Entries by tc

ቀሸሽቲ ዝኾኑ ኣቕሽሽቲ

“ቀሻሺ” ዝብል ቃል ንሓደ መታለልን መደናገርን ሰብ ዝወሃብ ቅጽል ምዃኑ ኣይትስሕትዎን ትኾኑ። ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንሓደ ዘጠፋፍእ ሰብ ቐሻሺ ምባል ዳርጋ ልሙድ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ኣርእስቲ  ንኣቕሽሽቲ ወይ ንካህናት ቀሸሽቲ  ኢሉ ምቕራቡ ግን ዝያዳ ከዘራርብን ፍሉይ ስምዒት ክፈጥርን ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሃንደፍ ኢሉ ብጥረኡ ንዝተርጎሞ ሰብ ከሳሕዮ ዝኽእል ይመስለኒ። ላዛ ስለ ዝጎደሎን ንቡር  ኣበሃህላ ስለ […]

እንቛዕ ናብ ዘመነ ሉቃስ ኣብጸሓና!

ናይ ዘመን አቆጻጽራ ባሕረ ሓሳብ ባሕረ ሐሳብ ካብ ክልተ ናይ ግእዝ ቃላት ዝተረከበ ኾይኑ ባሕር ዘመን  ሓሳብ  ካኣ ቁጽሪ ማለት አዩ:: ባሕረ ሓሳብ ዝደረሰ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝተባህለ  ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ ማለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ መበል 12 ፓትርያርክ  ኮይኑ ዝተሾመ ካብ 180 ክሳብ 222 ዓ ም ን42 ዓመት ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ኣቦ እዩ። ቅዱስ ድሜጥሮስ […]

ዓሰርተ ኽልተ ፍሉያት ኣዕሩኽ

ዕላማ : ብዛዕባ ትርጉም ሃዋርያነት ምፍላጥ መዘኻኸሪ ጥቕሲ: ነንሕድሕድኩም እንተተፋቐርኩም በዚ ደቂ መዝሙረይ ምዃንኩም ኩሎም ክፈልጡ እዮም”  ዮው  13:35 መወከሲ: ማቴ.10 መእተዊ: ኣዕርኽቲ ዘለውዎ መን  ኣሎ፧ ክንደይ ኣዕርኽቲ ኣለውኻ/ኺ፧ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣስማት ኣዕርኽቶም/ተን ይንገሩ። ናይቶም ዓስርተ ኽልተ ሃዋርያት ስእሊ ቀሪብካ ንኽቖጽርዎም ኣቕርበሎም። ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ነየናይ ሃዋርያ ከምዝውክል ሕተቶም። ትምህርቲ: ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣምላኽ ክምህር ክጅምር […]

ክፉእ ወረ (2ይ ክፋል)

2.  ኣብ ግፍዕን ማእሰርትን ዘብጽሕ ኩፉእ ወረ ወረኛ ሰብ ዘይተገብረ ተጌሩ ንዝተገብረ ወሳሲኹ ብምውራይ፣ክዕቀብ ዝግበኦ ምስጢር ብምብታን፣ሓቂ ምስ ሓሶት ብምትሕውዋስ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ግፍዕን ማእሰርትን የውርድ።ሰባት ብጽቡቕ ስራሕ ከቢሮም ብጽቡቕ ጠባዮም ተፈታውነት ረኺቦም ክርኢ ዓይኑ ስለ ዘይክእለሉ ኣጣቒሱ የጻልእ፣የእስር፣ካብ ስራሕ የባርር፣ክሳብ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ክፉእ ወሬ ይነዝሕ።ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ስራሕ ትካላት ገኒኑ ዝርኣ ዘይክርስቲያናዊ […]

ክፉእ ወሬ (1ይ ክፋል)

