ቀሸሽቲ ዝኾኑ ኣቕሽሽቲ
“ቀሻሺ” ዝብል ቃል ንሓደ መታለልን መደናገርን ሰብ ዝወሃብ ቅጽል ምዃኑ ኣይትስሕትዎን ትኾኑ። ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንሓደ ዘጠፋፍእ ሰብ ቐሻሺ ምባል ዳርጋ ልሙድ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ኣርእስቲ ንኣቕሽሽቲ ወይ ንካህናት ቀሸሽቲ ኢሉ ምቕራቡ ግን ዝያዳ ከዘራርብን ፍሉይ ስምዒት ክፈጥርን ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሃንደፍ ኢሉ ብጥረኡ ንዝተርጎሞ ሰብ ከሳሕዮ ዝኽእል ይመስለኒ። ላዛ ስለ ዝጎደሎን ንቡር ኣበሃህላ ስለ […]