Entries by tc

ልደትን ጥምቀትን ኣብ ሮብዕን ዓርቢን እንተወዓለ`ኸ?

ቅንያቱ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱን ጥምቀቱን እነኽብረሉ  ዘለና ግዜ ኣዩ። ናይ ሎምዘበን በዓል ናይ ልደት ኣብ ሮብዕ ስለዝወዓለ፣ ብዙሓት ናይ ስዕረት መግቢ ይብላዕ ድዩ ኣይብላዕን ዝብል ሕቶ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ዝኸበርኩም ሓተቲ፣ ካብ መጽሓፍቲን ቀኖና ቤተክርስቲያን ዝረኸብክዎ መልሲ እነሀለ። በዓል ልደትን ጥምቀትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ዝወዓሎ ይዉዓል፣ ዋላ ሮብዕን ዓርቢን ይኹን፣ […]

ኣብ ቃል ኪዳን ንምጽናዕ ዝሕግዙ ምኽርታት

እቲ ህያብ ፈጣሪ ዝኮነ መውስቦ ትርጉሙ ከም ዝቐየረን ጠገለ ስኢኑ ከም ዘሎን ንኩልና ብሩህ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ፍትሕ እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ። እኹል ናይ ወለዲ ፍቕሪ ዝተነፍጎም ህጻናት’ውን ቁጽሮም እና ዛየደ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣባና ኣብቶም ክርስትያን ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን  ዘሎ እንተ ኢልና ዝተፈላለዩ ነጥብታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብጥቕሉሉ ግን ፍልጠት ካብ ምስኣን ካብ […]

ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???

2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ዮሴፍ ናብ ዘይፈልጦ ዓዲ ጓና ብዘይጠቅም ገንዘብ እኳ እንተተሸጠ  እቲ ሓያል ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ግና ኣይተሰናበደን፣ ኣብቲ ዓዲ ስደቱ ከይተረፈ ኣምላኽ ባሪኽዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ከይተረፈ ግና ፈተናን ብድሆን ኣሰር ኣሰሩ ካብ ምስዓብ ኣየቛረጸን፣ ከምቲ ንኹሉ መንእሰይ ዝገጥሞ ናይ ስጋ ፈተና ካብ ሰይቲ ጶጢፋር ገጥምዎ፣ በዚ ብድሆ እዚ ውን ኣይተሳዕረን፣ […]

ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???

መልስኻ /  እወ  እንተድኣ ኮይኑ ፣ ኣብነት ንክኾነካ ሓደ  ብዓወት ኣፍደገ ሞት ዛዚሙ ኣፍደገ ሕይወት ዝኸፈተ ኣቦ  ከምጽኣልካ፡ ምንባብንን፣ ምስትውዓልን ግና  ናትካ /ኪ ግደ እዩ። መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና፣ ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ፣ እዚ ካብ ንእስነቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት […]

ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???

መልስኻ /  እወ  እንተድኣ ኮይኑ ፣ ኣብነት ንክኾነካ ሓደ  ብዓወት ኣፍደገ ሞት ዛዚሙ ኣፍደገ ሕይወት ዝኸፈተ ኣቦ  ከምጽኣልካ፡ ምንባብንን፣ ምስትውዓልን ግና  ናትካ /ኪ ግደ እዩ። መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና፣ ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ፣ እዚ ካብ ንእስነቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት […]

ዓመታዊ ክብሪ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ተከቢሩ

ኣብ ሽወደን ኣብ ዋና ከተማ ስቶክሆልም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ  ፩ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ጻድቕ ኣቡነ ኣርጋዊ ትማሊ ሰንበት 26 ጥቅምቲ 2014 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን  ብዝመጹ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ከማኡውን ብዙሓት ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ። እቲ መደብ ካብ ቀዳም25  […]

ነበርቲ ከተማ ሸለፍትዮን ከባቢአን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ስዊዲን እትርከብ ሸለፍትዮ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ኣብ ከባቢኡን ንዝርከቡ ኤርትራውያንን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ዘገልግል፡ ብስም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ዝተሰምየ ታቦት፡ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 10/10/2014 ብናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ኣብ ሃገራት ስካንድኒቭያ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብኽብ ዝብለ መንፈሳዊ ድምቀትን ጽምብልን ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ። ነበርቲ ሸለፍትዮን ከባቢኣን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንመጀመርታ […]

“ካብ ሽሕ ዓመት ኣብ ቤት ረሲኣን ሓንቲ መዓልቲ ሓላዊ ቤትካ ምኳን ይሕሸኒ።”

ቤት ኣቦይ እምብዛ እዩ ጥዑም፣ ኣቦይ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ገጹ ጸዊጉ ጠሚትኒ ኣይፈልጥን፣ ክብድል እንከለኹ ፍቕራዊ ዝዀነ ኣባታዊ ምኽሪ እናለገሰ መንገዲ እናርኣየ ኣብ ግቡእ መስመረይ ኢዩ  ዘትሕዘኒ። ኣቦይ ንእሽቶይ ኢሉ ካብ ሓላፍነት ነጻ ኣይገበረንን። ኣሚኑ እቲ ክገብሮ ዝግባኣኒ ንኽግብር የተባብዕኒ ነበረ። ኣቦይ ከም ወላድየይ ጥራይ ዘይኰነ ከም ዓርኹ ጌሩ ይርእየኒ ስለ ዝንበረ ካባይ ዝሓብኦ […]

ስለ ግዳያት ላምፓዱዛ ጸሎተ-ፍትሓት ተኻይዱ

ኩላተን እተን ኣብ ሃገር ሽወደን ዝርከባ ቀኖናዊ ስርዓት ተኸቲለን ዝኽዳ ዘለዋ ኣብያተክርስቲያን ስለ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትማሊ ሰንበት 05-10-2014 ቀዳማይ ዓመቶም ምኽንያት ብምግባር ጸሎተ ፍትሓት ኣካይደን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማለት ዕለት 3 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ሓደጋ ባሕሪ ንዓለም ዘደንጸወን ውርደት ኤርትራውያን ካኣ […]