ክርስትያን ዘረባኡ ብጸጋ ዝመልአ ብጨው ዝተቋመመ ንሰማዕቱ ባህ ዘብልን ንበረኸት ዝኸውን አዩ ክኸውን ዝግብኦ።
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን ንምህናጽውን ዘድሊ ሠናይ ዘበለ ዘረባ ድአ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ
ኣፍኩም ኣይውጻእ ከምዝበለ (ኤፌ. 4:29)።
ክፉእ ወሬ ናይዚ ኣንጻር ኮይኑ ሽም ሰብ ዘጥፍእ፣ኣእምሮ ዘጨንቕ፣ ተባህለ ተገብረ  አንዳበልካ ዝውረ ኣብ ክርስቲያናት ክፍጸም ዘይግበኦ ነውሪ እዩ። ክፉእ ወሬ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ዘስዕብ ሓደገኛ ስነ ምግባር እዩ። ገለ ካብኣቶም ንክፉእ ወሬ ዘተባብዑ ነገራት  ሒዝና ቀሪብና ኣሎና።

ሓበሬታ

ሓደ ኣካል እንተተሳቐየ ኩሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ!!! (1ቆሮ 12: 27) ብስም ኣብን ወልድን መፈስቅዱስን  ሓደ ኣምላኽ ኣሜን ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን። ቀጺልና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተበገሱ  ኤርትራውያ ዝሓዘት መርከብ ብምጥሓላ ልዕሊ 155 […]

ኣብ ስቶክሆልም ኩነታት ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ዝርኢ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን ። ትማሊ ሰንበት ዕለት 09/08/2014 ካብ 6000 ክሳብ 10000 ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ። እቲ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን  ሶርያን ዝተፈላለያ ስቪካውያን ማሕበራትን ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብIsis ዝተባህሉ እስላማውያን  ኣብ ኢራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለትን […]

ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ

ዕላማ᎓ ኢየሱስ ሕሙማት ከምዝፍውስን ስለ ዝሓመሙ ክንጽሊ ከምዝግበኣናን ንምምሃር መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓ “ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ማርቆስ 02᎓9 መወከሲ᎓ ማርቆስ 2᎓1-12 መእተዊ᎓ ኣዕሩኽ ኣለውኹም ዶ? እስኪ ካብቶም ኣዕርኽትኹም ናይ ገሊኣቶም ስም ንገሩኒ። ምስ ኣዕርኽትኹም እንታይ ትገብሩ? ካብ ምጽዋት ሓሊፍኩም ካልእ ነገር እንታይ እንታይ ትገብሩ? ነኣብነት ፦ ቤተ ክርስቲያን ብሓንሳብ ትኸዱ ዶ? ነንሕድሕድኩም ትተሓጋገዙ ዶ? እንበኣር ናይ […]

ንእስነትካ ንጎይታ ዶ ወላስ ንዓለም ?

ንእስነት ዕዳ እያ᎓! ክብሃል ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? እዚ  ልሙድ ዝኾነ ኣዘራርባ ሰባት እዩ። ከመይ ኢላ እያ ግን ንእስነት ዕዳ ኮይና᎒ ዕዳ ዝበሃል እኮ ገንዘብ ወይ ንብረት ካብ ሓደ ብጻይካ ተለቂሕካ ትወስዶ እሞ ክሳብ ዘይከፈልካዮ ዕዳ ይኾነካ። ስለዚ ዘይተኸፍለ ነገር ዕዳ ይበሃል። ንመጻኢ ትኸፍሎ ማለት እዩ። ስለዚ በዚ ኣዘራርባ እዚ እንተ ኼድናዮ ንእስነት ድያ ነዓኻ ዕዳ ኾይናትካ ዘላ᎒ ወላስ ንስኻ ኢኻ ንንእስነትካ ዕዳ ኾይንካያ ዘለኻ᎒ መንኩም እዩ ኣለቃሒ᎒ መንኩም እዩ’ኸ ዕዳ ኸፋሊ᎒ ንስኻ ዲኻ ወላስ ንእስነትካ᎒