣምላኽ እዩ ዝጽዋዓካ ዘሎ እሞ ከምዚ በል በሎ፦ “ኦ ጎይታይ ተዛረብ ባሪያኻ ድማ ይሰምዓካ ኣሎ” በሎ ኢሉ ማዓዶ። ሽዑ ሳሙኤል ከምባሓድሽ እቲ ድምጺ ሽሙ ምስ ጸዎዖ ከምቲ ካህን ኤሊ በል ዝበሎ “ኦ ጎይታይ ባርያኻ ይሰምዓካ ኣሎ እሞ ተዛረብ” በለ።  ሽዑ ኣምላኽ ንሳሙኤል ንካህን ኤሊ ዝንገር ኣገዳሲ ዝኾነ መልእኽቲ ነገሮ። 

መደምደምታ᎓

ጸሎት ምጽላይ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ቅድሚ ክንድቅስ ምኻድና። ጸሎት ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክስምዓናን ኣምላኽ ነቲ ለይትና ክባርኾን ይገብር። ንኣምላኽ ኩልና ክንእዘዞን ክንሰምዖን ይግበኣና ከምቲ ሳሙኤል ዝገበሮ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንንሕድሕድኩም ተፋቕሩ ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ ስለዚ ትእዛዙ ክነኽብርን ክንፋቐርን ኣሎና።

{flike}